ሓሸውየ
ብሃኒ ምሕረተኣብ

 
ሕጂ እንድዩ ት' ጊዜ ንጉየ ንጉየ ንጉየ
ንሓርነት ንጉየ
ሃገር ይዓኑሎ ህዝቡ እንዳ ኣእወየ
ንሶም ይብሉ ሓሸውየ....  ሓሸው ሓሸውየ
ህዝቢ እንዳ እጻሓየ ....
 
እምኒ ኩርናዕ መንደቕ፤ ስመር ዓንዲ ማእከል
መሰረትካ ከወሒ ዓረ ዘይንደል
ኣርሓ ጸባ ጸገብ ጥመር ስሙር ሓይሊ
ታሪኽና ን'ደገሞ ንጉየ ከም ትማሊ
 
ስመር ስመርየ ወገነይ ስመር ንሃገር ድሕነት
ይጉሰም ኣሎ ነጋሪት ህርመት
ጉዕዞ ሓርነት ብጥሙር ሓይሊ
ክንሰግሮ ኢና ቓንዛ ትማሊ
ስመርየ ስመር ስመር ኣንታ እግሪ ተኽሊ
ታሪኽ ን'ድገም ከምናይ ትማሊ...........!
ታሪኽ ን'ድገም ህዝበይ  ከምናይ ትማሊ...........!
 
 
ናይ ኩላትና ጸገም ንሰጉም ብሓይሊ 
ዓወትና ናይ ግድን ስምረት ዩ'ዘድሊ
ዘይወግሕ ይመሰሎም እቲ ከውታ ለይቲ
ጸላም ክምዘብረሃ ወርሒ ከውኽብቲ
 
እንጀራ ይእዘዝ ብኻደረ
ዓንጊሎውም ጾሙ እንዳ ሓደረ
ኣሚቁዎም ነብሱ አንዳቖረረ
ለይትን ቐትርን ምስኦም ዝወፈረ
ንቲ ጸልማት ብርሃን ዝቐየረ
ኣጉኒዮም ከምዛ ዘይነንበረ
ኣፍ ኣውጽእ ተዛረብ ኣኽራናት ኤርትራ
ሕሉፍ ታሪኽ ሰወራ፡፡ 
 
ብትምኒት ኣይኮነን ብልመና
ኣይንጽበን ክወርደና ማና
ዓወትና ናይ ግድም ብቕልጽምና
 
ሓቒ ከይፈልጥና ንሓቒ ክንስጉም
ገና ኣይፈለጥናዮን ቛንቐኣ ኣሎዎ ትርጉም
ጎቦ ኩርባ ሩባ ምስኦም ዝጎየየ
ሰላም ነፊጎም ዓንጊሎም ዘዕበየ
 
ኣብለዉ ፈልምቲ ናይ ሰወራ
እባይቢሎም ጀናኑ ኤርትራ
እሻሓት ሓሊፎም ንባንዴራ
ገለ አብ ዒራዒሮ ገለ አብ ናኹራ
ክምዲ ዓስቢ ሓሳረ መከራ
ረሲዖሞ መሪር ገድሊ ሰውራ
ማሕዪር ኮይና ኤርትራ
ሕሉፍ ታሪኽ ሰውራ
ብትምኒት ኣይኮነን ብልመና
ኣይንጽበን ከወርደና ማና
ዓወትና ናይ ግድም ብቕልጽምና
 
ወዲ ሓማሴን ሰራየ ወዲ ኣከለ
ወዲ ጋሽ ባርካ ኣቑርደት ወዲ ሳሕል
ወዲ ሰምሃር ቐይሕ ባሕሪ ወዲ ደነክል
ብጃ ሃገሮም ሓሊፎም ባጃ ባንዴራ
ንስያ' ሪምና እንዳበሉ ሓንቲ ኤርትራ
 
ጀጋኑ ከይዶም Iሎም ሓደራ
በጃ Iእርትራ መሪታ ባሕራ..!
ንሶም ሓሊፎም ንትና ኢዩ ተራ
ወዲ መታሕት ከበሳ ወገነይ ፎርሳ....!
መንእሰይ ፎርሳ
ወገነይ ፎርሳ .....!
መንእሰይ ፎርሳ
ወገነይ ፎርሳ .....!