ኤርትራ ኤርትራ፡ 

ህግደፍ ከይተማሕወ ሱራ 
ኢዶም ከይተፈድዩ እኽብካብ ሓተላ 
ኣሕዋት ከይዘተዩ፡ ከይመኸሩ ኣብ ዋዕላ 
ሓቅን ርትዕን ፍትሕን ክሳብ ዘይሰዓራ 
ዋላ እንተምበልበልኪ ናይ ጨርቂ ባንዴራ 
ንባርነት እምበር፡ ንሕሱም መከራ
ብምንታይ ትበልጺ ካብ ሃገረ-ጓና?

ብስቓይ ብግፍዒ፡ ማዕረ ብድኽነት 
ማዕረ ብማእሰርቲ፡ ማዕረ ብሕሱም ሞት 
እዚ ድዩ'ታ፡ ሓርነት ናጽነት 
ሕማቕ ህይወት፡ ናይ ሓባር ባርነት?

ደቅና ኣብ ሳዋ 
ኣዴታትና ኣብ ጽምዋ 
ዓድና ኣብ ሓለዋ 
ረሚሳትና እምበር፡ ጸያቐት ግዝዋ 
ዕቁብ መታለልቲ፡ ህግደፍ ዝብልዋ!

ኣብ ዓይንና ንብዓት
ኣብ ገዛና መዓት 
ኣብ ሕቆና መንድዓት 
ኮፍ ኢሉ፡ ጸላኢና ኣብ ቅርዓት
ይሰራሰር ኣሎ፡ ውሒዶም ተባዓት 
ከይንጸንት፡ ንዑባ ሰማእታት 
ሳቦያ ኢልኩም ኣልግሱልና መዓት!

ሰኣን ለባም፡ ኣርሒቑ ዝሓስብ
ሰኣን ጽላል፡ ኣኪቡ ዘላዝብ 
ነዚ ሓፋሽ ካብ ሕሰም ከናግፍ
ንሓደ ህግደፍ 
ኣልዒሉ ዝጉሕፍ 
ይርከብ ዶ' ኸውን፡ 
ናይ'ዚ ህዝቢ መድሕን?

ኤርትራ ኤርትራ፡

ህግደፍ ከይተማሕወ ሱራ 
ኢዶም ከይተፈድዩ እኽብካብ ሓተላ 
ኣሕዋት ከይዘተዩ፡ ከይመኸሩ ኣብ ዋዕላ 
ሓቅን ርትዕን ፍትሕን ክሳብ ዘይሰዓራ 
ዋላ እንተምበልበልኪ ናይ ጨርቂ ባንዴራ 
ንባርነት እምበር፡ ንሕሱም መከራ
ብምንታይ ትበልጺ ካብ ሃገረ-ጓና?

ንጉሰ 
ሓምለ 13፡ 2003


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...