August 13, 2016 marks the 19th anniversary of the introduction of Asmarino.

We would like you to enjoy this video dedicated to all listeners. This video is a pause in grateful recognition of your contribution. Your demands, challenges, feedback improved us vigorously in the changing need of the world.

ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ዝኾነት፡ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሓበሬታ ብዘለዋ ምስጢራውነትን፡ ዜሮ ተጻዋርነት ብዘለዎ ሳንሱርን ትፍለጥ። መርኣያ ናይዚ እንኮ መደበር ቴሌቭዥን ኤሪ ቲቪ፡ ሓንቲ ከም ሓሙስ መደበር ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽን በይናዊት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ትውንን። እዘን ሓደ ትሕዝቶ ዘለወን ማዕከናት ብመንግስቲ ይውነና። ኩለን ድማ ንሓደ ውልቀመላኺ እናገልገላ ድምጺ ህዝቢ ኣብ ምዕፋን መሳርሒ ኮይነን ዓቢ ተራ ይጻወታ።

ኤርትራ ብመሰረቱ ህላወ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ከም ነውሪ ዝተኣወጀላ ሃገር'ያ። ብዘይካ ሓሳብካ ምግላጽ ካልእ ገበን ዘይብሎም ጋዜጠኛታት ብዘይ ፍርዲ ንልዕሊ 14 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ማሕዩር ይርከቡ።ኣብ ተርታ መስርዕ ነጻ- ፕረስ ዓለም፡ድማ ኣብ መወዳእታ ትስራዕ። ሓበሬታ መሰል ደቂ ሰባት'ዩ።ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዘለናዮ 21 ክፍለ ዘመን። ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ግን ህዝበን ካብ ዘይሻራዊ ሓበሬታ ክርሕቕ ምእንቲ ኣበርቲዐን ይሰርሓ። ንናይ ባዕለን ስነ-ሓሳብ ጥራይ ዝሰብኽ ማዕከን ዜናታት ሃኒጸን ዜጋታተን ኣብ ምድንቋርን፡ ብግጉይ ሓበሬታ ሓንጎሎም ኣብ ምሕጻብን ድማ ይነጥፋ። 

ሎሚ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝተፈጸመ ፍጻመ ብመንገዲ ማሕበረ-ሰባዊ  መራኸቢታት ብዙሃን ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢታት ንህዝቢ ዓለም ይባጻሕ።ህዝቢ ኤርትራ ግን  ንልሳን ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ክሰምዕ ተፈሪዱዎ ይርከብ።ብዘይካ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ካልእ ኩሉ ከንቱን ሓሶትን ምዃኑ ድማ ብተደጋጋሚ ይሕበሮን ይስበኾን።  

ናጻ ናይ ምምዝዛንን፡ናይ ምፍራድን ናይ ምውሳንን መሰሉ ድማ ተሓዲጉ ይርከብ። ካብዚ ዘሰክፍ ክውንነት ተበጊሳ ክኣ ማዕከን ሓበሬታ ኣዝማሪኖ  ካብ ቅድሚ 19 ዓመታት ኣትሒዛ ብመልክዕ  ድሕረገጽን ሬድዮን ንህዝቢ ሓበሬታ ክትህብ ጸኒሓን ኣላን። ኣዝማሪኖ በቲ ንላለ ወይ ቻት ፎሩም ዝብሃል ዓምዳ ንብዙሓት ምንጪ መራኸቢን መኣዲ  ሕውነትን ልዝብን ክትፈጥር ዝበቕዐት ፈላሚት ማዕከን ተቓውሞ ህግደፍ እያ።

ኣዝማሪኖ ኣብ 2004  ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት መንእሰያትን፡ ንብዓትን ኣውያትን ህዝብና ካብ ውሽጢ ሃገር ካብ እተቃልሕ ጀሚሩ ክሳብ ለይተ ሎሚ ን19 ዓመታት  ብዙሕ መሰናኽላት ሓሊፋ ሓንሳብ እናተዓንቀፈት፡ ሓንሳብ እናተንስአት  ከይሰልከየትን ከይረብረበትን ትስጉም  ዘላ ማዕከን ዜና'ያ። ኣዝማሪኖ ንኹሉ፡ኤርትራዊ ሓሳቡ ክገልጽ ማዕጾኣ፡ብምኽፋታ ኣዝዩ ልዑል ኣበርክቶን፡ክብሪን ዘለዎም ዜጋታትና ብመንገዲ ኣዝማሪኖ ልዑል እጃም ኣበርኪቶም'ዮም። ኮኾብ ስነጥበብ ሃገርና ነፍስሄር ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፍወርቂ፡ንጉስ ግጥምን ወግዕን ኤርትራ  ዶክተር ርእሶም ሃይለን ካብኣቶም'ዮም።   ገለ'ዉን ቁጠባዊ ሓገዝ ብምግባር ንምድንፋዕ ደንበ ኣዝማሪኖ ዘይንዓቕ ተራ ተጻዊቶምን ይጻወቱን ኣለዉ።ደንበ ኣዝማሪኖ ናይ ብዙሓት ደቂ ሃገር ዓቕሚ፡ፈሲሱዋ ኩሉ በብዝኽእሎ ፡ገለ ብጉልበት ገለ ብፍልጠትን ክእለትን ሰንሰለት ብምዃን ብጥምረት ዝተሳተፈላ ማዕከን ዜና'ያ ።

ኣዝማሪኖ ኣብዚ ናይ 19 ዓመታት ጉዕዞኣ ዘጋጠምዋ መሰናኽላት ልሳን ጭቁናት ካብ ምዃን ኣይዓንቀፍዋን።ኣዝማሪኖ ግዴታን ዕላማን ኣለዋ።እዝኒ ጥራይ ዘይኮነ ልሳን ህዝቢ ኤርትራ ንምዃን'ያ ተበጊሳ።እንሆ ድማ ሎሚ 19  ዓመታት መሊኣ። እንተኾነ ግን ህዝብና ሕጂ'ዉን ጽጹይ ሓበሬታ ናይ ምርካብ  ሰብኣዊ መሰሉ ምሉእ ብምሉእ ኣይረኸበን። እዚ ድማ ኣዝማሪኖ ከይተሓለለት ልሳን ህዝቢ ክትከውን ሓላፍነት የሰክማ። ኮይኑ ግን እዚ ሓላፍነት እዚ ኣዝማሪኖ በይና ክትስከሞ ትኽእል፡ኣይኮነን።ስለዚ ኩሉ ዜጋ ሃገራዊ ግዴትኡ ምዃኑ ተረዲኡ እጃሙ፡ከበርክት በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ትጽውዕ።

ኣዝማሪኖ ሕነዚ ኹሉ፡ዕፈናን ጭቆናን ክትፈዲ ምዃና ዘየወላውል'ዩ ። እቲ ሕነ ኽኣ ህዝባ ኣንቂሓ, ለውጢ ኣውሒሳ ናብቲ ካልእ ምዕራፍ ንምስግጋር'ዩ።ፍረ ናይዚ ድማ ሰላም ክኸውን'ዩ ። ሽዑ ተምሃራይ ናብ ምህሩኡን ናብ ራኢኡን ፡ ሓረስታይ ናብ ነዊቱን ናብ ሸዊቱን ፡ ነጋዳይ ድማ ናብ ዋኒኑን ናብ ንግዱን ቀሲኑ ዝወፍረሉን ዘቋምተሉን ክኸውን'ዩ።