ንዛተ፡- ዘተ መፍትሒ ኩሉ ሽግራት እዩ'ሞ ጸገምና ብዘተ ንፍታሓዮ!

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን አሕዋት ኣሓት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለኹም ኮነ ኣብ ስደት እትነብሩ፡ በዛ "ንዛተ" ዘርእስታ፡ ኣብ ዓምዲ "ንዛተ" ድምጺ ደሊና ዘቕርባ ዘለኹ ዓንቀጽ  ዕዙዝ ሰላምታይ አቕርብ።

ኣብዚ ዓምዲ'ዚ፡ ነቲ ከም ዜጋታት ኤርትራ ዝጎደለና ኮይኑ ዝስምዓንን ዝኣምነሉን ጉዳይ: ጉዳይ ዘተን ልዝብን ዝምልከት ኣርእስታት ከልዕል'የ። ኩላትና፡ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ደምበ ተቓውሞ እንሓናጥጥ ተቓለስቲ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዘተን ልዝብን  ብዙሕ ኢና ንብልን ንጽሕፍን። ይኹን እምበር፡ ክሳብ ሕጂ፡ ተዛቲናን ተላዚብናን፡  ሽግርና ኣለሊና፡ ሓያልን ድኹም ጎድንታትና መሪሚርና፡  ጸገማትና ክንፈትሕ ኣይከኣልናን። ኩሉ ደላይ ሰናይ ዘበለ ሃገራዊ ፡ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኮነ ሲቪክ ማሕበራት፡ ከምኡ እውን ሓለፍቲ ምውድዳብ መንእሰያት፡ ምሁራትን ዓበይትን፡  ወራዙትናን ኣጋዕዝናን፡ እሂን ምሂን ተበሃሂልና፡ ፍልልያትና ብዘተን ልዝብን ኣሊና፡  ንህዝብና ካብ  ጭንቅን መከራን ንሃገርና ከኣ ካብ ዕንወትን ውድቀትን ክነድሕን ብተደጋጋሚ ተማሕጺኑኖሙና ኣለው።

ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝውደብ  ህዝባውን ሃገራውን  በዓላት ኮነ ኣኼባታት፡ ኣብ ፈቐድኡ ዓውደ መጽናዕትታን  ሰሚናራትን፡  ንዘሎና ፍልልያት ብዘተን ልዝብን ኣጽቢናን ፈቲሕናን፡ ብዝወሓደ ኣብቲ ብሓባር ከስርሓና ዝኽእል ነጥብታት፡ ሓቢርና ንስራሕ።" ክብል ጻውዒቱን ምሕጽንትኡን ዘየቕረበ ወገን የሎን።

ግን ብዘይቀልዓለም፡ ደምበ ተቓውሞና፡  ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡  ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብድኽመታቱ ተቐሊዑ ዕርቃኑ  እናወጽአ'ኳ ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ ኣይከኣልናን።  እዚ ዛዕባ'ዚ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት  ስለዝተላዕለ፡ እቲ ድኽመት ብሓባር እንውቀሰሉ እምበር ሓደ ነቲ ሓደ ዝሓምየሉን ወይ ዝውርዝየሉ ኣይኮነን። "ከምቲ ክንሰርሖ ዝግበኣና ኣይሰራሕናን።" ክበሃል እንከሎ እምበኣር ክውንነት ምግላጽ ጥርሕ ዘይኮነ፡ ተዛቲናን ተላዚብናን ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ ስለዝግበኣና እውን እዩ።     

ደምበ ተቓውሞና ውጽኢት ኩናት ሓድሓድ ብረታዊ ቃልስና እዩ። ብቑርቁስ  ስልጣን ብዝተጎሃሃረ ኩናት ሓድሕድ  ካብ ሜዳ ዝተደፍአ ሓይሊ  ክሳብ ናጽነት ኣብ ሓያሎ ውድባት ተመቓቒሉ።  ኣብ ስደት  እውን  ፖለቲካዊ  ቁርቁስ  ቀጺሉ። ጉጅለታት ተቓውሞ፡  ፍልልያቱ ኣጽቢቡ፡ ተረዳዲኡን ተኸባቢሩን ስለዘይሰርሐ  ከኣ ነቲ ብዓወት ኣትዩ ስልጣን ዝጨበጠ ውድብ፡  "ደሞክራሲያዊ ስርዓት" ክተክል ክደፍኦ ኣይከኣለን።

እቲ ብዓወት ዝኣተወ ሓይሊ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ኣዊጁ፡ ንተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ዘሳትፍ  ቅርዑይ ስርዓት ስለዘይመስረተ ጸገምና መሊሱ ብኢሱ።  እቲ ስርዓት ብውሽጣዊ ድኽመታቱ  ክሳብ ዝቃላዕ፡  እቲ፡ ናጽነት እተጸምበለ ህዝብና ካልእ ድምጺ ዝሰምዕ እዝኒ ኣይነበሮን።

ድኽመታት ምሕደራ ተመሓይሹ ሕጋዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ክምስረት፡ ሃገር ክርህዋ ፍትሒ ክዕምብብ ክንጽበ፡  ግዜ  በሊዕና።  ኣብ ኩናት ዶባት ብዝተኸስተ ውድቀት፡ ግርጭታት መራሕቲ ሃገር ጥርዚ በጺሑ ምስነቶገን፡ መንግስቲ ኣብ ክልተ ምስተመቕለን  ሰምቢድና።

እንተኾነ፡ እቶም፡ መራሕ መንግስትና  ኣኼባ ክዕድም'ሞ፡  ንዝነበረ ፍልልያት፡ ብዘተን ልዝብን ኣልዮም፡ ንህዝብን ሃገርን ካብ ውድቀት ከድሕኑ ዝሓለኑ፡ ካብ ንእስነቶም ኣብ ቃልሲ ዝተሳተፉ ኣርካናት መራሕትን ካድራትን፡ ድምጺ ሓቂ ዘቃልሑ ጋዜጠኛታት ብምልኪ ተዓፊኖም ምስተቐየዱ ዓገብ ኣይበልናን።  ስለዘጽቀጥና ከኣ ብገዛእ ርእስና ኣብ ሃገርና ምልኪ ክስርት ፈቒድና።

እዚ ዓንቀጽ'ዚ  ሱርን መሰረትን ክውከስ ስለዘለዎ እምበር ንድሕሪት ተመሊሱ፡ ሕሉፍ ድኻምን ውድቀትን ክደጋገም ድላይ የብሉን። ግን ከኣ ፍጻሜ ትማል፡ ከይተገምገመ ብዛዕባ ጽባሕ ክዝረብ ስለዘይከኣል፡ ትማል እንታይ ነበረ፡ ጽባሕ'ከ እንታይ ክግበር ይከኣል ንምዝታይ'ዩ ተላዒሉ።

ሎሚ ይኹን ጽባሕ ዋላ እውን ንዘንተ እለት፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ዘተን ልዝብን ክጥጥዕ ኣለዎ።         ኣብዚ ምዕቡል ዘበን፡ ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ንዘተን ልዝብን ዘርክብ ፍቱን መድሃኒት የሎን። ዘተ መፍትሒ ኩሉ ሽግራት እዩ። ውልቀ ሰባት ኮኑ ጉጅለታት፡ ውድባት ኮና መንግስታት ጸገማቶም  ብዘተ እዮም ዝፈትሕዎ።  እትረፍ ትንዕንዕ ተበሃሂልካ -  በትሪ ተወጣዊጥካ፡  ታጋጪኻን ተፋጊእካን፡  ተዋጊእካን  ተዳሚኻን ዘፍ ምስ በልካ እውን እንተኾነ፡  መወዳእትኡ ናብ ዘተን ልዝብን ኢኻ ትመጽእ። ብምንሽርን ሰናድርን ተዋዲእካ ከተብቅዕ፡ ሽግርን ፍልልያትን  ክትፈትሕ ከይፈተኻ ኣብ ጠረጴዛ ክትቅመጥ ትግደድ። እቲ ፍታሕ ከኣ ኣብ ጠረጴዛ እዩ ዝውዳእ። ስለዚ ከኣ'ዩ ዘተን ልዝብን ናይ መወዳእታ ፍታሕ ሓይልን ቅልጽምን'ዩ ዝበሃል።

ዘተን ልዝብን  ኣቐዲሙ ንዝነበረካ ጸገምን ሽግርን ወይ ፍልልይን ምስሕሓብን ንምድቃስ ጥራይ ኣይኮነን ዝሕግዝ። ኣብ ሓባራዊ ጉዳይ  ክትመክር፡ ሓባርዊ ራኢ  ከተማዕብልን፡ ንሓባራዊ ዕላማ ተሻሪኽካ ብሓባር ንኽትሰርሕ እውን ኣገዳሲ እዩ።  ኣብ ኩሉ ጽሑፋትና፡ መደረታትናን " ፍልልያትና ብዘተን ልዝብን ኣወጊድና ሓቢርና ንስራሕ!" ኢልና እናጨራሕና ስለምንታይ ኢና ግብራውያን ክንከውን ዘይከኣልና ንዝብል ሕቶ፡ ዓሚቝ መጽናዕትን ምርምርን ዘድልዮ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ጉዳይ እኳ እንተኾነ፡ ኣፈናዊ ገምጋምን ርእይቶን ክህልወና ይኽእል እዩ።  

ንምዃኑ ዘተን ልዝብን እንታይ እዩ፧ ብኸመይ'ከ እዩ ዝሰርሕ፧ እንታይ ምስ እትገብር ኢኻ ትዕወት ወይ እንታይ ምስ እተጉድል ኢኻ ትፈሽል፡ ዝብል ሕቶ፡ ዋላ እውን  ድኹም ሕቶ  እንተመሰለ ክዝተየሉ ኣለዎ። ዋላኳ ኣብ መዛግብቲ ቃላትና፡ ትርጉሙ ሓደ እንተመሰለ፡  ብዛዕባ ግርጭትን ኣፈታትሓኡን ዝተመራመሩ ሊቃውንቲ፡ ነዚ እንዛረበሉ ዘለና ዛዕባ፡  ምጉት፡ (ዲበይት)፣ ምይይጥ፡  (ዲስካሺን)፣ ዝርርብ (ዲያሎግ)፡ ብዝብል ቃላት መቓቒሎሞ  የቕርቡዎ።

ኣብ መንጎ  ውልቀ ሰባት፡ ጉጅለታት ወይ ውድባት ዝለዓል ምጉት ብባህሪኡ ተጻራሪ እዩ። እቲ ሓደ ወገን ክምጉት እንከሎ፡ ነቲ መቐናቕንተይ ዝብሎ ወገን፡  ከዳቕቕን  ከሕምቕን እዩ ዝጽዕር።  ኣብቲ ንምጉት ዝቐርብ  ዛዕባ ከኣ እቲ መቐናቕንቱ፡ ግጉይ ምህላውን፡ ምጉቱ ተቐባልነት ንኸይረክብን ይምጉቶ። እቲ  ካልእ ተማጓቲ ከኣ በንጻሩ፡ ንምጉት መጋጥምቱ ዘፍርስ ጭብጥታቱ ብምስራዕ፡  ውድቡ ወይ እውን ሰልፉ፡ ቁኑዕ ከምዘሎ ከርኢ ይጽዕር።  ከምዚ ዓይነት ምጉት፡  ንምልኪ ኣብ  እንቃወም ተቓለስቲ እውን ክደጋገም ርኢና ኣሎና። 

ኣብ ክንዲ ኣብቲ ቀንዲ ሓሳብ እንዛረብ፡ ብባህርን ጠባያትን ነቲ ሓሳብ ዘቕረቡ ውልቀ ሰባት ንዛረብ። እቲ ሓሳብ ቅኑዕ ድዩ ግጉይ ኣብ ክንዲ ንምርምር፡ መን እዩ ኢሉዋ ክንፈልጥ ህርድግ ንብል። በሃሊ ምስ ፈለጥና ከኣ ድሕሪ እቲ በሃሊ ክህሉ ዝኽእል ምስልን ስእልን ሃሰስ ንብል። ብግምታትና ዝመሰለና ንትንትን። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ካብቲ ቀንዲ ቁም ነገር ኣልጊስና ብጓል ነገር ነንሓድሕድና ንጨቓጨቕ። 

ኣብ ሓደ ውድብን ማሕበርን ብሓባር ክንሰርሕ  ጸኒሕና፡ ብገለ ምኽንያት ምስተፈላለና፡ ፍልልያትና  ጸይርና ተኻባቢርና ኣብ ክንዲ ንቕጽል፡ " ንስኻ እባ ንስኺ፡ ብሰንኩ እባ ብሰንካ!" እናተበሃሃልና፡ ዳግማይ፡ ብሓደ ኮፍ ከብል ብዘይክእል ቅጽላት ንጨራገፍ። ስርዓት ህግደፍ ከኣ  ባዕልና ብእንፈጥሮ ሸንኮለል ምጉት ግዜን ሩፍታን ረኺቡ ጉዕዞኡ ይቕጽል። 

ተማጒትና ክንስዕር እምበር ዘቲና ክንላዘብ ስለዘይከኣልና፡ ክንተሃላላኸ ምድሪ ይዓርበና ኣሎ።ስለዚ ካብ ምጉት (Debait) ናብ ምይይጥ ( Discussion)  ሰጊርና ብዝወሓደ ነቲ ዘይበርሀ ጉዳያት ብዘተ ከነነጽሮ ኣሎና።  ኪንኡ ሰጊርና እውን፡ ፍልልያትና  ኣጽቢብና ሃናጺ ዝርርብ (Dialog) ብምክያድ ምኽርን ሓሳብን እናተለጋገስና፡ ዝፈላልየናን ዘቀራርበናን ጉዳያት ኣጽኒዕና ሓባራዊ ናይ ስራሕ መደብ ኣሚምና ክንሰርሕ ኣሎና። ከምኡ እንተዘይገርይና ሓድሕድና እናተወናጀልና ብሕሉፍና እናተኻሰስና ስቓይና ከነናውሕ ኢና። ስለዚ፡ ንሓድሕድና ተኸባቢርና ውሁድን ዕዉትን ስራሕ ክንሰርሕ፡ ብዘይካ ዘተን ልዝብን  ምክያድ ካልእ ምርጫ የብልናን። ስለዚ ንዛተ። ተዛቲናን ተላዚብናን ጸገምናን ሽግርናን ንፍታሕ። ንዛተ። ዘተ እዩ እቲ ፍታሕ!!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...