ብዝገፍሕ ኵርናዕ እንክርአ᎓ ኣገዳስነት እዛ መጽሓፍ ኣበርክቶ ግርማይ ነጋሽን ኣብቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ምይይጥን ጉዳይን ብናይ ተዓዛብነት ተራ ጥራይ ዘይኰነስ ብንጡፍ ውልቃዊ ተሳታፍነትን ጕንዖ ኣበርክቶን ምዃኑ’ዩ። እዘን ዓንቀጻት ንኤርትራዊ ኣንባቢ ብቐንዱ ኣብ ግምት ኣእትየን ብኤርትራዊ ቋንቋ ምድላወን’ውን ነቲ ቀዲሙ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ምርማርን ሕትመታት ዘደንፍዖን ካልኦት ኣሰሩ ክስዕቡ ብግብሪ ዘርኢን’ዩ። ብቛንቋኻ ምጽሓፍን ምዝራብን ኣብ ኤርትራ ከም ዓቢ ብድሆ ደኣ ኣይረአ እምበር (ንምቕጻሉ ከኣ ከምዚ ዝመስል ተበግሶ የድሊ) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርአ ‘ናፍቖትን ዝካሬ መግዛእቲን’ ኢልካ ጥራይ ክመሰል ዝኽእል ተበግሶ ዘደንጹ’ዩ።

ኣብዛ መጽሓፍ ተጠቓሊለን ዘለዋ ጽሑፋት ካብ እግሪ-ተኽለን እከታተለን ጥራይ ዘይኰንኩስ ክሳብ መወዳእታ ቅድመ-ሕትመት’ውን ብቐረባ ስለ ዘሳለኹስ ሕጂ ገምጋም ክጽሕፍ ቅኑዕ ሚዛን ድዩ ዝብል ሓሳብ ቀዲሙ መጺኡኒ። ዳሕራይ ግን ኣብ ምጽሓፈን ዝተራእየ ኣተኵሮን ዝፈሰሰ ጻዕሪን መስካሪ ክንሰይ ኣነ ገምጋም እንተ ዘይጽሒፈ ደኣ ካልእ ንመን ክጽበ ዝብል ሓሳብ ስዒሩኒ። በዚ ድፍኢት’ዚ ከኣ’የ ነዚ ዝስዕብ ገምጋም ዘቕርብ ዘለኹ።

 

መጽሓፍ መገዲ ዓድና ኣብ መንጐ ነሓሰ 2014ን ነሓሰ 2016ን ዝተጻሕፋ ሰለስተ መጽናዕታዊ ዓንቀጻት ሒዛ ትርከብ። ከምቲ ደራሲ ኣብ መእተዊ ጠቒሱዎ ዘሎ᎓ “እዚ መጽሓፍ ዝወጸሉ ኣብ ዘሎ እዋን᎓ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃራና መገዲታት ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ ፈታኒ እዋን᎓” ብምዃኑ ከኣ ኣተኵሮ እዘን ዓንቀጻት ድማ ብቐንዱ ነቲ ንኤርትራ ኣብ መጻብቦ ሸሚሙዋ ዘሎ ምኽንያታት ብምምርማር መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ኣንፈታት ድማ ይእምታ። እቲ ኤርትራ እትርከበሉ ዘላ ቃራና መገዲ ከኣ ደራሲ ብጻልጣኡ᎓ ኣብ መእተዊ᎓ ብኸምዚ ይገልጾ፤ “ሎሚ᎓ ብዘይካ እቶም ንምልኪ ዘምልኹ የውሃትን ብጥቕሚ ዝተኣሰሩ ባእታትን᎓ ዝዀነ ብኽፉት ዓይኒን ሕልናና ንኵነታት ህዝቢ ኤርትራ ዝዕዘብን ዝከታተልን ሰብ ነቶም ኣብ መንጎ መኣዝናት ጕዕዞ መገዲ ደሞክራሲያን ሰላምን ብሓደ ሸነኽ᎓ መገዲ ዕንወትን ደልሃመትን በቲ ሓደ ሸነኽ᎓ ዝርከቡ ፍልልያት ክርእዮም ዘጽግሞ የለን” (2)።

ቀዳመይቲ ዓንቀጽ “ካህናት ተዛሪቦም፤ ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዶኾን ይኸውን?” ነቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2014 ብኣርባዕተ ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ተዳልያ ዝተዘርግሐት ጽሕፍቲ ዓሚቝ ትንታነ ትህብ። እታ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” እትብል ክሳብ ሎሚ ደጋጊማ እትጥቀስ ጽሕፍቲ ነቲ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ሕሰምን እኩብ ኣደራዕን ብዘየሻሙ መገዲ ሰፊሕ ትንታነኣዊ ገምጋምን ዝሃበት’ያ ነይራ። ግርማይ ነጋሽ እምበኣር--ማዕረ ኣገዳስነት እታ ጽሕፍቲን ደፋር ተበግሶ ኣዳለውታን ዝኸይድ--ተራን ፍሉይነትን እዛ ጽሕፍቲ ብሰፊሑ ተንቲኑ። ኪንዮ’ቲ ንዅሉ ኣንባቢ ግሉጽ ዝዀነ ትብዓትን ውርጹጽ ትንታነን እታ ጽሕፍቲ ግን ግርማይ ነጋሽ ምስ ካልእ ዝዓበየ ዓለማዊ ተርእዮ’ዩ ኣተኣሳሲሩዋ። ምስ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝውቱር ዝነበረን ንሓያሎ ሃገራት ካብቲ ሕሰም ድኽነትን ጭቆና መራሕቲን ዘውጽአ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣተኣሳሲሩ ድማ እቲ ተርእዮ ምናልባት ከምኡ ዝመስል ኣንፈታት ኣብ ኤርትራ ከጋጥም ዝኽእል እንተዀይኑ ይእምት። ዓንቀጽ “ካህናት ተዛሪቦም” ኣብዛ ዝተጠቕሰት ጽሕፍቲ ጥራይ ከይትሓጽረት ሰፊሕ ድሕረ-ባይታ ብዛዕባ ዕስክርና ጣልያን ኣብ ኤርትራ ምስ መጽሓፍ ሓደ-ዛንታ(1950) ናይ ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ብምትእስሳር ትዝርዝር። ንመጽሓፍ ሓደ-ዛንታ ከም መበገሲ ወሲዳ ድማ ካብ ፈለማ 1920ታት ጀሚሩ መልክዕን ኣስማትን ጥራይ እናቐየረ ክሳብ ሎሚ ዘየኽተመ ዕስክርና ኤርትራ ትዝቲ።

 

ግርማይ ንታሪኽ ውትህድርና ኤርትራ᎓ ትንታነ ጽሑፋት ኣቡናት ድሕሪ ምሃቡን ምስ ክልስ-ሓሳባዊ ተርእዮ ላቲን ኣመሪካ ድሕሪ ምንጽጻሩን᎓ ዓንቀጹ ብኸምዚ’ዩ ዝዛዝማ፤ “ምናልባት እቲ ሕቶ ግን ‘እዚ ብካቶሊካውያን ካህናት ተጀሚሩ ዘሎ ኣንፈታት ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዘበስር ድዩ ወይስ ተቐልቂሉ ዝጠፍእ’ዩ?’ ዝብል’ዩ። መልሲ ናይዚ ሕቶ’ዚ ንግዜ ዝግደፍ’ዩ” (41)።

መጽሓፍ መገዲ ዓድና ኣጣቓሊላታ ዘላ ቀጺላ እትርከብ ጽሕፍቲ “ናብ ነብስና ንመለስ፤ ሕጊ እንዳባ ንህልዊ ግድላት ኤርትራ መፍትሒ ዶኾን ምዀነ?” እትብል’ያ። እዛ ጽሕፍቲ ምስታ ዝቐደመት ዓንቀጽ ብብዙሕ መገዲ እትተኣሳሰር ኰይና᎓ ኣብ ተመሳሳሊ ዓንኬል ምስቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝተራእየ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ከኣ እቲ መፍትሒ ብደገን ሃገራት ምዕራብ ዝተስገደድን ብዘባሉ ዝተቐድሐን መንግስታዊ መዋቕር ዘይኰነስ ካብ ውሽጢ ዝብገስን ምስ ህዝቢ ምትእስሳር ዘለዎን ምዃና ትዝቲ። እዚ ንውሽጢ ዝጥምት ኵርናዕ ድማ ነቶም እንትርፎ ብተናጸል ኣብ በበይኑ ናይ ምዝንጋዕ መደባት መራኸቢ-ብዙሃን ኤርትራ ሓውሲ መስተንተኒ ሕሉፍ እዋን ጥራይ እምበር ካልእ ዓሚቝ ኣቓልቦን ንባብን ዘይወሃቦም ሕግታት እንዳባ ብሰፊሕ ትምርምር። “ናብ ነብስና ንመለስ” ኣብ መንጎ በበይኖም ሕግታት እንዳባ ዘለዉ ምምስሳልን ፍልልይን ብኣዝዩ ደቂቕ ኣስተብህሎን ትንታነን ትምርምር ጥራይ ዘይኰነትስ ብኸመይ መገዲ’ኸ ኣብ ዘመናዊ እዋን ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ከም ዘለዎም ኣመታት ትህብ። እዛ ዓንቀጽ ከኣ ሕግታት እንዳባ ከም መመላእታ ዘመናውያን ሕግታት ዘይኰኑስ ቀንዲን መበገሲን ክዀኑ ከም ዘለዎም ትዛዛም።

ሓቛፊት ኣርእስቲ መጽሓፍ ኰይና ተመሪጻ ዘላ ዓንቀጽ᎓ “መገዲ ዓዲና᎓ ብኸመይ ንኸዶ?” እትብል ዛዛሚት ቴማ᎓ ግብራዊን ክልስ-ሓሳባዊን ብቐንዱ ግን ንውሽጢ ዝጠመተ ክዀኑ ዝኽእሉ መፍትሒታት ድሕሪ ምሃብ እቲ ኵሉን እንሓልሞ መገዶ ዓድና ብኸመይ ክንከዶን ክንበጽሖን መርሓ-መገዲ ተጸርግ። እዛ ዛዛሚት ዓንቀጽ᎓ ብኣዝዩ ተሪር ቋንቋን ዘየላቡ ቃናን እቲ ንኽልተኡ ድምበታት--ማለት ናይ ተቓውሞን ደገፍቲ ምልኪን--ሓሊኹ ዘሎ ግዝኣት ኣተሓሳስባን ድሩትነትን ፈቲላ ተቐርብ። እቶም ንዅለንትናዊ ሓርነታዊ ጕዕዞ ዝዕንቅፉ ዘለዉን--ከም ገለ ለውጢ ብወዝቢን ጎነጽን እንተ መጺኡ’ውን ንድሕሪት ክመልሱ ምዃኖም ዘይከራኽሩን ሽዱሽተ ዓበይቲ ኣርእስታት ከኣ ትዝርዝር። ሓያሎ ካብቶም ማሕለኻታት--ብኣገላልጻ ግርማይ--በቲ ምልካዊ ስርዓት ዝተስገደዱ ጥራይ ዘይኰኑስ ብቐንዱ ኣብ ጽኑሕ ባህሊ እቲ ሕብረተሰብ ቦታ ዝጸንሖምን ብተመሳሳሊ ድማ ኣብቲ ኣብ ደገ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ድምበ’ውን ጐሊሖም ዝርኣዩን’ዮም።

ብዝገፍሕ ኵርናዕ እንክርአ᎓ ኣገዳስነት እዛ መጽሓፍ ኣበርክቶ ግርማይ ነጋሽን ኣብቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ምይይጥን ጉዳይን ብናይ ተዓዛብነት ተራ ጥራይ ዘይኰነስ ብንጡፍ ውልቃዊ ተሳታፍነትን ጕንዖ ኣበርክቶን ምዃኑ’ዩ። እዘን ዓንቀጻት ንኤርትራዊ ኣንባቢ ብቐንዱ ኣብ ግምት ኣእትየን ብኤርትራዊ ቋንቋ ምድላወን’ውን ነቲ ቀዲሙ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ምርማርን ሕትመታት ዘደንፍዖን ካልኦት ኣሰሩ ክስዕቡ ብግብሪ ዘርኢን’ዩ። ብቛንቋኻ ምጽሓፍን ምዝራብን ኣብ ኤርትራ ከም ዓቢ ብድሆ ደኣ ኣይረአ እምበር (ንምቕጻሉ ከኣ ከምዚ ዝመስል ተበግሶ የድሊ) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርአ ‘ናፍቖትን ዝካሬ መግዛእቲን’ ኢልካ ጥራይ ክመሰል ዝኽእል ተበግሶ ዘደንጹ’ዩ። ናይጀሪያዊ ተመራማሪ ስነ-ቋንቋ ኣዮ ባምቦሸ (Ayọ̀ Bámgbósé) ኣብታ Language and Exclusion: The Consequences of Language Policies in Africa(2002) እትብል መጽሓፉ ከም ዝጠቕሶ᎓ ወግዓዊ ቋንቋ ናይጀሪያ እንግሊዘኛ ከም ምዃኑ መጠን እቲ ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር’ውን ክኽተሎ ስለ ዘለዎ᎓ ኣብ መጋብኣያ ኵሉ ምልላስ ብእንግሊዘኛ ክትርጐም ግድን ይኸውን። ባምቦሸ ከም ዝጠቕሶ ድማ ንኣብነት᎓ እቲ ዳኛ’ውን ተዛራቢ ቋንቋ ሃውሳ ክንሱ᎓ ተኸሳሲ ብቛንቋ ሃውሳ እናተዛረቦ ክሳብ ብእንግሊዘኛ ዝትርጐመሉ ከም ዘይሰምዖ ዘሎ መሲሉ ይቐርብ።

እዚ ልቓሕ ቋንቋን ብሰንኩ ዝስዕብ ስእነት ምርድዳእን ብቐንዱ ድማ ነቲ ዝምልከቶ ህዝቢን ተራ ኣባል ሕብረተሰብን ዘይኰነስ--ኣብ ግዙኣት ሃገራት ብሕልፊ እኳ ኣፍሪቃ ዝርአ--ግን ነቲ ህዝቢ’ውን ትዛረብ ዘለኻ እናመሰልካን ብዛዕባኡ እናዘተኻን ኣብ ላዕሊ ጥራይ ዝሕጸር ቋንቋን መራኸቢታትን ምጥቃም’ዩ። ግርማይ ነጋሽ᎓ ውሁብ ምስ ኰነ ቀሊል ዝመስል᎓ ናይ ቋንቋ ምርጫ ምውሳዱ እምበኣር ዓቢ ድፍኢት’ዩ። ምስ ድሩትነት ዝርጋሐ ቋንቋ ትርግኛን ግርማይ ነጋሽ ኣብ ኣካዳሚ ስለ ዝነጥፍ ብዋጋ ናይቲ ብእንግሊዘኛ ምስ ዘሕትሞ ክረኸቦ ዝኽእል ካልእ ረብሓታትን እንኮላይ ምዃኑ ምጥቃስ ግቡእ ይመስለኒ።

ተበግሶ ብቋንቋኻ ምጽሓፍ ግርማይ ነጋሽ᎓ ኣብ ኣሰር ዓበይቲ ሓሰብቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከምእኒ ኬንያዊ ንጉጊ ዋ ቲያንጎ ዝምደብ ኰይኑ᎓ ኣብ ተመሳሳሊ ፍልስፍናን ኵርናዕ ርእየትን ብምምርኳስ ድማ ህዝብታት ኣፍሪቃ ንውሽጦሞ ክርእዩን መፍትሒኦም ካብ ነብሶም ክደልዩን ዝጽውዕ’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ᎓ ቀንዲ ኣተኵሮ እተን ኣብዚ መጽሓፍ ተጠቓሊለን ዘለዋ ዓንቀጻት ንውሽጢ ዝጥምታን መፍትሒ ካብ ውሽጢ ጥራይ ምዃኑ ዝምጕታን።

ምርምራዊ ስራሓት ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ᎓ ነቲ ድሮ ኣብቲ ዓውዲ ምርምር ብኤውሮጳዊ ቋንቋታት በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ብራኸን መዓርግን ዝዳረግ ደኣ ይዅን እምበር᎓ ከምዚ ዝመስል ጽሑፋት ብኤርትራዊ ቋንቋታት ምቕራቡ’ውን ነቲ ቋንቋ ኣብ ምሕያሉን ንዓውዲ ምርምር ኣብ ምድፋኡን ህያው ኣብነት’ዩ።

 

ነዛ መጽሓፍ ንምግዛእ ኣብዚ ምውካስ ይከኣል፤


ኣብርሃም ተስፋልኡል ፈጻሚ ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ኰይኑ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።