If there is one thing that PFDJ wants us to do is for us to forget the past. And on this Sept 18th day, there is nothing greater that it wants us to forget than what happened on that day of infamy 13 years ago, with the detention of the G-11 and a number of journalists, thereby announcing the totalitarian turn that the present regime had decisively taken to the detriment of the nation. Since then, it has all been downturn. Now it has reached a stage where none other than the very existence of the nation state Eritrea and its people are at stake. With the mass exodus reaching epic proportions, the gaping hole of the existential abyss is looking at us right on our faces.

If we talk about “what happened to whom” after that infamous day, the list of prisoners is rather long: former higher officials, journalists, religious leaders and their followers, merchants, former tegadelti, students, the youth, peasants, etc. But if we put it thematically, the loss to the nation has been at every conceivable level: the constitution, free speech, freedom of worship, freedom of assembly, freedom of association, freedom of movement, free trade, etc. And with ever step the regime made in its totalitarian striving, the life of the people became more and more unbearable; so much so, that the only way to free oneself from the chokehold of the regime’s totalitarian grip has become to flee the nation.

Asmarino was there to document this roller coaster drive from the suicidal start to the existential abyss we are facing now. We will make the pre-2005 asmarino available to our readers. Not all the links will be available; we are in the arduous process of converting our old servers that were running the win/NT os to linux. We have made the the old news site(2000-2005) available at http://fp.asmarino.com  Archives can be found at http://fp.asmarino.com/PrevNews.asp 

The aim is clear: we will never forget!

Asmarino Staff


“መረስዕ” ህግደፍ ዝኽሪ’ዩ ዝገዝሞ፡ ገምጋም ወርሒ መስከረም

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ኣዝማሪኖ፦
 
ብኣጋጣሚ እዛ ንጽቡቕን ሕማቕን መዳያት ታሪኽና ጠሚራ እትሕዝ ወርሒ መስከረም፡ ከነስተብህልሉ ዝግብኣና ሓደ፡ ሓደ መሰረታዊ ነገራት ከነዘኻኽር ብምባል፡ እነሆ ኣብ’ዛ ታሪኻዊት ወርሒ ገለ ሓሳባት ወስ ከነብል ንብገስ ኣለና። 
 
ኣቦታት ክምስሉ፡ “ጥበበኛ ኣርእሱ፡ ድዃ ሕረሱ” ይብሉ። በቲ ዘመናዊ ትርጉም ናይ ራእሲ እንተርኢናዮ፡ መራሒኹምሲ ጥበበኛ ይኹን ማለት እዩ። ኣብ ድዃ እተዘርአ ምህርቲ ፍርያምነቱ ኣየጠራጥርን። ጥበበኛ መራሒ ዝተዓደለ ህዝቢ ድማ እዝግሄሩ እንዳመስገነ፡ መራሒኡ እንዳመረቐ፡ ብሰላም ይነብር። ዘይተዓደለ ህዝቢ ግን ኣይተዓደለን ስለ ዝኾነ ተወሳኺ ጽዋ ዘድልዮ ኣይኮነን። ይኹን’ምበር፡ ጥበብን መሪሕነትን ምስ ትዕድልቲ ጥራይ ዝተሓሓዝ ነገር ክመስል የብሉን። እቲ ቐንዲ ነገር፡ ከም ህዝቢ እንታይ ጌርናን ንገብር ኣለናን ኣብ ዝብል ሕቶ ዝምርኮስ እዩ። እምበኣር ከስ ብታሪኻውነት ወርሒ መስከረም ኣመኻኒና ነብስና ቁሩብ ንገምገም።
 
ወርሒ መስከረም፡ ኣብ 1961 ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዝተፈለመላ ታሪኻዊት ወርሒ እያ። ካብ ድምቀት ወርሒ ግንቦት ዘይሃስስ ደጕሒ እትውንን፡ ብባህሪ ‘ውን እንተኾነ፡ ካብ ክራማት ናብ ቀውዒ እንሰጋገረላ፡ ተፈጥሮ ካብ ዝዓደለትና ብሉጻት ህያባት እቲ ተበሃግን ተሃራፍን ክሊማኣ እነስተማቕረላ፡ ንዕኣ ስዒቡ ዝመጽእ ቀውዒ ምስ ሽሻዩ ንምእንጋድ እንሸባሸበላ፡ ዕዝዝቲ ወርሒ እያ። ኣብ 2001 ግን፡ መስከረም ብዘይ ምርጫኣ፡ ነቲ ዘጎናጸፈትና ሃገራዊ ሓበን ዝዘርግ ሓበላ ረኺባ፤ ንወርቃዊ ታሪኻ ዝብልል ርኳን ድማ ተደፊእዋ። ኣብ መስከረም ተጀሚሩ ኣብ ግንቦት እተዛዘመ ቃልሲ ንሃገራዊ ናጽነት ኣእላፋት ሂወት ተኸፊልዎ፤ ብዙሕ ዝዓይነቱ መስዋእትነት ድማ ጠሊቡ’ዩ። ግዜ ንእስነቶም ንሰውራን ሰውራ ንዘፍረዮ ናጽነትን መኒኖም፡ ውጻእ-መዓት ብምዃኖም ጥራይ ናጽነት ኤርትራ ከስተማቕሩ ዕድል ዝረኸቡ ገለ ሓርበኛታትን መራሕቲ ሃገርን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ድቦላን ናጤባን ወዲቕዎም። ንሳቶም ጥራይ ዘይኮነስ ዓበይቲ ዓዲ፣ ወራዙት፣ ነጋዶ፣ ጋዜጠኛታት፣ ተመሃሮ፣ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ደቀንስትዮ፣ ምእመናን ናይ እተፈላለያ ቤተ-እምነታት፣ ወዘተ ጨልበብታ ናይ’ቲ ወቕዒ ስለ ዝለኸዮም እነሆ ንሓሙሽተ ዓመት መመላእታ፡ ገሊኦም ‘ውን ልዕሊኡ፡ ኣብ ድጓናታት ተደርብዮም፤ ሓታቲ የብሎም ተጣባቒ፡ በጻሒ የብሎም ዘራይ፡ ሃለዋቶም ብጭቡጥ ኣብ ዘይፍለጠሉ ኩነታት ይርከቡ። በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር ወርሒ መስከረም እቲ ብሓበን ዝልለ ታሪኻ ጸሊም ነጥቢ ነጢብዎ። ሕብራ ሓደ፡ ጽጋረታ ግን ብዙሕ ኮይኑ።
 
ኣብ’ዛ ታሪኻዊት ወርሒ እዚኣ እንታይ ጌርና፡ እንታይከ ኣፍሪና ኢልና ነብስና ኣብ እንምርምረሉ እዋን፡ ነቲ እንካይዶ ገምጋም ክሕግዝ ዝኽእል ሓድ-ቁሩብ ትዕዝብታት ኣሎ። ገፈፍቲ መሰልና ስድነቶም ንምኽዋል ዝጥቀምሉ ሜላን ዝኸተልዎ ሽጣራታትን ክሳብ ክንደይ ነስተብህለሉ ከም ዘለና ብኣስተንትኖ ክንሓስበሉ ይግባእ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለና።
 
ካልእ ከይጸብጸብና ካብ መስከረም 2001 ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ ህዝቢ ንምድንጋር ዝተጠቕምሉ ረቀቕቲ ሜላታት፡ እስከ ብሒደት ኣብነታት ኣሰኒና ንመርምሮ። ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣብ ዝተዓጽዋሉ ግዜ፡ እቲ ብዛዕባ መዕጸዊአን ዝተዋህበ ምኽንያት፡ “ክማላእ ዝግብኦ ቅጥዕታት ስለ ዘየማላኣ እየን ተዓጽየን” ዝብል ዕባራ ምኽኒትን ሓንኳል ዘረባን እዩ ኔሩ። ምስኡ ልግብ ኢሉ ድማ፡ ድሕሪ ኣድላይ ናይ ምጽራይ መስርሕ፡ እተን ብቕዓት ኣለወን ተባሂሉ ዝእመነለን ዳግም ክኽፈታ ምዃነን’ዩ ተሓቢሩ ኔሩ። በዚ መግለጺ’ዚ ብዙሕ ሰብ ተደናጊሩ፤ ሎሚ ጽባሕ እቲ “ምጽራይ” ክግበር እዩ እንዳተባህለ፡ ብዙሕ ሰብ ይጽበ ኔሩ። ግዜ እንዳበልዐ ምስ ከደ ግን ገሊኡ፡ “ካብ ዝብእስ ዓጽሚ …” ኮይንዎ ቀቢጹ። ገሊኡ ሰብ ግን ረሳዒ ኾይኑ ረሲዕዎ። 
 
ካብ ጉዳይ ጋዜጠኛታት ከይወጻና፡ እቲ ሽዑ እዋን ጎብለል ሚኒስትሪ ዜና ኮይኑ ዝተቐልቀለ ዓሊ ዓብዱ፡ ብናይ ውሽጣዊ ሃገር ማዕከናት ዜና፡ “ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ካብ ሚኒስትሪ ዜና” ተባሂሉ ይጥቀስ ኔሩ። ቀስ ብቐስ ድማ ብናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ግዚያዊ ሚኒስተር ክብሃል ጀሚሩ። ገሊኦም ድማ ብሚኒስተር ዜና ይጽውዕዎ። ህግደፍ ንምንታይ ሚኒስተር ክብልዎ ከም ዘይደለዩ ብዙሕ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ ነቲ መዝንት ክጅምሮ እንከሎ ግን ብገለ ምኽንያታት “ተሃዋሲ” ኮይኑ ስለ ዝተራእዮም፡ ምስ ግዜ ድማ ክልመድ እዩ ኢሎም ስለ ዝኣመኑን ብኸምኡ ነዊሕ ቀጺሎም። ሎሚ ኩሉ ሰብ ብዝርድኦ ዓሊ ዓብዱ ማለት ሚኒስተር ዜና ማለት እዩ። ምስ ግዜ ነገራት ከም ዝልመድ ምግባር ወይ ድማ ከም ዝርሳዕ ምግባር፡ ጃንዳ ህግደፍ ኣዝዮም ዝተራቐቕሉን “ዝሕበንሉን” ክእለቶም እዩ።
 
ክዛረብሉን ክፈትሕዎን ንዘይደልዩ ጸገማት ከም ዘይተገብረን ከም ዘይነበረን ከምስልዎ ህርዲግ ይብሉ። ፈጺሞም ኣይዛረብሉን። ክዝክርዎ ‘ውን ኣይደልዩን። ከም ዝርሳዕ ይገብርዎ፤ ዳርጋ ይቐንዖም ድማ። ክልመድ ንዝደልይዎ ዘይቅቡል ነገራት ግን ከም ዋዛ ኣምሲልካ ብምድግጋም - ብሰይ ምስልካይ ብምድግጋም፣ ከም ዝልመድ ይገብርዎ። ኣብ’ዚ ‘ውን ሓደ ኣብነት ክንጠቅስ ኢና። ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ኤርትራ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ካብ መንበረ-ክህነቶም ምስ ተኣልዩ፡ መንግስቲ ብዙሕ ኣይተዛረበሉን። ጸገም ከም ዘየጋጠመን እንተነበረ ድማ ብዙሕ ከበር ዘድልዮ ከምዘይኮነ ንምምሳሉ ዝተኣልመ ሰራም ውዲት እዩ። ኣብ ሞንጎ ካህናትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ግን፡ ሓዊ ከምዝተጸግዖ ሓሰር ኮይኑ ነበልባል ፍልልይ ኣጕዲሎም ይርከብ ኣሎ። ነቶም ከም መተካእታ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብመንግስቲ “ዝተሓጽዩ” ኣቡነ ድዮስቆሮስ ግን ኣብ በዓላትን ህዝባዊ ኣጋጣምታትን፡ ከምዚ ጌሮም፣ ቡራኬ ሂቦም፣ ወዘተ እንዳበሉ፡ ነቲ ዘይቅዱስ ተተካእነቶም ከም ቅቡል ክውሰድ ይሕርኩትሉ ኣለዉ። ምስ ግዜ ድማ እቲ ምእላይ ናይ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ተረሲዑ እዩ ኢሎም ኣብ ዝኣመንሉ እዋን ንኣቡነ ድዮስቆሮስ “ፓትርያርክ” ክብልዎም ምዃኖም ካብ ሕጂ ዝዳለውሉ ዘለዉ ሸርሒ እዩ።
 
ንሳቶም፡ ይሰርሓልና እዩ ዝበልዎ መጠበርን መደዓዓስን መረስዕን እንዳቐረቡ ንረሲዕነት ክፈርዱና ህርድግ ክብሉ እዮም። ንሳቶም፡ ነቲ ዘይልሙድ ጸይቀ-ዕሉል ስራሕ ልሙድ ከምስልዎ ድቃስ ክስእኑ እዮም። ንሕና ድማ ከም ዘይንርስዕ፡ ናይ ዝኽርን ቃልስን መኸተና ከም ቀደሙ ከም ዘሎ፤ ናህሩ ‘ውን ከም ዘይቅንስ ነናሻዕ ክንደግመሎም ይግባኣና። ካብ 1997 ክሳብ 2001 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ እንዳ ህግደፍ ሞሊቚዎም መሰል ናጻ ፕረስ ከፍቅዱ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ተኸሲቱ ዝነበረ ትስፉው ምዕባለን መጻእን፡ ንሱ ፈጢርዎ ዝነበረ ሃዋሁን፡ ናይ’ቲ እዋን’ቲ ጽሑፋት፣ ሓሳባትን ርእይቶታን ከም ዘለዎ ደጊምና ብምቅላሕ ዝኽርና ከም ዘይሃሰሰ ንንገሮም። ሳላ ህርኩታት ዓቀብቲ ታሪኽ ኩሉ ነገራት ስኑድ እዩ። ናይ ሒደት ደቓቕይ ተፍትሽ ኣካይዳ ድማ ዘድሊ ሰነዳትን መወከስን ብቐሊሉ ምእካብ ይክኣል’ዩ። እንተ ብውልቂ እንተ ብጉጅለ ኣብ እነበርክቶ ጽሑፋት፣ ኣብ እንውድቦ ኣጋጣምታት፡ እቲ ንሳቶም ከሰንፈና ዝደልይዎ ረሲዕነት ከም ዘየሰንፈና ደጋጊምና ነቃልሓዮ። ነዚ ንምግባር ድማ ካብ ሕሉፍ ጽሑፋት፡ ብፍላይ ካብ’ቲ ናይ 1997-2001 ዝነበረ ክትዓት፣ ዝርርባት፣ ወዘተ እንዳቖንጨልናን ብዝጥዕም መገዲ እንዳደጋገምናን ከም ዘይረሳዕናዮ ንንገር።
 
ንሕና ዘንጋዕቲ ኣይኮናን፤ ኣይክንዝግንዕን ኢና። ረሳዕቲ ‘ውን ኣይኮናን፤ ኣይክንርስዕን ኢና። ኣስገልቲ ኣይኮናን፤ ኣይክነስግልን ኢና። ንሳቶም ንሕማቕ እዋን ዝኸውን ርሾ ወይ መተኣማመኒ የብሎምን። ንሕና ግን ምስ ርእሰ-ማልና ኢና። መቑነኖም ንእዋኑ እዩ። ንሓዋሩ ዘናብር ኣይኮነን። ምሉእ ብምሉእ ራቖቶም ኣብ ዝወጽሉ እዋን ድማ እቲ ኣዋህሊልናዮ ዝብልዎ ናይ ሓሶት፣ ጃህራን ብድዐን ክእለቶም ከም ዓፍራ ኣብ ናይ ቋሕ-ሰም ህሞት ኩምሽሽ ኢሉ ክተርፍ እዩ። ሽዑ ድማ ንኹሉ ነገራት ፈጺምና ከም ዘይረሳዕናዮ ብድሙቕ ጽሕፈት፣ ብነጎድጓዳዊ ድምጺ፣ ብበርቃዊ ግብረ-መልሲ ክንገልጸሎም ኢና።
 
ፍትሒ ንውጹዓት!
 
18 መስከረም 2006
 
ትካል ተስፋ ደሊና
(ኣዝማሪኖ.ካም)