AUDIO (AM Quality) for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና

ቃለ መሕትት መላኺ ኢሳያስን ሓደስቲ መብጽዓታቱን ኣብ 2015

ሕሉፍ መብጸዓታት ይጥለም፣ ብሓደስቲ ዘይጭበጡ መብጸዓታት ከኣ ይትካእ። መልሓስ ኢሳያስ ኣይትደርቕን፣ ተስፋ ኤርትራውያን ግን ይጽልምት።ኢሳያስ ዓመት መጸ ብሓደስቲ መደናገርቲ ተረካብ ዘረባታት ዓጀው ክብል እንከሎ ንዘይፈልጦ ፈላስፋ እዩ ዝመስሎ። ናይ ሕርሻ፣ ማይ፣ ጸዓት፣ ቁጠባ፣ ፖለቲካ፣ ጥዕናን ካልእን ኪኢላ ኮይኑ ዝቐርብ ኢሳያስ፣ ኩሉ ኣነ ይፈልጥ፣ ካባይ ንላዕሊ ተንታኒ የለን፣ ኣነ ፍልይ ዝበልኩ ንኹሉ ዓውዲ ስነ ፍልጠት ዘጽናዕኩ በሊሕ ፍጥረት‘የ ይብለና። ንኣብነት ኣብዛ ናይ መወዳእታ ቃለ መሕትቱ ገለ ኣርባዕተ ዝኾና ፍልይ ዝበላ መደናገርቲ ቃላት እዩ ሒዙ ተቐልቂሉና። ዓሰርተ ሳዕ ቁጥባዊ፣ ዓውለማ፣ ኮርፖሬሽን፣ ዓሎቕ እናበለን እናደጋገመንን ክህውትት ኣምስዩ።

ኢሳያስ ነቲ ኣብ 2011 ዝተኸሰተ ንሓያሎ መለኽቲ ዝጸራረገ ለውጢ ኩነታት ሊብያ ምስርን ቱኒዝያን ጠንቁ፣ ብርሃጹ፣ብጉልበቱን ግዚኡን ከም ጊልያ ወይ ባርያ ኮይኑ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፣ ይኣክል ኢሉ ዘለዓዓሎ ረጽሚ እዩ ክብል ገሊጽዎ።  ብኣበሃህላ ኢሳያስ ህዝቢ ኤርትራ ካብዘን ዝትረገለጻ ሃገራት ንላዕሊ ኣብ ፍጹም ሓርነት ይነብር ከምዘሎ እዩ ዘዘኻኽር። ግን ከኣ ከይተፈለጦ ዝሞሎቖቶ ምልእቲ ሓሳብ ኔራ። ከባቢና ብብርቱዕ ማዕበል ምስ ተናወጸ ካብዚ ህቦብላ ንምድሓን ጃልባና ኣደልዲልና ኣንፈት ማዕበል ካበይ ናበይ ሙኻኑ ፈሊጥና ተኣሊናሉ ኢሉ። ኢሳያስ ከይሓፈረ እቲ ናይ ለውጢ ናዕቢ ብዙሕ ሰብ ኣብ መጀመርታ ከምዝተደናገረሉን ደሓር ግን ከምዝተማህረሉን ገሊጹልና። እቲ ዝተገብረ ናይ ለውጢ ቃልሲ ጌጋ ምንባሩ ክሕብር ዝደለየ ይመስል። እስከ ካብ ቃላቱ ክትሰምዕዎ፣ ናብኡ ከብለኩም

ኢሳያስ ሓንቲ ከም ሓውሲ ምኽሪ ዘቕረባ፣ „ሰብ ንመሰሉ ተወዲቡን ሰውራ ተኺሉን ክቃለስ ኣለዎ“ ኢሉ። ንሕማቅ ኣብነት ዝበሎ ክጠቅስ ኣንከሎ ኸኣ፣“ ጸለምቲ ኣመሪካውያን በራዩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፣ ተወዲቦም ንሓርነቶም ሰውራ ተኺሎም ክቃለሱ ስለ ዘይከኣሉ፣ ገለ ፍታሕ ተረኸቡ ናብ ኣብያተ ክርስትያናት እዮም ጎዮም፣ ብኸምኡ ግን ፍታሕ ኣይርከብን‘ዩ ኢሉ ኣባጭዩ። እዚ ባጫ ግን ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ዘይኮነ ንህዝቡ ብኣሽሙር‘ዩ ክሽምጥጥ ደልዩ። ሕጂ‘ውን ናብ ኢሳያስ ክመልሰኩም።

ጋዜጠኛ ጳውሎስ ነታባይ ንኢሳያስ ድሕሪ 5 ዓመታት ንኤርትራ ኣበይ ትሪኣ ኢሉ ሕቶ ምስ ኣቕረበሉ፣ ሓሲበ፣ ደሚረ፣ ኣጉዲለ፣ ብኣሃዛት ክዛረብ ከሸግረኒ እዩ ክብል መሊሱሉ። ራእይ ዘይብሉ ሰብ ወላ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን ትጭበጥ ውጺኢት ስርሑ ክገልጽ የጸግሞ። ኣብ 2015 ግን ናይ ብሓቂ ናበይ ገጽና ከምእንኸይድ ከተርእየና ሙኻናን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክንሰጋገር ሙኻና ተመባጺዑልና። ሓቂ ዘይብሉ ግን ኩሉ ጊዜ መልሓሱ ሓንቲ ኣይኮነትን። ነዚኣ ኢሉ ጥፍጣፉ ከይደረቐት ኣስዕብ ኣቢሉ ኢሳያስ፣ ዓቕሊ ከድልየና እዩ። ነዛ ሕቶ ክምልሳ ምናልባት ድሕሪ 5 ወርሒ ተመሊስካ ቃለ መሕትት እንተትገብረይ ደስ ምበለኒ ኢሉ፣ መብጸዓ ከምዘይትግበር ኣአንፊቱ ጎስዩዋ ሃሊፉ። መብጸ ዓ ኢሳያስ ን ዓመተ 2015 ካብ ኣፉ ከምዚ ይብል par tone 23 min

ብድሕሪ‘ዚ ግን ሓንቲ ኣዝያ ኣገዳሲት ሕቶ እያ ተላዒላ። ጉዳይ መብጸዓ ምንዳፍ ሓድሽ ቅዋምን እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 1997 ተነዲፉ ዝጸደቐ ግን ከኣ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋምን። ኢሳያስ ነዛ ሕቶ ብድፍረትን ብግልጽን ትኽ ብትኽ እዩ መሊስዋ። ናይ 97 ዝበሃል የለን። ከምዘየለ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ እዩ። ሕጂ ተንሲኡ ተመሊሱ ተወሊዱ ኣይብልን እየ። ረስዕዎ ኢሉና። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ መዓልቱ በሊዑ ሙኻኑን ከይተኣወጀ ዝሞተ ቅዋም ሙኻኑን ተጠሊዑ ገሊጹ። ከይሓፈረ ድማ ሕጂ ካልእ ካብቲ ናይ ቀደም ፍልይ ዝበለ ሓድሽ ቅዋም ይደፍ ከምዘሎን ግን ከኣ ብዙሕ ዓው ዓው ከምዘየድልዮ ኣጠንቂቑ። ህድእ ኢልና ቀስ ኢልና ከይተሃወኽና ጺሒፍና ከነምጻልኩም ኢና ኣይትተሃንጠዩ ድሕሪ ምባሉ ኣብ መወዳእታ መሰጋገሪ ዝኸውን ስርዓት ክንተክል ኢና ኢሉ። ካበይ ናበይ ከም እንሰጋገር ግን ኣይተሓበረናን። መጽሓፍ ኢሳያስ  ካብ ባርነት ናብ ባርነት፣ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ዘሰጋግር ሙኻኑ ዝስሕቶ ኤርትራዊ ግን የለን። እስከ ሕጂውን ካብ ቃላቱ ንስመዓዮ  

ኢሳያስ ንፍልሰት ወይ ስደት መንእሰያት ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ዘስገድግድ እዩ። እቶም ናብ መሬት ሕልሚ፣ ናብቲ መዓርን ጠስምን ዝፈሶ ሃገር ዝኸዱ ዘለዉ መንእሰያት ተጣዒሶም ናባይ ክምለሱ እዮም ። ኣብ ደገ ከይድካ ኣብ ዓዲ እገለ ከይሰራሕካውን ክንድዚ ዶላር ወይ ዩሮ ይኸፍሉ እዮም እንዳበልካ ትኸይድ ዘለኻ ሓደ መዓልቲ ክንራኸብ ኢና፣ ቅድሚኡ ተጣዒስካ ተተመልስካ ግን ግርም ክብል  ሞራል ስደተኛታት ክትንክፍ ፈታቲኑ። እቲ ሓ ቂ ግን ብፍላይ እቲ ኣብ ዓዲ መሰል ብሰላም ዝበጸሐ ኤርትራዊ ኣሽንኳይ‘ዶ ክጠዓስ፣ ብሕልሙ እኳ ንኢሳያስ ኣይናፍቕን‘ዩ። ጠንቂ ስደቱ ኢሳያስ ሙኻኑ ኣንዳዕዲዑ ስለ ዝፈልጥ፣ ኢሳያስ ክሳዕ ዘሎ ናብ ሃገሩ ክምለስ ዝህንጠ ኤርትራዊ ስደተኛ የልቦን። ኢሳያስ ግን ኮይኑዎ ካብ ክውንነት ርሒቑ ልቢ ግሩሃት ከደናግር ደኣ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ እምበር፣ ኣብታ ንሱ ነዚ ብድዐ ዝዛረበላ ካልኢት ብዙሓት ኣብ ሸገራብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ይሳቐዩ ነይሮምን ኣለውን። ከምቲ ዝብሎ‘ውን ተጣዒሶም ክምለሱ ስለ ዝኾኑ ኢሉ መንእሰያት ሃገር ገዲፎም ክወጹ ትም ኢሉ ይዕዘቦም የሎን። እንታይ ደኣ ኣብ ምህዳኖምን፣ ምእሳሮምን፣ ምርሻኖምን‘ዩ ተዋፊሩ ዘሎ። ናይዚ መርትዖ እዚ ኣብዚ ቅንያት‘ዚ ንሰለስተ ኣሕዋት ዝርከበኦም 13 ንጹሃት ቆልዑ ብምርሻኖም መዓንጣኻ ዝቐርጽ ክጋዋሕ ዝቐነየ ዜና እዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ስርዓት ግን ጻድቕ ክመስል ዝዋውዕ እንተኣሰረ ሎሚ መን ከኣምኖ። በሉ እስከ ንስመዓዮ።

በዚ ኮይኑ በቲ ግን ክገርመና ዘይብሉ ነገር እንተሎ፣ ሓዳስ ንናይ ቃዛፊ እትመሳሰል ቀጠልያ መጽሓፍ ብመላኺ ኢሳያስ ዝተደርሰት ቅዋም ኣብ መንገዲ  ምህላዋ እዩ። እዛ ምስትንክራዊት ህግደፋዊት መጽሓፍ ግን ክንደይ ገጻት ኣለዋ እንታይ ዓይነት ሕብሪ ተለኽያ ትመጽእ ኣገዳስነት የብሉን። ቀንዲ ቁምነገራ ናይ ኢሳያስ ወንጌል ሙኻና ምግንዛብ እዩ። ናይ ሓድሽ ዓመት መደረ ኢሳያስ መመረቕታ ሓዳሽ መጽሓፍ ቅዋም ኢሳያስ‘ያ ተምሰልስል። ቃልስና ምስ ዝሕይል ግን ከይተሓትመት ከነርክበላ ኢና።