AUDIO (AM Quality) for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና

ኣዳላዊት መደብ  ኣስመረት መድሃኔ

መደብ ድምጺ ደሊና ዕለተ ፈነወ ቀዳም 4ይ ፈነወ 03/01/2015

ነፍሲወከፍ ወለዶ ነናቱ ታሪኽ ኣለዎ። ኣያታትናን ኣቦታትናን ናይ ንእስነት ዕድመኦም ንሃገራዊ ናጽነት ወፍዮም፣ ናጻን ዘሐብን ታሪኽ ዘለዋን ሃገር ኣረኪቦምና እዮም። ራእዮም ራእይና፣ ባህጎም ባህግና ስለዝኾነ ኸኣ፣ ንሕና ናይ’ዚ መድረኽ’ዚ መንእሰያት፣ ኣብ ኣሰሮም ረጊጽና፣ ራእዮም ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ብዝገበርናዮ ዘይሕለል ጻዕሪ፣ እሙናት ተሰከምቲ ሕድሪ ምዃንና ብግብሪ መገዲ ጸሪግና ኢና። ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ ከምዝብሃል ክኣ ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ሃገርና ህዝቢ ብፍላይ ክኣ መንእስያት ብስንኺ እዚ ዘይፍትሓዊ መንግስቲ ገዛእ ዓዱ ገዲፍ ክወጽእን ኣደዳ ስደትን ገልታዕታዕን ኮይኑ ይነብርን ይዋረድን ኣሎ። ስለዚ ነዚ ብማዕዶ እንብህጓ ዘሎና ዓመት 2015 ዓመት ስላምን ፍትሒን ኮይና ብቐንዱ ነባሪ ስላምን ዓወትን ፣ ታሪኽ ናይ’ዚ መድረኽ’ዚ መንእሰያት ኮይና ጻማና እንሓፍሰሉን ኣብ ህይወትናን መነባብሮናን መሰረታዊ ለውጢ እንጎናጸፈሉን ግዜ ክትኾነልና ብምምናይን ፥ ብኡ መጠን ኣብ ኣዝዩ ቀረባ ርሕቀት ንዘላ ሰላምና ብሃንቀውታ ቅልና እነስምዓላ ዓመት እያ። ኣውራ ትሕዝቶ ናይ ሎሚ መደብ መንእስያት ኣብ ድምጺ ደሊና እምበኣር ምስ’ዚ ህንጻ ብልጽግቲ ሃገር ዝሰረተ መንእሰይ ዝተኣሳሰር ትሕዝቶ ዘለዎ መደብ ዝሓቖፍን ከምእዉን ምስዛ ሓዳስ ዓመት ብዝተኣሳስር ናይ ዩሃና መልእኽታት እዉን ኣሎና ደጊመ ምኽትታልኹም እዕድም።