ኣብ ዲንማርኽ ዝርከቡ ስደተኛታት መንእስያት ነቲ መንግስቲ ዲንማርኽ ኣብ ልዕሊ ዑቕባ ሓተቲ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣውጽኢዎ ዘሎ ሕግታት ወይ ዓንቐጻት፥ ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ክውጾን ፥ ሃገሮም ጠንጢኖም ክመጹን፥ ኣብ ዓዶም ዝኾነ ይኹን ሽግር ከምዘየልቦን፥ ሓቕነት ዘይለበሰን ንምልካዊ ስርዓትን ኢሳይያስ ሒዝዎ ንዘሎ ኣመራርሓን ጭኹናን ልኽዕነት ዝለበሰን ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ሽግር ንመንእስያትን ህዝብን ከምዘየልቦን በዚ ከኣ ሓተቲ ዑቕባ ዝኾነ ይኹን ደገፍን ዑቕባን ክዋሃቦም ከምዘይብሉን ልዕሊ 179 ዝሓዘ ዓንቐጻት ኣውጺኦም ኣለዎ።

እተን ኣብ ዲንማርኽ ዝርከባ ልዕሊ ሽሞንተ ዝኾና መዕቖቢ ስደተኛታት (ካምብታት) ዘለዉ ስደተኛታት እንተላይ ካልኦት ኣብቲ ካምፓ ዝርከቡ ተደናገጽትን ዝርኸብዎ ስላማዊ ስልፊ ንዓርቢ 19 ታሕሳስ 2014 ኣብ ውሽጢ ከተማ ዲንማርኽ ክኻየድ እዩ ፡ ነዚ ዝኻየድ ስለማዊ ስልፊ መብርሂ ንምርኻብ ንኣባላትን ኮሚተን ኣወሃሃድትን ናይ’ዚ ስለማዊ ስልፊ መንእስይት ካሓሳይ ገብርሂወት ፍናን ያቖብግርማይ ተስፋይዘማርያም መብራህቱን መብርሂ ክህቦናን ብ ቴሌፎን ረኺብና ኣዘራሪብናዮም ኣሎና