ሓተታ ድምጺ ደሊና ሰሉስ 16 ታሕሳስ 2014

“እቲ ፍታሕ ኣብ ውህሉል ሓይሊ ህዝብና’ዩ ዘሎ”

ተበግሶ ሓደ ህዝቢ ትርኑዕ ዕላማ ዝለበሰ ምስ ዝኸውን ዝኽልክሎ ሓይሊ ከምዘየለ ኣብ ታሪኽ ካብ ዝተመዝገቡ ንቕሎ ኣህዛብ ንሓርነት ክትርዳእ ዘጸግም ኣይመስልን። ጸቓጢ ሓይሊ ኣብ ሰፊሕ ሸፈነ ኣሲሩ ክደልው ዘይኽእል ወቕታዊ ሓይሊ እዩ። በዚ ጸቕጢ እዚ ማሕበረ-ቊጠባውን ፖለቲካውን ናጽነቱ ዝተበደለ ህዝቢ፥ ንጭቡጥ ድኻማትን ጽበትን ናይዚ ሓይሊ ክርደኦን  በሪኽ ንቕሓት ክውንን እንተኽኢሉ ፥ ዕምሪ እዚ ጸቓጢ ሓይልን ነዚ ሓይሊ እዚ ከም መጋበርያ ምልኪ ጌሩ ዝሰርሓሉ ስርዓትን  ቦታን ንውሓት ግዜን ይስእኑ።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ምስሉይን ኣብ ምሹቕራር ሰላማዊ ዜጋ ጥራይ ዘድሃበን ሓይሊ እናተጠቕመ ዝገዝኦ ዘሎ ስርዓት ውሑዳን; ልዕሊ ካልእ እዋን ነቒሑሉ ኣሎ እንተተባህለ ካብ ክውንነት ምርሓቕ ኣይመስልን። ውሑዳት ሓይሊ ክሕዙ እንከለዉ ኣይፍንዉን ፥ ከፈንዎም ንዝኽእል ሓቀኛ ሓይሊ-ህዝቢ ንምድኻሙ ከኣ ሰለም ከምዘየብሉ፡ ህዝብና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ’ዘን 23 ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ መግዛእቱ ኣጸቢቚ ተረዲእዎ ኣሎ።

ዉል-ቀሰብ ዘማእዝኖ ሓይሊ ምስ ሓይሊ ሓፋሽ ኣይወዳደርን እዩ። ሓፋሽ ነቲ ንድሌታተይን  ልዑልነተይን ከውሕሰለይ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ስርዓት - ዉህሉል ሓይሊ ይምጥወሉ እሞ፡ እቲ ስርዓት ስራሑን ኩሉንትናዊ ሓላፍነቱን ምስ ዘየማልእ ፡ ኣብ ዝደለዮ እዋን ከሕድጎን ነቲ ውህሉን ሓይሊ ናብ ዝሓሸ መሪሕነት ከረክቦን ዘይነጽፍ መሰልን ናይ ምግባር ዓቕምን ኣለዎ።

ዉልቀሰብ ኢሳያስ ነዚ ኣረዳድኣን መሰረታዊ ኣኻእሎን ሓፋሽ ንምድኻምን ካብ ሱሩ ንምቡንቋስን ነዊሕ ሰሪሑን ይሰርሕ ኣሎን። እዚ ክፋእ እዚ፡ በቲ ተረካብ ዕዳ ድኻማት መንግስቱ ኮይኑ ዝርከብ ህዝቢ ክጽወር ምጽንሑ’ውን ንምርዳኡ ኣየሸግርን። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ግና ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጌጋታት እዚ ንምጽጋን ተግባራዊ ተበግሶታት ክወስድ ብምጅማሩ፡ ዘይነዓቕ ተስፋታት ይምዝገብ ከምዘሎ ኣየማትእን።

ድኻማት መንግስቱ ጽቡቕ ጌሩ ዘላለየ ህዝቢ፥ ንመንግስቱ “ትጋገ ኣለኻ!፡ ይኣኽለካ!” ክብል ዘኽእሎ ድፍረት ኣይስእንን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብጓኖት ገዛእቱ እኳ ርእይዎ ዘይፈልጥ ዓይነት መከራ፡ በቶም ካብ “ብርክኻ ኢና ወጺና!” እናበሉ ዘኸርትትዎ ዘለዉ ውሑዳን ክወርዶ እንከሎ ፡ “እንትርፎ እቲ ዝተረረ ሓይሊ - ሓይሊ መንግስቲ ዘይኮነ! ሓይሊ ህዝቢ’ዩ!” ዝብል ተሪር መረዳእታ ናብ ትግባሬ ምምእዛኑ ካልእ ኣማራጺ ፍታሕ ክነስእ ከምዘይኮነ ምፍላጥ ግቡእ ይኸውን።

ስርዓት እንተደኸመን ካብ ሓላፍነቱ ዘልሓጥ ኢሉ ጌጋ መኣዝን እንተመረጸን ፡ ሓላፍነት ዝስከም ህዝቢ ባዕሉ’ዩ። ህዝቢ መዓስ ሓልፍነቱ የልዕል ዝብል ሕቶ ድማ ምስ’ቲ ንቕሓት ዝብል መልሲ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ። ኣምበኣር ህዝቢ ኤርትራ ንድኻማት ናይ’ቲ ዝገዝኦ ዘሎ ስርዓት፡ ልዕሊ ካልእ እዋን ነቒሑሉ ኣሎ’ሞ ፥ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ኣብ’ቲ ንቕሓት ዝሰረቱ ተግባር ዝደረቱ ዉህሉል ሓይሊ ህዝቢ ዝርዕም’ዩ።