ድምጺ ደሊና ፡ መደብ መንእሰያት፡

ኣዳላዊትን፡  ኣቕራቢትን፡  ኣስመረት መድሃኔን

 20 ታሕሳስ፣ 2014


 ዘለናዮ  መድረኽ ህልዊ ኩነታት ሃገርና   ብልዝብን ዘተን ፥ ንኣውያት  ወጽዓን ህዝቢ  ደዉ ብምባል ንሽግራትና  ልሳንና እነስምዓሉን  ፥  እንፍትሓሉና   ንስለ መስል ድዉ እንብለሉ መድረኽ እዩ። እዚ  ክኸዉን ከኣ ሓደ ብኣታሓሳስባ ዝብሰለ ጥምረት ክህልወና ምስ ዝኽእል እዩ። እምብኣር ነዚ ዘራጉድ ጽሑፍ ኤርትራ ፥ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ዝስነቐ መንእስይ  የድልያ ኣሎ ብዝብል   ሞራል ተኽለሃይማኖት ካብ ሰራዊት ሕድሪ ልኢኹልና ኣሎ ፡  ንሞራል ብስም ተኸታተልቲ ነመስግን።

 

ኤርትራ፥  ሃገራዊ ኣተሐሳስባ ዝሰነቐ መንእሰይ የድልያ ሎ፡፡

ኣብዚ 21 ክፍለ ዘመን ሕብረተሰባት ዓለምና ብዘመናዊ ምዕባለ ኣብ ምውድዳር ዝጻፈዓሉ ዘለዋ ዘመን ብጽሒት ኤርትራዊ ኣብዛ ዓለም ትርጉም ምንባሩ ኣብ ዘተሓሳስብ መድረኻዊ ኩነት  ይርከብ ኣሎ፡ እዚ ስለዝኾነ ክኣ ኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ እየ ዝብል ሓላፍነት ዝስኽሞን ንውጾኡን ወጽዓ ህዝቦን ጠጠዉ ንምባል ብዘይኻ እቶም ንጎልባብ ግጉይ ኣተሓሳስባን ቃንዛ ህዝቦምን ኣሓቶምን ከምዘይኣንታዮም ዝሓስቦ  ዘይኤርትራዊነት ባህሪ ተላቢሶም ዝኸዱ  ፈተውቲ ነስቦም ሰባት  ኣለዎ። እዚ ዘለናዮ  እዋን መድረኽ ብፍላይ ክኣ መድረኽ ኤርትራዊ ግና ፥ ምስ ምንባርን ዘቁጽርን ንትስፎዎ መጻኢ  ጭራስ ዘጸልምት ዘሎ ኩነታዊ ግዜ እዩ።  ስለዝኾነ  እዚ ዘለናዩ መድረኽ ግዜ ዝሓቶን  ሓቀኛ ዕዮ ገዛናን  ህዝቢ  ካብ ዘለዎ   ዘይምዕሩይነትን ዘይፍትሓዉን ኣኻይዳ ስርዓት ኢሳይያስ  ምድሓንን፡ ክብሪ ልኡላዊት ሃገር ናብ ቦቱኡ ንምምላስን ዩ፡፡እሞ እዚ ምኻኑ ካብ ዘይምፍላጥ ዶ’ስ፡ ኣብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሲ መንድዓት ኮይንካ ኣብ ውልቃዊ ዋኒታትካ ምርዋይ ዝግበር ጸይቅታ’ ዩ ዕምሪ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ዝምጠጥ ዘሎ፡፡ እስከ ንርኣዮ፥ ህሉው ኩነታት ህዝብና ኣብ ከመይ ደረጃ ኣሎ ኩሉ ኣዒንቲ  ዝርኣየቶን እዝኒ ዝስምዓቶን ስለዝኾነ ንኹሉ ምትንታኑ  ኣብ ዘለታ ተወስኽታ ጥራይ እዩ ክኸዉን ነገሩ።  ዓይንኻ ንዝርኣዮ እዝንኻ ንዝስምዖ ዘሎ  ጠማዚዝኻ  ንጓል መንገዲ  ሃሰው ምባልስ መልሱ እንታይ ኮን ይኸዉን ኢሉ ንዝሓሰበ፡ ከም ኣብ መሬት ዝተኻዕወ ማይ ምሕፋስ  እዩ ክኸዉን እቲ ምላሽ።ይኹን ደኣ ምበር ከምዚ ዘለናዮ  ሪኢኻ ከምዘይርኣካ ስሚዒኻ ከምዘይሰማዕኻ ከይብሉኒ  እናበልኻ ዝኻየድ  ዓይነት ኣገባብ ኣቃላልሳ ንህዝብና ቅንጣብ ፍታሕ ከምጸሉ ኣይክእልን’ዩ። እንተመጸ ውን ብሃውሪ ደኣ ምበር ኣማስዩ ክወልዶም ዝኽእል ሽግራትስ ኣብ ምፍትሖም ዘለዉና ዓቕምታትን ፍልልያት ንርዲኢትና  ክብእሶዎም ከም ዝኽእል ሓቂ’ዩ፡፡ ሃገር ናይ ሃገራውያን’ያ፥ እዚ ንምባል ኤርትራ ናይ ኤርትራዊያን እያ፡፡ ንቀይሕ ጸሊም ዘይብሃላ ኩሉ ብሓልዮትን ቅንዕናን ፥ ብምዕሩይነት ፥ ብሰላምን ቅሳነትን ረጊኡ ዝነ        ብረላ ሃገር፡፡ ንሳቶም ዝኸብሩላን ዝሕበኑላን ናይ ባዕሎም ዋኒን ቅርስን ኮይና ውን ትነብር።

ኣብ ዕረን መዓርን ድማ ኩሉም ዜጋታት ብማዕረ ይኻፈሉ፡ ፡ እዚ ትማል ዝነበረ ወጽዓ ኣብ ምልጋስ በቲ ኢሉ በዚ ሃገር  ውሒሳ፡፡  ከም ኣሳጉማ ህጻን ክኣ ነዊሕ ከይኸደት  ዳግም ናብ  ጭኹናን ዘይፍትሓዊን  ኣኻይዳ  ተሓሚሳ።  ስሪ እዚ ከኣ  ህዝባ  ከም ደቂ ዛግራ ፍሕ ብትን ኣኣትዮዎ፡ ሕንጫላት መንእስያት ድቃ ኣደዳ ስደትን መከራን ምጉዝዛይ ኣካልትን ሰብን ክኾኑ ከም ዕጫኦም ኮይኑ። ሕቶና ሓደን ክልተን ዘይብላ ካብ ዘይፈትሓዊን ንህዝቡን ሃገሩን  ብምስሉይነት ዘይኾነ ብሓቐኛን ቕንዕናን፥ ብምዕሩይነትን ሓልዮትን ዝመርሕ ገዛኢን ጨዃንን  መንግስቲ  ብኸመይ ትገላገል ዩ ዘሎ። ሓበራዊ ወጽዓ ኣሎና፡፡ብሓባር ድማ ንምክቶን ንምሕዎን። እዚ ክንገብር ምስ ዘይንኽእል ፍረ ሕመቕና  ድማ ኩሉ ግዜ እናብኣስ ዝከይድ ባርነትን ቅዝፈት ደቂ ዜጋን እዩ ዘስዕብ። እንሆ ውን ከም ማይ ደምና ወትሩ ይውሕዝ ኣካላትና ይጉዛዘ፡፡

 ደምበ ፍትሒ ብዝሐን ክንደይ ዩ? ስለምንታይ ከ ? ቃልሲ ንህዝባዊ ረብሓ ዶ ወይስ ንዕግበት ውልቀ ሰባት ? ነስተውዕል። ኤርትራ ብዙሓት ዝወድቑላ ውሑዳት ድማ ዝሕጉሱላ ኣላ ንኸይትኸዉን ምጽዓር ኣዩ እቲ ቃልሲ።  ፡፡
እዚ ድማ ኣተሓሳባና ምስ ኣነማዕብልን ምስ እንህብትምን እዩ። እዚ ክኣ

  1. ኤርትራ ብኤርትራውያን ንኤርትራውያን ምኻና ምእማን።
     
  2. ካብ ውድባውን ጉጅልኣውን ኣተሐሳስባ ወጺኻ ጊላ ህዝቢ ምዃን
     
  3. ኣውራጃታት ኤርትራ ክብርናን መስረት ታሪኽንን ደኣ ምበር ከፈላልያና ዝኽእል ዘይሙኻኑ  ምርዳእ።
     
  4. ካብ ዓንኬል ቤላቤሎው ወጺና ኣብ ሓቂ ምእማን ንወሎዶና ድማ ጽቡቕ ባህልን ልምድን ምውራስ
     
  5. እንገብሮ ተሳትፎ ቃልስና ንረብሓ ውልቀ ሰባት ዘይኮነ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ምኻኑ ኣረጋጊጽና ብንጽህና ምብጃው፤
     
  6. ሃገራዊ ግቡእና ብዘይ ወዓል ሕደር ምፍጻምን ምትግባርን ካብ ብሄራውን ሃይማኖታውን እምነታት ዓይነት ቃልሲ ወጺኻ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ብምጽንባር ግቡእካ ምብራካት።
     
  7. ሓድነታዊ ጠለባት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ሕድገታት ብምግባር ህጹጽነት ኣብ ምብጽሑን ዝፍጠረሉ ባይታ  ስለ ፍትሒን ራህዋን ነብስኻ ውን ወጺዕካ ንስለ ሃገርን ህዝብን ሓለፋታት ምምላእ።
     
  8. ተጸዋርነትን ትብዓትን ካብ ውሽጥና ምምዕባል፡ ብጾትና ምኽባርን ጉድለታት ኣብ ዝፍጸሙሉ እዋናት ብልዙብን ስነምግባራውን ኣጠቓቕማ ኣሳዕ ምባል
     
  9. ልዕሊ ማንም ድማ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣብ ዘግበሩ ንጥፈታት ድሕር ዘይምባልን፥እጃምካ ምብርካት ግቡእካን ግዴታኻን ምኻኑ ምእማን።

ብዝያዳ ካብ ሽርክነታውን ወገናውን ኣረኣእያ ተኣሊኻ ን ገዛእ ነብስኻ ሓርነት ብምንጋስ ዋንነትኻን ርዲኢትኻን ብ ርእሰተኣምንነት ምግላጽንን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ሓላፍነት ከምዘሎካ ኣብ የእሙሮኻ ምስፋር። 


ጥቕስታት

እቲ ዝበለጸ ናይ ዕድመ ግዜ እዋን ኩትትናን እዋን መንእሰይነትን’ዩ።
ማርቲን ሉተር ኪንግ

መንእሰይ ንሓደ ዘይከውን ነገር ናብ ዝኸውን ዝቕይር ሓይሊ ዝተዓደለ’ዩ።
ኣሪስቶቲል

መንእሰይ ንሓንቲ ሃገር ልክዕ ከም ብሶላ’ዩ። ኣንፈታ ይቕይርን የለልን።
ኦስካርዋይልድ

ናይ ሓንቲ ሃገር ውህደት ዝልካዕ ብመንእሰያታ’ዩ።
ኣብርሃም ሊንኸን

ነዘን ጥቕስታት ብመንገዲ ፈይስ ቦኽ  ዝልኣኸልና   መንእስይ  ይክኣሎ  ዮናስ   ካብ  ጀርመን ምስጋና ነቕርብ ፡ ተሳትፎኻ ኣይፈለየና ይኻኣሎ።


 

ዕርቃነይ እባ ተኸደኖ

እቲ ዝኾንኩዎ ክትኮኖ

ንገለ ደቃይቅ እባ ፈትኖ፥

እህህታ ውሽጠይ ገንፊሉ

ንደገይ ሽልቢብዎ።

ግፍዕታት ኣብ ዝባነይ ምስ ስወደ

ንጹህ ደመይ፥ ብቐላጽም ጓና ምስ ተኻዕወ

ኣይስቖረካን’ዶ?

ትንፋስ ኣድሒነ እቲ ትማሊ

ትንፋስ ክስእን ኣብ ሎሚ፥

ኣብ ክንዲ ንብዓተይ ትሕንስስ

ዝተጉድኣ ቁስለይ ትፍዉስ

ብስቕያተይ ትስሕቕ።

ደቂ ሓንቲ ጡብ እንከለና ፥ ደቂ ሓንቲ ማህጸን

ከመይ ኣቢሉ ድኣ ተሰሚዑኻ ሓበን?

በል እስከ ልገስ፥

ካብቲ ዕልልታን ዳንኬራ ሓጎስን

ስምዓዩ ንመንፈስይ ሰጋይን

ብጽሓዩ ከመይ ከም ዘሎ

እቲ ኣጻምእ  ሃረሩማ ክትዕንግሉ

እቲ ምጉዳል ኣካል ክትቃደሶ

ሽዑ ግን ንድሕሪት ምልስ ኢልካ፥

ዝነበርኩዎን ዘለኹዋን ፥ ዘለኻዩን ክትድህሰሶ

ሽዑ ክትነግረኒ ፥ እንታይ መለሳ ከም ዘሎ

ዕርቃነይ እባ ተከደኖ።

 

ካሕሳይ  መሓሪ

 ስለ ተሳትፎኻ ምስጋናና ንዓኻ ካሕሳይ መሓሪ ኣበርኽቶኻ ኣይፈለየና፡


ክትኸታተልዎ ዝጸናሕኹም  ትሕዝቶ መደብ መንእስያት ኣብ ድምጺ ደ ሊና እዮ ነይሩ፡  ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርሕ ከምዝብሃል ድልየትና ፡ ባህግናን ደሊና እናበልና ድምጺ እንስማዕዓሉ እዋንንን ግዜ እዮ እሞ፡ ልሳንና ኣብ ድምጺ  ደሊና ይኾነልና፡ እዛ  መደብ ብናይ ኹሉ ሰማዕን ተከታታልን ብፍላይ ከኣ መንእስያት ድምጹም ክስምዑ ባብ እተርሑ ስለዝኾነት ፡ ተበግሶናን ተሳታፎናን ከነድንፍዕ ኣዳለውትን ኣወሃሃድትን እዚ መደብ ንሕብር;;