ክቡራት ኤርትራውያን ብቐዳምነት ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም።
ሰናይ ንባብ፣

ክቡራት ህዝቢ ኤርትራ፣ ሓደ ቤት ድልዳለ ከምዘይብሉ እንተበሪሁልካ ኩሉ ጊዜ እናኽትኣትዎ ትስከፍ ኢኻ፣ ስለ’ዚ እቲ እትኣትዎ ቤት ክሳዕ ዘይትዓረየ ኣብ ስኽፍታ ኢኻ ትነብር።

እዚ ካኣ ኣብ ሞንጎ እቲ ኣፍሪስካ ንኽትሰርሖ ዘሎ ዓቕምን፣ እቲ ኣብ ዘለዎ ከሎ ክትጽግኖ ዘሎ ዘይምትእምማንን ካኣ ጸገም ይፈጥረልካ፣ እዚ ዝመስል ማንታ ሓሳብ ስለዘለዎ ሽግር ይፈጥረልካ፣ ትጭነቕ።

እዚ ካኣ ብመጀመርታ ነቲ ቤት ክትሃንጾ ዝጠፍኤ ጻዕርን ገንዘብን ኣብ ዝኾነ እዋን ዘይምለስ ኮይኑ ስለ ዘሎ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ካልኣይ ዘሕስብ እቲ ቤት እንተፈረሰ ክጸቕጠካ ስለ ዝኽእል፣ ኣብ ሞንጎ ሂወትን ሞትን ትነብር ስለ ዘለኻ ኢዩ።

ኣብ’ዚ ኣማራጺ ሓሳብን እቲ ቁጠባዊ ዓቕምን ብምንጽጻር ክትሓስቦ ከለኻ ትሽገር፣ ኣብ’ዚ ምናልባት እቲ ኣብዚ መጻብቦ ዝተቐርቀረ ብዙሕ ዓቕሚ ገንዘብ ዘለዎ እንተኾይኑ ምስ ሞትካ ክመጽእ ዝኽእል ነገር ስለ ዘየለ ክትነብር ካኣ ስለ እትደልን ከም ኣማራጺ ዝውሰድ እቲ ካብ መሰረቱ በንቊርካ ከም ብሓድሽ ምስርሑ ኢዩ።

ዕድልን ኩነታትን ኣፍቂዱ፣ እዚ ኣማራጺ እዚ እንተ ዘይብልካ ካኣ ፈቲኻ ጸሊእካ ኣብታ ገዛ ጸሎት ሓዊስካ ክትነብር ትግደድ ማለት ኢዩ፣ እዚ ካብ ጸቢብ ኩነታት ዝተበጽሔ ውሳኔ ስለዝኾነ ካብኡ ንስኻን ዕድልካን ኢዩ።

ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ምስ’ዚ ዝተጠቕሰ ኣብነታዊ ኩነታት ብዙሕ ተመሳሳልነት ኣለዎ፣ እቲ ኣማራጺ ካኣ ንኹልና ዝግደፍ ኢዩ፣ ምኽንያቱ እታ ገዛ እታ ሃገር እንድያ፣ እቲ ሓሳብ ካኣ እቲ ፖለቲካ  ኢዩ፣ ስለ’ዚ እታ ገዛ እንተፈረሰት ከይትጸቕጠኒ ዝብል ዝነበረ ሰብ ኣብታ ነብሱ ዝድላዩ ምስ ዘለዎ ዓቕምን ኩነታትን ኣማዛዚኑ ክምልሻ ይኽእል፣ እቲ ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ኩነታት ግን ናይ ብሁሓት ስለ ዝኾነ፣ እቲ ኣብ ሓደ ዓይነት ውሳኔ ምብጻሕ ኢዩ፣ እቲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ።

ኩልና ከም ንርድኦ ናይ ሓደ ሃገር ጉዳይ ናይ ኩሎም ደቂ ሃገር ድኣ እምበር ናይ ሓደ ውልቂ ስለዘይኮነ ንምውሳኑ ቀሊል ኣይኮነን፣ ይኹን እምበር ኣብ ውሳኔ ከይበጻሕካ ዘደቅስ ኣይኮነን።

ስለ’ዚ ክቡራት ኤርትራውያን በዚ ምሳሌ ኣቕሪበያ ዘለኹ ገዛ እታ ኩልና ንነብረላ ኤርትራ ካብ ኮነት፣ ገዛና መሰረታ ኣይድልድልቲ ብጎድንታታ ድማ ፈጋዕጋዕ ዝበለት ማለት መናድቓ ነቂዑ ዘፍርሕ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ።

ስለ’ዚ ብዙሓት ከይለከመትን ጨሪስና ከይጠፋእናን ኩልና ተኣኪብና ሃዬ ንናይ ኩልና ድሕነት ገለ ንግበር፣ ሃገር ብናይ ኩሎም ሃገራውያን ጻዕርን ድኻምን ጥራይ ኢያ ትድሕን፣ እንተዘይነፍዑን ፋሕፋሕ ዝበሉን ፈጺምም ዘይሳማምዑን እንተኾይኖም ግን ለኪማቶም ትጠፍእ፣ ስለ’ዚ ንሳማማዕ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

በላይ መስፍን ጀርመን