„ ጊዜ ይሓልፈና‘ሎ………“

ናብራ ቅድድም‘ዩ። ጊዜ ይጎይ፣ ንሕና‘ውን ከምኡ። ቅድሚ ጊዜ ዝነበረ የልቦን፣ድሕሪ ግዜ ዝተርፍ ግን ማእለያ የብሉን። ኣብ ዓለም ዕዉት ሰብ ንኽትበሃል፣ ኣብተን ኣብ ምድሪ እትነብረለን ውሑዳት ዓመታት ኩሉ‘ቲ ካባኻ ክዕመም ዝግበኦ ነገራት ምስ እትዓምም እዩ። ኣብ ጊዜ ንእስነትካ እንተዘይነኣስካ፣ ኣብ ጉብዝናኻ እንተዘይተማሃርካን ሰራሕካን፣ ኣብ ዝግበኣካ ዕድመ መሲልካ ናብ ፍረ እንተዘይበጻሕካን ብጊዜ ተሳዒርካ‘ለኻ። ነዚ ንኸተማላእ እምበኣር ምስ ጊዜ ክትጓየ ግንድን ይኸውን። ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ናይ መበል ዕስራን ሓደን ናይ ቴክኖሎጅይ ዘመን፣ ጊዜ ከመይ ከምዝሓልፍ ክርደኣካ ኣብዘይክእለሉ ደረጃ ስለዝተበጸሐ ጎተት ምባልን ምዝሕታልን ኣየዋጽእን‘ዩ።
 
ኣብ ሃገርና ንጊዜና ባዕልና ዘይኮነ፣ ሓደ ጉጅለ ጠቕሊሉ ስለዝተቆጻጸሮ ብዙሕ ኤርትራዊ ካብ ዕድሚኡ መጠን ዘይብሉ ዓመታት ተሰሪቑ እዩ። እቲ ዘሕዝን እቲ ዝተሰርቀ ዓመታት ናይ እርጋንን ናይ ዕረፍቲ ዘመንን ዘይኮነ፣ ናይ መንእሰይ፣ ናይ ትምህርትን ስራሕን ዓመታት ሙኻኑ እዩ። ሎሚ ነብስወከፍ ኤርትራዊ ዕድሚኡ እንክሕተት ዕስራ ወይ ሰላሳ ዕመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ክቖጽር ምመረጸ። ምኽንያቱ ኣዝዩ ነዊሕ ናይ ፍረ ዓመታቱ ኣብ ዘይረብሕ ግዱድ ዕስክራናን ከርተትን ስለዘሕለፎ። እዚ ን ህዝቢ ኤርትራ ወርቃዊ ዕድሚኡ ዝበለዐን፣ ብንእስነት ሚልዮናት ዝተጣለዐ ስርዓት ግን ፣ ንዓና ጥራሕ ዘይኮነ ንሃገርና‘ውን ርብዒ ዘመን ንድሕሪት ከም እትጉተት ገይርዋ እዩ። በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ከኣ ሎሚ ሎሚ፣ ብዙሕ ኤርትራዊ ከም ዕድሚኡ ዘይንረኽቦ። ብፍላይ ድማ ካብ ኤርትራ ምስ ወጻና እቶም መሳቱና ዝበጽሕዎ ደረጃን ኣተሓሳስባን ምስ ናትና ክወዳደር እንከሎ ፍልልዩ ናይ ሰማይን መሬትን ሙኻኑ ይረኣየካ።
 
ጊዜ ሕጂ‘ውን ኣይጽበየናን ኣዩ። ሓንሳብ ኣንተሓሊፉ ዘይምለስ ማሕታ እዩ። ኣብ ሎሚ ኮይና ክንሰርሖ ዝግበኣና ዕድልና ክንጥቀመሉ ኣንተዘይኪእልና፣ ጊዜ ክሓልፈና እዩ። እቲ ንጊዚኡ ብዝግባኣ ዝጥቀመሉ ሰብ፣ እቲ ናይ ጽባሕ ሕጉስን ዓብን ሰብ ይኸውን፣ እቲ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ብሃፋ ተስፋ ዝነብር ግና ከንቱ እዩ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ናይ መን ጊዜ እዩ ዝጠፍእ ዘሎ? መን‘ክ እዩ ዝህሰ? እቲ ተወሳኺ ጊዜ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝቃለስ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍዶ ወላስ እቲ ኣብዝሓጸረ ጊዜ ፍትሕን ለውጥን ኣብ ሃገሩ ክሪኢ ዝምነ ተቓላሲ? እቲ ሓቂ ህግደፍ‘ዩ ግዚኡ ብዝግባኣ ዝጥቀመሉ ዘሎ። ምኽንያቱ ደምበ ተቓውሞ  ንዘለዎ ጊዜ ተጠቒሙ ዕዉት ስራሕ ክሰርሕ ስለ ዘይጸንሐ። ሕጂ‘ውን እንተኾነ ንዘለዎ ሓጺር ናይ ኣፈርክቡ ምድሓን ሃገር ጊዜ ብዝግባእ ይጥቀመሉ የለን። ጊዜ የለን፣ ወላ‘ውን እቲ ዘለና ጊዜ ምስቲ ክንዓሞ ዝግበኣና ዓበይቲ ስረሓታ ኣይቃዶን እዩ። ነዚ ፈሊጥና ግን ብድርብ ፍጥነት ኣብ ክንዲ ንጎዓዝ ካብ ጊዜና ንጸላኢና ንልግሰሉ ኣለና። ጊዜ ተጣዒስካ ዝምለስ ኣይኮነን። „ብኻ ሽዑ ከምዚ ገይርና ነይና ኣንተንኸውን“ ኢልካውን ዝዕረ ነገር የለን። ነብስወከፍ ናይ ስቓይ ህዝብና ካልኢት ንዓና ክሳራ እያ። 
ክትተሃላለኽ፣ ኣነ‘ዶ ንስኻ ክትበሃሃል ዝጠፍእ ጊዜ፣ ናብ ናይ ዘልኣለም ጥፍኣት‘ዩ ዝመርሓካ። ፍረ ከየፍረኻ ካብ ጉብዝና ናብ ሽምግልና ካብ ምስግጋር ዝኸፍእ ብደውካ ሞት ከኣ የለን።“ ጊዜ ሓሲሙ“ እንዳበልካ ምምራር ናይ ሰነፋት እዩ። ጊዜ ንኹሉ ብማዕረ ዕድል ዝህብ መለክዒ ዘመን‘ዩ። ነዚ ሓቂ‘ዚ ንጎድኒ ጎሲኻ ኣብ ሂወት ምስ ተሰዓርካ፣ ናብ ጊዜ  ምምኽናይ ግን ነብስኻ ምትላል‘ዩ።
 
ኢሳያስ ጊዚኡ ብዝግባእ ተጠቂሙሉሎ። ኩሉ‘ቲ ክገብሮ ዝደሊ ይትግብሮ ኣሎ። ግዜ በዚ ስኽኽ ዝብሎ ኣይኮነን። ከመይሲ እታ ዕድል ንዓና‘ውን ተዋሂባትና ስለ ዝኾነት። ስለ‘ዚ ዕምሪ ወድ ሰብ ሓጻር‘ያ። ዝተዋህበና ጊዜ‘ውን ኣዝዩ ድሩት‘ዩ‘ሞ፣ ሃየ ብትዕቢት ተወጢርና ኣብ ዘለናዮ ኣይንድረቕ። ሎሚ ብስድሪ ዘይኮነ ብሱግሚ ከይድና‘ውን ናብቲ እንደልዮ ምዕራፍ ክንበጽሕ እንተኺእልና እዩ። ኣብ ጊዜና ክዕመም ዘለዎ ሎሚ ክዕመም ኣለዎ። ኣቲ ናይ ጽባሕ ነቶም ዝቕጽሉ ወለዶ‘ዩ ዝምልከት። ብዝኾነ ጊዜ ሓሊፉና‘ሎ፣ ሂወት ከኣ ቅድድም ስለ ዝኾነት፣ ደምበ ተቓውሞ ንጊዜ ቀዲምና ንሕለፎ። ሽዑ ክንዕወት ኢና። 
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...