ኵን ንባዕልኻ

ኣነ ክኸውን ባዕለይ ኵን ንባዕልኻ
ቀልጢፉ ኣይሰለብ ልብኻ
ረሸሽ ኢሉ ኣይድከም ብርክኻ
ድምጺ ኣቡናት‘ከ ሰሚዕካ‘ዶ ቐኒኻ
ክጠርዑ ተጣሪዖም እንዳበሉ ኣበሎ ሓውኻ
ብዱዓት ምስ ተጋሰሱኻ
ብምራን ባርነቶም ቀፊዶም ድሃዅኻ
ጠይቂ ዲኻ ኣድጊ ክንድዚ ዘሕስሩኻ
ካብ ድላዮም ኣልዒሎም ኣብ ድላዮም ዘንብሩኻ
ከም ድስትን ሸሓንን ናይ ውሻጠ ኣቕሓ
መርከብ ባርነቶምሲ ተውጻኣካ‘ላ ነነዲሓ
ኣብ መንገዲ ትረኽበካ ኵላ ሸሸላሓ፡ ኵላ በበላሓ
ማእከላይ ባሕሪ‘ኽኣ ትቕበለካ ኣእዳዋ ዘርጊሓ
ኣብ ማህጸና ከተንብረካ እምብዛ ራሕሪሓ

ሰብ እኮ ኢኻ ምስ ግርማኻ
ምስሊ ኣምላኽ እኮ‘ዩ እቲ ምስልኻ
ሎምስ ይኣክል በሎም፡ ጨቆንትኻ
ሓጺን ዝማህጸኖም ረገጽቲ ከብድኻ
ተራእዮም ተሰሚዖም ዘይፈልጡ ኣብ ዛንታኻ
ከም ግራኝ ዘጽንቱ ሰብ፡ ከብቲ፡ ኣቕሓ
ከም ውበ ቆሎ ዝውትፉ ኣብ እዝንኻ
ወንጭፍ‘ኳ ሃሪማ ትልግስ መቓልሓ
ወረ ከመይ ኢሉ ኣቶ እዚ ንእሽቶ ፈርኦን ኣብ ገዛኻ
ኣቢሰ‘የ ኢሉ ዘይገብር ንስሓ
ሎምስ ጠፊኣቶ እታ ቝጻር ከመይ ጌሩ ከምዝፈትሓ
መንፈሱ ተሰዊራ ስኢና ዝመርሓ
እንታይ‘ያ ኰይና ክንድ‘ዚ ጨኪና፡ ተሪራ፡ ከዊሓ
ወረ ሎምስ ጸለል መለል‘ክኣ ኣብዚሓ
ኣርወ ለይቲ ኰይና መንእሰያት ዝምስሓ
ቆለ ተታሒዛ ዪሕ ትብል ጭጕራፋ ዘይጊሓ
እንታይ‘ያ ኰይና‘ኸ ትንቁ ዘላ ከም ኣሓ
ዓቢራ ድያ ሰቢሓ
ጾር ከቢድዋ ዒሕ ኣብዚሓ
ሃጠው ቀጠው ትዛረብ ወጊሓ ጸቢሓ
ደርሆ‘ዶ እንቋቝሖ ኣደ ደርሆ እንዳበልካ ሰበኻ
ኣውፊሩ ዘየእቱ ያላኻ
መብጽዓኣ ከዲዓ ከቶ ዘየሕንኻ
ኣረገውቲ ኣእዛን‘ኳ ጸሚመን‘የን፡ ሓደሽቲ‘ኽኣ ላሕልሓ
ኣእምሮ‘ውን እምቢ ኢላ፡ ደስኪላ፡ ጠንጢና ስራሓ
ሓሚማ‘ዲኻ ትብላ ጐሪሓ
ጻሕሊ ህዝቢ ትሰብር፡ ካብ ህዝቢ ተለቂሓ
ሎምስ ቃላት እኳ ሰኣንናላ ዘነስሓ
ንኣቡን ካብ ደርገመት ንማሕቡስ ኣምሪሓ
ንኣካል ኣድውያ፡ ንመንፈስ ኣርሲሓ
ዕሸላት ጕሓፈቶም ብመዓልቲ ጐጓሕጕሓ
ነውሪ‘ዩ ሎምስ ምንሓፋ፡ ምሕናኻ
ዝበልዓቶ ካብተፍኤት ጐረርኣ ሓሓኺኻ
ተኻዕብት ኣላ እልፊ ቍስሊ፡ ኰይና ደምበ ድኻ
ሕማማስ ንእሽቶ ኣይኮነን ከም ዓበቕ፡ ጅግል፡ ስሓ
ፌራኣ ተላጋቢት‘ያ ትርሕብ፡ ገፊሓ
ትሞር ተባሂላ ዘይትወጽእ ብሓኻይም ተሓኺኻ
ህዝብና‘ኽኣ ኣደራዕ ተሰኪሙ ይብል ኣሎ ንኣምላኻ ሓደራኻ

ሰብ‘ዶ ኣሎ ኣብዚ ዓዲ ምሳኻ
ምኽሪ ዝህብ ዝብል ኣጆኻ
ለብም ኣይትዓሹ ፍለጥ መእተዊኻ
ልብን ሳዕርን ቀስ ኢላ‘ያ ትበቍል ጸጸኒሓ
መዓጹ ትኸፍት ብርሃን ሽግ ኣምሪሓ
ምስኣተወት ተውጽኦም ንመለኽቲ ሸሸንዲሓ
ናሕ አቢላ ትድርብዮም ራሓሪሓ
ሞጕሚጓ እወ ተውጽኦም ከም ሓሰኻ
ንስኻ‘ኽኣ ተሓጕምካ ትረክብ ፍስሃ

ተቓውሞኻ ይፍነን ካባኻ
ጽመዶ እቲ ህርኵት ኣእምሮኻ
ኣይጸንቀቕ ሓርቢ ናይ ሓቦኻ
ነዊሕ እዩ ዘሎ እቲ ጕዕዞኻ
ጸልማት ኣይተቐንጠጠን፡ ኣይነቀወን ደርሆኻ
ዳግማይ ኣብ ዱር እኔኻ ኣቲኻ
ፍለጦ ሕጊ ዓዲ፡ ፍለጦ ሕጊ ናይ በረኻ
ከይትህውትት ስሒትካ መገድኻ
ከይትስእኖ ካብ ዱር መውጺኢኻ

ኣነኸ እንታይ‘የ ዝሰምዕ ዘለኹ ኣብዚ ዕምረይ
ክሰምዖ ዘጽበለይ ዓቕለይ
ገለ ይኸስስ እንዳበለ ኣስላማይ
ገለ‘ኽኣ ዓዋን ሓማሴናይ
ምስ መንግስቲ ዝጠብቕ ከም ምሊሻ ስርናይ
ገለ ይዝንጥል እንዳበለ ሃቡኒ እታ ላማይ
ዘሕምቖ ኣለኒ በትረይ ናባይ
ትሓሙ‘ዶ ነዚ ሰሚዕኩም ከምዚ ኸማይ
ሃገራውነት ከተንቆልቍል ከላስ ከምኣ‘ያ እሮማይ
ቋሕ ኢልካ ሰምያ ከምዛ ዓለም ጣልማይ

ሰብሲ ይወጽእ ኣሎ ከም ማይ
ገሊኦም ይዝረፉ ብኸታራይ
ገሊኦም ይቕተሉ ብበደወ ሲናይ
ዝተረፉ ይኾኑ ቀለብ ቀላይ
ዓምጺጹ ዝወስዶም ከም ሃዳናይ
ይሰንጎም ኣሎ እንዳበሉ ዋይ ዋይ
ኣብ ከብዲ ባሕሪ ተሰሪዖም ዝኸዱ ከም ንዋይ
ኣነስ ኣይፈለጥኩን ማይ ከምዝኸውን ኣባይ
እፈትዎ‘የ ነይረ ከም ሳርያን ዓለባይ
ወረ እጽልየሉ እንዳበልኩ ኣቡነ ዘሰማይ
ማይ ጨሎት ተባሂሉ ምስ ሰረበ ናባይ
ቀዲሔ ዝሰትዮ ካብታ ዕትሮ፡ ሳርማይ

ደምበር‘ዶ ቆፎ ንህብና ኣይቀረቦን ትኪ
እንታይ‘ድኣ እዩ‘ኸ ዕምሩ ነዊሑ እቲ ምልኪ
ተመኺሩ ስበት ዘይንኪ
በዚሑ ኡይ ዝብል ዝነብዕ፡ ዝበኪ
ኣበይ‘ዩ ዘሎ እቲ ኣበር እቲ ጠንቂ  
ህዝብና ሱባኤ እቶ ሓጥያትካ ነኪ
ንሓዋሩ ከይኣትወካ ሰንኪ
ከይትስመ ነጻነት ኣምጺኡስ ኰይኑ በትኪ
ሃገርካ ኣእጋራ ተሓምሺሻ ምስ ሰኣነት ብርኪ

ንግደፎ ነርሕቆ ምባል እዚኣቶም
ናውትና ነልዕል፡ የልዕሉ ናውቶም
ኵሎም ደቂ ሃገር‘ዮም በብናቶም
ሰብ ድሙቕ ሕብሪታት ቀስተ ደበና ዝቕናቶም
ሓረግ ምምዛዝ ኣየድልየናን‘ዩ ብዓልየቶም
ገንኢ ምኽፋት ኣየድልየናን‘ዩ ኣቲና ኣብ ቤቶም
ደቂ ኣዳም እዮም ኢልና ንሕደጎ እቲ ናቶም
ደቀ ኣባት እንዳበልና ኣይነፍኵሶ ክብረቶም
እሱ‘ኽኣ‘ዩ ንሰብን ኣምላኽን መፍቶቶም

ሰለሙን ይከኣሎ
ግንቦት 2017


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...