እዚ ሕጂ ዋና መጽሓፊየይን መዛረብየይን ኮይኑ ዘሎ ብዛዕብቲ Universal Declaration of Human Rights ብቛንቛ እንግሊዝ ተጻሒፉ ብሕቡራት መንግስትታት ሃገራት ብታሕሳስ 10, 1948 ዝጸደቀ ናብ 500 ቛንቛታት ዝተተርጎመ ሕጂ ብትግርኛ  ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰባኣዊ መሰላት  ተባሂሉ ኣቶ ተስፋልደት ኣብ ደንቢኡ  ኣብ Asmarino.com ኣስፊርዎ ዘሎ ኣዩ።

እዚ መደብ ኣዚ ብሓቂ  ብዉሕሉል ኣገባብ ዝተዳላወን ኣብነታውን እዩ፡፡ ዉሕሉል ዘበለኒ እቲ ኣጃማምርኡን ሙዚቃኡን ቃላቱን  ኣዝዩ ተዋሃሃዱ ጀሚርካ ክትገድፎ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነ እዩ፡፡ ኣብነታዊ ዘበለኒ ድማ ብሐደ ስብ ወይ ድማ ብገለ ቅሩብ ሰባት ጥራይ ኣይኮነን ተዳልዩ ኣንታይ ደኣ ብቡዙሓት ዓበይተን ናኣሽቱን  ደቂ  ኣንስትዮን  ተባዓትዮን በብዓይነቶም ሰብ ሞያታት ክኢላታት  ኣባላት ሲቪካዊን ፖለቲካዎን ማሕበራት ተሳቲፎሞ። እቲ ዓንቀጻት ከይተረፈ ኣብ ክንዲ ብሐደ ሰብ ብ 34 ሰባት ተነቢቡ፡፡  ብሓቂ ዓወት ናይ በብኽእለትካ ንሓደ ዓላማ ምስራሕ/ምስታፍ ኣብዛ መደብዚኣ ተራኣዩ፡፡  ኣብዚ ሕጂ ከም ሃገር ምቕጻልና ዘፍርሕ እዋን ሐቢርና በብኽእለትና ንሰላምን ፍትሕን ንክንሰርሕ የታባባዓና፡፡

ንሕና ኤርትራውያን   ብናይ ገዛኣ ርእስናን ናይ ካላኦት ደቂ ሃገር ተመክሮታት መሰልና ጉፉፍ ሙኽኑ ንፈልጥ። እንተኾነ ከምቲ ሰብካ ሞይቱካ ብኽያት ይኣክል ኢልካ ክነስኻ ሓደሽ ኣልቃሳይ ምስ ረከብካ ከም ዳሕራይ ቀዳማይ ማለት ከም ሓዲሽ ትበኪ ሕጂ ድማ እዚ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ስእላዊ መሰነይትኡ ብትግርኛ ኣብ ቅድሜኻ ቅጅል ክብል ከሎ እቲ ናይ መሰልና ምግፋፍ ሓዘን ይሕደስ።  ካብዘን 30 ዓንቀጻት  ፍርቀን ወይ ዓሰርት ወይ ሓሙሽተስ ይትረፍ ዋላ ሓንቲ ትሕለወልና የብልናን። ብሐጺሩ ከም ሰብ ከም ኤርትራዊ መጠን ኣብ ኤርትራ ምንባር ኩልኩል እዩ፡፡ ተወዲኡ ። 

ኣነ ከም ዝመስለኒ ንሕና ኤርትራውያን  ንራህዋን ሰላምን  ኣብ ሃገርና ኣብ ነብሲ ወከፍ ስድራ ቤትና ኣብ ነፍሲወከፍና ንምምጻእ ካብ መጠን ንላዕሊ  ጉቡእና ጌርና  ሰላምን ራህዋን ግን ኣይረኽብናየንን፡፡ ብሓጺሩ መሰልና ከም ሕሱም ተገፊፍና፡  በብጭራም በብቅሩብ ብስልቲ ክንግፈፍ ከለና ድማ እንተ በዚ እንተ በቲ ትም ኢልና፡፡

እወ ጉቡእን መሰልን ተታሓሒዘን እየን ዝኸዳ፡፡ ጉቡእካ ከይገበርካ መሰልካ ምሕታትን  መሰልካ እናደላኻ ጉብእካ ዘይምግባርን ክሊቲኤን ሓደገኛታት እየን፡ንሕና ኤርትራውያን  በብጉጅለ በበውልቂ እንዳሰራሕና ነቲ ብጉሒላታት ጠለምቲ ጨካንት ዝተሰረቂ መሰልና ክንጭብጥ ንጽዕር ኣለና፡፡  እንተኾነ ኣብሓደ ተጠሚርና በብታ ክእለትና ኢድን ጋንትን ኮንና ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ  ሕጂ ክንስጉም ኣለና፡፡

ክትገብሮ ትደሊ ግን ዘይገብርካዮ እንተዳኣ ኮንካ መዛኻኸሪ የድልየካ፡፡  መሰልና ንምጭባጥ ካብዚ መደብ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰባኣዊ መሰላት ዝበልጽ መዛኻኸሪ የለን ብሃሊት እየ፡

የቅንየላይ፡፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...