ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ እናበለ ብሕማቕ ታሪኽ ቶቖማጢዑ ዝሓልፍ ውሑድ ኣይኮነን። ንሱ ክሳዕ ዘሎ፣ ናቱ ጥቕሚ ክሳብ ዝተሓለወ፣ መከራ ክሳብ ዘይተንከፎ ኣብ ጸግዒ ምቹእ ናብራ ተዓጽዩ፣ ስቓይ ጭቁናት ባህ ኢልዎ ዝሓድር ብዙሕ‘ዩ። ልቡ ደረቕ ዝኾነ፣ ኣነ ጽባሕ ንዝሓልፍ፣ ተሪፉኒ ዘሎ ዕድመ ንምንታይ ኣብ ከልበትበት ቃልሲ ዘሕልፎ ኢሉ ብእንታይ ገደሰኒ ሕማም ድሕረት ብስቕታ ነዛ ዓለም ዝሰናበታ‘ውን ኣዲኡ ቱቑጸሮ። ሞት ንቡር‘ዩ ክቡር ሞት ግን ሓላል‘ዩ።

ኣቦና ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም ወዲ ቫካሮ ድሕሪ‘ቲ ብዕለት 03 ጥቅምቲ 2013 ዘጋጠመ ንዓለም ዝሰንበደ ሓደጋ ላምፓዶሳ ደቂሱ ክሓድር ነብሱ ክገብረሉ ኣይከኣለን። ልቡ ተተንኪፉ፣ ብውሽጡ ጉህዩ፣ እታ ህሞት ከኣ ምስ ኩሉ ጥዕናዊ ጸገማቱ ንምልኪ እምቢ ብምባል ነብሱ ቀሊዑ ዓገብ ክብል ኣኽኢላቶ። ንኣብ መላእ ዓለም ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ከኣ መዝሙር ሓድነት ክዝምሩ ክምሕጸኖም ሓሊኑ። ምስ ድኹም ኣካሉ ኣዝዩ ኣብ ሰንከልከል ዝነበረ ኩነታት ጥዕኑኡን ኣኣብ ዝነብሩሉ ሃገራት ብምብጻሕ ክሰምሩን ክሓብሩን ጻዊዒቱ ኣቕሪቡ። ወዲ ቫካሮ ኣብ ምውዳእ ምድራዊ ሂወቱ ንውድድር ፖለቲካዊ ስልጣን ኣኮለለን፣ ዶክተር ተወልደ ህርፋን ገንዘብ ኣይኮነን ዓለም ዞኽለሎ፣ እንታይ ደኣ ባህጊ ነይርዎ፣ ባህጊ ምርኣይ ሓድነት ኤርትራውያን። እቲ ምንታይሲ ሓራ ኤርትራ ብሓድነት እምበር ብምብትታን ክትዕረ ስለዘይትኽእል። ወዲ ቫካሮ ሙሉእ ጥዕና ኣይነበሮን፣ ኣብዛ ዓለም ነዊሕ ክጸንሕ ከምዘይክእል‘ውን ሕርሕራይ ገይሩ ይፈልጥ ነይሩ። „እዚ ህዝቢ ባዕሉ ይፈልጥ፣ እንተደለየ ንመሰሉን ንሓርነቱን ባዕሉ ይተንስእ፣ ኣነ እንታይ ገደሰኒ“ ኢሉ ግን ክሳዕ ጊዜ ሞቱ ትም ክብል ኣይመረጸን። ትንፋሱ ንሰማይ ክሳብ ትዓርግ ጭርሖ ሓድነት ኣልዒሉ ክቃለስ ወሲኑ። ንዓይን ንዓኻትኩምን ነቶም ብድሕሪኡ ተረፍቲ ክብል ከኣ ሓደ ኹኑ እናበለና ብቕዱስን፣ ካብ ሓደ ኤርትራዊ ኣቦ ክግበር ዝግበኦ ስራሕን እናገበረ ሓሊፉ።

ንክቡር ነብስሄር ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም ወዲ ቫካሮ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ዳርጋ የለን። ወዲ ቫካሮ ዝና ነይርዎ ልዕሊ ብኻልእ ዘጥረዮ ህቡብነት ግና እቲ ትማሊ ትማሊ ዝገበሮ ስራሕ ሓድነት ይረዝን። እዚ ስራሕ ሓድነት እዚ ምስ ምሕላፍ ትንፋስ ዶክተር ተወልደ ዝጠፍእ መዋትን በናንን ኣይኮነን። ለበዋ ሓድነት ኣቦና ወዲ ቫካሮ ፈልሲ እዩ። ኣብ ጸልማት እዋን ተወሊዱ ብሓድነት ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ቃልሲ ሓርነት ዝኹላዕ። ንኹሉ ናብ ሓደ ኣዳራሽ ዘምጸ ጻውዒት ወዲ ቫካሮ ሞራል ቃልሲ ንመሰል ዜጋታት ዘበራበረ እዩ ነይሩ። ምትሕብባር ህዝቢ ዘይተፈለዮ ዑደት ኣቦና ብቐሊል ዝርሳዕ ኣይኮነን። ነዚ ክቡር ስራሕ ሰሪሑ ክኸይድ ዝነበሮ ሓጺር ናይ ሓድነት ጉዕዞ ቃልሱ ድማ ተናፋቒ ይገብሮ።

ሎሚ ወዲ ቫካሮ ምሳና የለን። እቲ ከም ህዝቢ ተጠርኒፍና ሓንቲ ዜጋታታ ዝማኣከላ ሃገር ኣብ ምቅላስ እንገብሮ ወፍሪ ግና ለበዋ ሓድነት ኣቦና ወዲ ቫካሮ ሎሚ ካብ ማንም እዋን ኣብ ልብና ክሓድር ይግብኦ። ሕድሪ ረዚን እዩ። መብጽዓ ከኣ ዕዳ እዩ። ኢድ ንኢድ ተጠማሚርና ብስምምዕ ሓደ ኮይና ክንሰርሕ እንተ ጀሚርና ሕልፈት ዶክተር ተወልደ ትርጉም ክህልዎ እዩ። „እንታይ ገደሶ“ ንዝበልዎ ተረርቲ ልቢ ኸኣ ሰብ ነባሪ ከምዘይኮነ፣ ወላ‘ውን ኣብታ ናይ መወዳእታ ካልኢት ጽቡቕ ኣብነት ኮይኑ እንተሓሊፉ ታሪኹ ንዘለኣለም ነባሪ ኮይኑ ንወለዶታት ከምዝሰጋገር መምሃሪ ኮይኑዎም ኣሎ።

ኣቦ ጻውዒት ሓድነት ደቂ ሃገር ዝኾነ ወዲ ቫካሮ ኣስከሬኑ ኣብታ ዕትብቱ ዝተቐብረላ ሃገረ ኤርትራ እኳ እንተዘይዓረፈ፣ ካብ ምልኪ ሓራ ዝኾነት ኤርትራ ንምምጻእ ግና ንለበዋ ሓድነቱ ኣብ ልብና ቦታ ከነዳልወሉ ይግባእ። ዕረፍቲ ወዲ ቫካሮ ሓድነታ ዝሓለወት
ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ምርኣይ ስለዝኾነ።

ሞት ሓድሽ እኳ እንተዘይኮነ፣ ገለ ገለ  ክልተ ጊዜ ዝመውት ክህሉ እንከሎ ገለ ኸኣ ከዘይሞተ እናተባህለ ብሓበን ይዝከር። ኩልና መዓልትና ደኣ ይህልወና እምበር ይንዋሕ ይሕጸር መወቲ ኢና። ድሕሪ ሞትና ዝወሃበና ስም ግን ብሂወት እንከለና ብዝሰራሕናዮ ስራሕ ስለዝኾነ፣ ጊዜ እንከሎና ታሪኽ ንስራሕ። ጽባሕ ድሕሪ ሞትና ሰባት ክሃንጽ ዝኽእል ክቡር ስራሕ።

እምበኣር መልቀስ ወዲ ቫካሮ ንዓና ንደለይቲ ፍትሒ ሓላፍነት እዩ። ወየ ኣቦና ዶክተር ተወልደ ንዓና ዕዳ እዩ። ኣብ ስምረት እንተዘይመጺና ንሓድነት እንተዘይጺዒትና መንፈሱ ክኸሰና እዩ። ሎሚ ወዲ ቫካሮ ብዝያዳ ንመቕርቡን ቤተሰቡን እኳ እንተተፈለዮም ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ግን ዓቢ ክሳራ እዩ። ጽንዓት ንቤተሰብን ንኹሉ ደላይ ፍትሕን! ዓወት ንለበዋ ሓድነት ኣቦና ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም ወዲ ቫካሮ!!

ሓርነትና ናይ ግድን‘ዩ

ዘካርያስ ክብርአብ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...