መደብ መንእስያት ኣብ ድምጺ ደሊና ስ  ኣስመረት መድሃኔ

ኣብ ስሙን ሓደ ግዜ ወትሩ ቀዳም ንእስታት ፍርቂ ሰዓት ብዝተፈላለዮ ትሕዝቶ ንመንእስያት  ዛዕባ ገይሩ ድምጾም ዘስምዖሎን፥ ሓሳብ ንሓሳብ  ዝለዋወጥሉን፥ ሓበሬታ ዝረኽብሉን ብመልክዕ ሕቶን ርእይቶን ኢሂን ምሂን ዝብልሉ  ክፍት ናይ መንእስያት መደብ  እዩ ።

መድረኽ መንእሰይ ኤርትራ

መንእሰይ ኤርትራ ንውሱን ጸጋታት ሃገር ብሓያል ድሌት፣ ኒሕን ተወፋይነትን ኣራቢሑ፣ ተኣምር ክሰርሐ ዝበቕዐ መንእሰይ እዩ።  ናይ ዝተፈላለየ መድረኻት መንእሰይ ኤርትራ፣ መድረኻዊ ሸቶታቱ ኣብ ምውቃዕ ዕዉት ዕዮ ፈጺሙ’ዩ ክንብል ንኽእል።

ታሪኽን ጅግንነትን መንእሰያት ኤርትራ ካብ ጥንቲ ዝጀመረ’ዩ። ኣብ ግዜ ጥልያን ዝነበሩ መንእሰያት ኤርትራ ብሰንኪ’ቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ናይ ዓሌት ኣፈላላይ ከምቲ ዝድለ ክጥርነፉን ክውደቡን ይኽእሉ ብዘይንባሮም መጠነ-ንኡስ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ነጢፎም’ዮም። ካብ 1941-1952 ዝነበረ ምምሕዳር ብሪጣንያ ግና ኤርትራውያን መንእሰያት ዝሓሸ ዕድል ትምህርትን ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ስለዝነበሮም፣ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ብልሒን ናይ ምንቕቓሕ ዕድልን ባብ ብምርሓዉ ንሃገራዊ ቃልሲ ብተዛማዲ ዓቢ ተሞክሮ ኣቕሲምዎም’ዩ።

መንእሰይ ኤርትራ ከኣ ኣብ ነፍሲወከፍ ኣገዳሲ መድረኽ ታሪኻዊ ጉዕዞ ናይዛ ሃገር፣ ሒደት መዳርግቲ ዘለዎ ኣገራምን ኣደናቕን ቅያታት ፈጺሙን ይፍጽምን ኣሎ። ታሪኽና ከም ዝምስክሮ፣ ናጽነት ኣብ ምምጻእ ይኹን ኣብ ምዕቃብ ሓያሎ ጽንኩራት መድረኻት ሓሊፉን ኣብ ምሕላፍ ይርከብን ኣሎ። እዚ ድማ ዝለዓለ እጃም ህላወ መንእሰይ ኤርትራ’ዩ።

ናይ እዋን ገድሊ መንእሰያት፣ መድረኻዊ ዕማም ሕብረተሰቦም፣ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት ስለዝነበረ፣ እቲ መድረኽ’ቲ ዘሰከሞም ሓላፍነት ብዝግባእ ፈጺሞሞ’ዮም። ናይ ድሕሪ ናጽነት ወለዶ ዝተሰከምናዮ ሓላፍነት ድማ፣ ክልተ ዓበይቲ ተልእኾታት ዝነበሮ እዩ። ምውሓስን ምድልዳልን ናጽነት። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝኣተናዮ ሓድሽ መድረኽ፣ ባህጊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ባህጊ መንእሰይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፣ ሰላም፣ ልምዓትን ብልጽግናን እኳ እንተነበረ፣ መንእሰይ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዝገጠሞ ዝዓበየ ብድሆ፣ ገዚፍ ግዳማዊ ወራርን ተጻብኦታትን መኪትካ ልኡላውነት ኣብ ውሕስ መሰረት ምንዳቕ እዩ ነይሩ። ብሓጺሩ ዝሓለፈ 21 ዓመታት፣ እዞም ሓዳስ ናጻ ሃገር ዝተረከብናይ ናይዚ መድረኽ’ዚ መንእሰያት ኤርትራ፣ ምስ ናጽነትና ክንነብር ብቕዓት ኣለና ድዩ የብልናን ዝተፈተንናሉ መድረኽ እዩ ነይሩ። ብድሆና ግን ንሱ ጥራይ ኣይነበረን። ካልኣይን ዓቢይን ሓላፍነት እውን ተሰኪምና ኢና። ምድልዳል ናጽነት። ወሳኒ ተራ መንእሰይ ኣብ ዝኾነ እዋንን ቦታን ኣብ ዝኾነ ሃገርን ሕብረተሰብን ዝቕየር ስለዘይኮነ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝሓለፎ ፈታኒ ጉዕዞ፣ እቲ ወሳኒ ተራ ዝተጻወተ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 21 ዓመታት ምስናይ ከቢድ ግዳማዊ ተጻብኦታት፣ ንክልቲኡ መድረኻዊ ተልእኾታት፣ ማለት ሓላፍነት ምውሓስ ልኡላውነትን ዕማም ምድልዳል ናጽነትን ብብቕዓት ክፍጽሞ ክኢሉ እዩ። ክንዲ ዝኾነ ናይ ድሕሪ ናጽነት መንእሰይ ኤርትራ ዘሕለፎ ገድሊ፣ ካብቲ ናይ እዋን ሓርነታዊ ኲናት መንእሰይ ዘሕለፎ ገድሊ እንተዘይከቢዱ ዝሰንፍ ኣይኮነን። ናይዚ መድረኽ’ዚ መንእሰይ፣ ልዑላውነት ሃገር ኣውሒሱ፣ ከም ናጻ ህዝቢን ሃገርን ናይ ምንባር ብቕዓት ንምርግጋጽ፣ ብህይወት ረዚን መስዋእቲ ክኸፍል ተገዲዱ እዩ። ዝሓለፈ 15 ናይ ኲናት ዓመታት፣ መንእሰይ ኤርትራ፣ ንቕሓቱ፣ ሓይሉን ተጻዋርነቱን ዘመስከረሉ ነዊሕን መሪርን ናይ ምርብራብ እዋን እዩ ነይሩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ፈታኒ እዋን፣ ኤርትራ ምስ ኩሉ ገዚፍ ተጻብኦታት ቀጻልነታ ኣውሒሳ፣ ካብ ዝሓሸ ናብ ዝበለጸ መድረኽ እናሓዀረት ክትከይድ ዘኽኣላ ሓይሊ እንተነይሩ፣ ናይ መንእሰያታ ብቕዓት እዩ።

መስዋእቲ ብህይወት ጥራይ ኣይኮነን ዝኽፍል። ብዙሕ ዓይነት መስዋእቲ እዩ ዘሎ። ጉዳይ ሃገር ቅድሚ ውልቃዊ ባህግን ዕላማን ሰሪዕካ፣ ግዝያውያን ሽግራት እናተፈታተኑኻ፣ ናይ ሓባር ረብሓ ጠሚትካ፣ ኣብ ዕዮ ሕብረተሰብ ምጽማድ ንባዕሉ ዓቢ መስዋእቲ እዩ። ናይ ሓዋሩ ርሒብ ዕድላት ብምድላይ፣ ግዝያዊ ዕድላትን ረብሓታትን ግምት ከይሃብካዮ ምሕላፍ እውን ቀሊል ዘይኮነ መስዋእቲ እዩ። ነዚ መስዋእቲ’ዚ ክኸፍል ዝኽእል፣ እቲ ኣርሒቑ ዝጥምት፣ ርሑቕ ብምጥማት ኣብ መወዳእታ ዝሕፈስ ናይ ሓባር ረብሓ ዝርዳእ ንቑሕ መንእሰይ ጥራይ እዩ ።ታሪኽ ደጋጊሙ ከምዝመስከሮ፣ ህላወ፣ ቀጻልነትን ምዕባለን ሓደ ህዝቢ፣ ኣብ እዋን ኲናት ይኹን ሰላም፣ ወትሩ ኣብ ብርታዐ ዕርድታቱ’ዩ ዝምርኰስ።ንሕና ናይ’ዚ መድረኽ’ዚ መንእሰያት ኤርትራ፣ ካልኦት መንእሰያት ዓለምና ክጻወርዎ ዘይክእሉ፣ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ብዘሰካሕክሕ ኩነት ንሓልፎ ኣሎና። ኣብቲ ቀደም እዋን ኤርትራዊነትካ ዘሕብንን ዘኹርዕን ተነይትኻ ኮሪዕኻን  እትዛረበሉ ምንባሩ ኩሉ ዝፍልጦን እዮ። ሎሚ ግና ኣነ   ኤርትራዊ እየ እንክትብል ኣብ ገጽ ሓታቲ ዝርኣ ስምዒት ኣንፈት ናይ ኽብርኻ   ዘጎድሎ’ዮ ። ’ ኤርትራዊ ኣብ ዓዱ ክብሪ ስኢኑ ከብቕዕ ኣብ ዓዲ እቲ ኮን ደኾን ይኹነኒ እዮ ኢሉ ፍርቂ ጉኑ ዘዕርፈሉ ሃገር እዉን እንተኾነ ብስም ኤርትራዊ እዉን ግምጃ ክብሪ ኣይረኸበን ዘሎ፡፡  እኳ ድኣ ካብ ስርዓት ህግደፍ ብዘይብእስ ይግረፍ፡ ይሕየር፡ ኣካሉ ይጎዛዘ ብጭኻነን ዘይስብኣዊ ፍጻሜ ኣብ ልዕሊ እዚ ንኡስ መንእስይ ይፍጸም ኣሎ። እዚ ኣውያትን ዘይሰብኣዊ ተግባራትን   መዓልታዊ ኣብ ኣእዛንና ምስምዑ ከም ልምዲ ንወስዶ ኣሎና።

ኣተኩሮ ናይሎሚ ጽሑፋና ነቲ ዕድመን ዕምሪን መንእስያት ኣብ ኢዱ ጨቢጡ  ዘልኽኹም ኢኹም ትኾኑ እናበለ  ኣብ ግዱዱ ዕስኽርናን መጻኢ እብ ዘየእንፍት መርሖ ሂወት  ጨፍሊቑ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስ  ንሓጹር ጨፍላቕነቱ ክበተኽን ክሳዓርን እንተኾይኑ፣ መንእስያት ጥምረተሞን ስምረቶምን ክስጥምን ጥራይ እዩ ዘለዎ። ሰለዚ መንእስይ ኣብ ገዛእ እታ ብኹቡሩን ደም ኣሻሓትን ስውኣትን ስንኹላትናን ዝመጽኣት  ጓል ሕድሪ ሃገር  ቀሲኑ ዝነብረሉ፡ መጻኢኡ ዘእንፈተሉ፡  ራኢኡ ዘንጸባርቐሉ ርሁዎ ዘመን ክኾነሉ ክንሓስብ እንተኼንና፡መንእሰያት፣ ብሓድሽ ወኒ፣ ብቕልጡፍ ገስጋስ፣ ናብ’ቲ ኣብ ቀረባ ርሕቀት እነማዕድዎ ዘለና ብሩህ መጻኢ ንምብጻሕ ጻዕርናን ናህሪናን እነዛይደላ ግዜ ደቒቕ ብጉያን እንውስነላ እንኮ ውሳኔ  ሕጂ ምዃና ኢና ነዘኻኽር።


ኣጆኻ ወዲ ፍቕሪ

ጸላም ይኸበድ ወጥሪ ይንገስ

ሕጊ ዓመጽቲ ከም ዕኾት ይናኸስ

ሕስም ይንጎድ ሞት ይዝንብ

ከም ትማልኻ

ገጥ በል ንያት ከይተዕርብ።

ቅድመኻን ድሕሬኻን መጻኢ ተዘይርኣኻሉ

ተስፋ ኣይትቑረጽ

መጻኢ ንስኻ ኢኻ መፈጠሩ

እወ!

ብርሃን ብምዃንካ   ብርሃን ውሽጢ

መንፈስ እንዲኻ ሓይሊ ውሽጢ

ስለዚ፥

ስቓይኻ ከብቕዕ ክኸዉን ንዛንታ

ኡፈይ ትብለሉ ክትፈጥር ባይታ

ስምረትኻ ስለዝኾነ ፥ ሕሙም ሕጊ ዝፍውስ

ስለ መሰልካ  ደዉ በል

ንብዓትኻ ክትደርዝ ኣብ  ደሓን ክትዕቀል

ሎሚ እዉን ከምትማሊ፥ ስንኻ ንኽስ።

ኣይውሑድን ብዙሕ ኢኻ እልፊ

ፍቕሪ እንተቐዲምካ  ኣእላፍ ዕጽፊ

እሞ

ሓደራኻ ሓወይ ናይ ታሪኽ ሓርበኛ

ናይ ሎሚ ድሉም ስራሕተኛ

ከምቲ ንሕሉፍ ታሪኽ ዝገልጾ

ብሓልዮት ፍቕሪ ተኣምር ስራሕ

ከም ቀደም ከምትማሊ

ብሓይሊ ጥምረትካ’ዩ መፍትሕ ፍታሕ።

ኣስተውዕል ኣትረፍ ተበጊስካ

ከቢድ ሓሳብ’ኳ ብምስትንፋስ ዝነፍስ

ኣጆኻ ወዲ ፍቕሪ፥ ስንኻ ንኸስ

ብስጋ ተርሓቕና ምሳኻ’ሎና ብመንፈስ

 

ንገጣሚ እዛ ግጥሚ ገሬ ሃብቶም ምስጋና ነቕርብ።



ክትኸታተልዎ ዝጸናሕኹም  ፈላሚ ትሕዝቶ መደብ መንእስያት ኣብ ድምጺ ደ ሊና እዮ ነይሩ፡  ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርሕ ከምዝብሃል ድልየትና ፡ ባህግናን ደሊና እናበልና ድምጺ እንስማዕዓሉ እዋንንን ግዜ እዮ እሞ፡ ልሳንና ኣብ ድምጺ  ደሊና ይኾነልና፡ እዛ  መደብ ብናይ ኹሉ ሰማዕን ተከታታልን ብፍላይ ከኣ መንእስያት ድምጹም ክስምዑ ባብ እተርሑ ስለዝኾነት ፡ ተበግሶናን ተሳታፎናን ከነድንፍዕ ኣዳለውትን ኣወሃሃድትን እዚ መደብ ንሕብር

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...