August 5, 2018፡ 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡

ከምይ ኢልክን ቀኒኽን፡  ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም፡  ኣነ እግዚኣቢሄር ይመስገን ጽቡቅ ኣሎኹ። እንሆ እምበኣር ሎሚ “መርዓ ክገብር ዳሰይ ክተክል፡ ቅድም ሬሳይ ሀቡኒ ክቀብር” ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ ቀሪበ’ሎኹ።

ኩላትና ንዕዘቦ ከም ዘለና፡ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡  ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር፡  እዚ ዘይብሃል ለውጥታት ኣዊጁን፡ ኣተግቢሩን፡ የተግብርን ኣሎ።  ሓደ ካብቲ ኣዎንታዊ ለውጢ ዘርኣዮ፡ ንውዕል ኣልጀሪስ ከም ዘለዎ ምቅባል’ዩ።  ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ክልተ ሰሙን’ዩ ብዛዕባዚ ዉሳኔ’ዚ ዘተንብሄ። ቀጺሉ ድማ ንዶክቶር ኣብይ፡ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ መራሒና፡ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና” ኢልዎ።  ዶክቶር ኣብይ ነዚ ሓላፋነቲ’ዚ ክቅበሎ ከይቅበሎ ኣፍልጦ  ዘለና ኣይመስለንን፡  እንተኾነ ግን ምድማርን ምጉዳልን ዝባሃላ ክልተ ቃላት ክደጋግመን ተሰሚዑ። ከም ኣጋላጻጽኡ፡ እታ ትድመር ዓሰብ’ያ፡ እቲ ዝጎድል ድማ እቲ ብሰንኪ ናይ ዶብ ኩናት ኣብ መንጎ ክልተ ህዝብታት ዝነበረ ምቅሕሓር’ዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ኣብ ልእላውነትና ትኣምን፡ ሕቡእ ተንኮል - hidden agenda - ዘይብላ: ብሕጊ ኣጣቃቅማ ወደባትና ትቅየድ: ማንም ሃገር ወዳባትና ምስ ትጥቀመሉ ሃጋራዊ ረብሓና’ዩ።  እቲ ዘይምቅዳው ናይ ሃገረ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክጎድል ጥራይ ዘይኮነስ ክድምሰስ ኣለዎ። ካብ ህዝbi ኤርትራ ንላዕሊ ሰላም ዝደሊ የልቦን እንተበልኩ ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ዝኣክል ደማዊ ኩናት ምስ ማእለያ ዘይብሉ ጥፍኣት ህይወትን፡ ዘይተደኣደነ ኩሉ ዓይነት ክሳራታትን ዘካየደ፡ ሰላም ስለ ዝስኣነ’ዩ። ሰላም ኩናት ጠጠው ምባል ጥራይ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ፍትሒ ምስ ዝነግስ’ዩ።           

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ንዶክተር ኣብይ ካብ ሕጂ ንንየው ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ካብ በሎ፡ ኣብነቱ  ብደቂቅ ተኸቲሉ፡ እዘን ዝስዕባ ክገብረን ትጽበዮ፡

ቀዳማይ፡ ናይ ፖሊቲካ እሱራት ብዘይ ውዓል ሕደር ክፈትሖም።

ካልኣይ፡  ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞቱ ኣስማቶምን፡ ኣማውትኦምን፡ ዝሞቱሉ ዕለትን፡ ዝተቀበርሉ ቦታን ንቤተሰቦም ጥራይ ዘይኮነ ንህዝቢ ክነግር።  ሰብ’ኮ ክቡር’ዩ ከም ከልቢ ደርቢኻ ስቅ ኣይብሃልን’ዩ። ካብዝን ካብትን የዕጽምቶም ኣኻኺብካ፡ ከም ናይ ሓዲስ ሬሳ ክብሪ ሂብካ ምስ ዝቅበር ዕረፍቱ ንኹሉ’ዩ።

ሳልሳይ፡ ኮለነላታን ጀነራላትን ሳዋ ምስ በድዊን ተሳማሚዖም ንናይ ሳዋ ተዓለምቲ፡ ንምስግጋሮምን፡ ምሻጦምን መደብ ከውጽኡ ከለው፡ ኣስማቶም ነይርዎም ሙዃን ኣለዎ ኢለ እኣምን። ስለዚ ሽም እቶም ኣብ ባሕሪ ዝተሸሙ ይንገር። ከምኡ’ውን  ሬሳታት እቶም ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ረስኦም ጸምበለል ኢሉ ተረኺቡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣይናትናን እዮም ዝበለ መንግስቲ ጥልያን ድማ ብወግዒ ዝቀበረቶም፡ ዓዶም ክምለስ ይኣዝዝ።

ራብዓይ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝፈጸሞ ገበን ይቅሬታ ይሕተት። ዶክቶር ኣብይ፡ ቅድም መንግስቲ ዝገበሮ ጌጋ ይቅረታ ሓቲቱ’ዩ።

ሓምሻይ እቲ ክንደፍ ሰለስተ ዓመት ወሲዱ ህዝቢ ብሰፊሑ ዝተሳተፈሉ ብናይ ወክልቲ ህዝቢ - constituent assembly – ኣብ ግንቦት 1997 ዝጸደቀ ቅዋም ኣብ ግብሪ ክውዕል። እዚ ቅዋም፡ ብጽሑፍ ይኹን ብዝረባ ሰብ ሓሳቡ ክገልጽ፡ ወከልቱ ብዘይ ጸቅጢ ባዕሉ ክመርጽ፡  መሰል ነብሲ ወክፍ ሰብ ክሕሎ፡  ኣባል መንግስቲ ይኽን ተራ ሰብ ማለት ኩሉ ወዲ ሃገር ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክኸውን ወዘተረፈ የጣቃልል።

ክቡር ህዝቤ ኤርትራ፡ ዶክተር ኣብይን ፕረዘደንት ኢሳያሳን መንገዲ ኣየር ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ክኽፈት፡ ወዳባት ኤርትራ ክጥቀሙሉ፡ ኢትዮጵያውን ንዕረፍቲ ንባጽዕ ክኸዱ ወሲኖም። እዚ ብሓቂ ተስፋ ዝሃብ ናይ ሰላም ሃዋህው ዝፈጥር  ጽቡቅ’ዩ፡ ግን እቲ ኣብ ከምዚ ኣዕናዊ ኩነታት ዘብጽሔ ናይ ዶብ ጉዳይ ድማ ተጎስዩ ክሕለፍ የብሉን።  ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከብ ህዝቢ፡ ካልእ’ሞ ንግደፎ፡ ኣይነይቲ’ያ ግራት ትግራይ፡ ኣየነይቲ’ያ ግራት ኤርትራ፡ ኣየነይቲ እምኒ’ያ ናይ ኤርትራ፡ ኣይነይቲ እምኒ’ያ ናይ ትግራይ ይፈልጥ’ዩ፡  እቲ ጽልኢ ኣብ መንጎ ክልተ መራሕቲ ዳኣ ኣምበር ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ኣይነበረን። ፕረዚደንት ኢሳያስ  ሕጂ ንህዝቢ ኣራጋጊጽሉ።  ኣሽሓት መንእሰይ ዝረገፉሉን ግዳይ ሳዋ ዝኾኑሉን፡ ሃገር ብኹሉ መለኪዒታት ማሲና ህዝቢ ኣብ ምጽናት ዝኸደሉ ኹሉ ንብላሽ’ዩ። ዘይዋሓጥ መሪር ከም ዕረ።

መንገዲ ኣየር ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ክኽፈት ተወሲኑ። እተን  ቀዳሞት ክልተ ነፈርቲ፡ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰበ ስልጣንን፡ ኣብ ኤርትራ ከዉፍሩ ዝደልዩ - investors - ነይሮማ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ እታ ቀደም ዝፈልጥዋ ኣስመራ፡ ርእሲ ከተማ ኤርትራ፡  ወይ ወሪኣ ዝነበሮም፡ እታ ህዝባ ንኢትዮጵያ ከይዱ ፋሕተርተር ኢሉ ኣብ ኤኮናሚያዊ ምዕበለ ኢትዮጵያ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ፡ ከቢሩን ተደልዩን ዝንበር ዝነበረ እዩ መሲልዎም። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ኣይኮነን።  ኣስመራ ጸጉራ ተላጽዩ፡ ገጻ ማዳ ተለቢጡ፡ ክዳና ኣሪጉ ተቃዳዲዱ፡ዕርቃና ወጺኡ፡ መብራህታ ውልዕ ጥፍእ ማያ ክይድ ምጽእ ኮይኑ፡ ደቃ ድማ መብዛሕትኦም ተሰዲዶም ተበታቲኖም ኣብኡ ኣይነበሩን።

ድሕሪ ነጻነት፡ ማእለያ ዘይብሉ ሰብ’ዩ ናብታ ዝፈትዋ ሀገሩ ተመሊሱ።  ብዙሓት ሰባት  በቢዓይነቶም ሰብ ሞያ፡ ከምኒ ሓኻይምን፡ ኢንጂነራታትን፡ መሃንዲሳትን፡ ሕርሻታት፡ ኢንዱስትርያታት ንምምዕባል ዕዙዝ ተራ ዝነበሮም ነይሮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ቀዳማይ ዕላማኣም ገንዘብ ምድላብ ዘይኮነስ ሃገር ንምህናጽ፡ ድኽነትን ድንቁርናን ንምምካት/ንምጥፋእ’ዩ ነይሩ። ኮይኑ ግን፡ ሕልሞም/መደቦም ክግሃድ ኣይከኣለን። እቲ ፖሊሲ ናይ መንግስቲ፡ ንነጻ ኣታሓሳስባን፡ ንትምሃርትን፡ ኩሉ ዓይነት ምዕባለ -  ሰባውን ቁጠባውን -  ዘታባብዕ ኣይነበረን። መንግስቲ ዋና ስርሑ ፍትሓዊ ምምሕዳር ዘይኮነስ ዲቅ ዝበለ ነጋዲ ኮይኑ። መሃንዲሳት መጣፋፍእቲ፡ ወነንትን መማዕበልትን ኢንዱስትርያታት ሰረቅቲ ተባሂሎም፡ ኪድን ኣይትበሎ ከም ዝኸይድን ግበሮ ኮይኑ በብሓደ ተስፋ ዝገበሩላ ዓዶም ገዲፎም ከይዶም፡  ኮይኑ ድማ ጽርግያታትን፡ ህንጻታትን ናይ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ እማዕቢሎም።  ኤርትራ እታ ውሑድ ህዝባ ንደቃ ጥራይ ዘይኮነ ንኻልእ’ውን ትኸውን ሃገር’ያ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ሰላም ሃዋህው ተፈጢሩ ኣሎ፡  መንግስቲ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ክገብር  ንትስፎ።  ብዛዕባ ሕሉፍ ምንም ዝግበር የለን፡ ከም ህዝቢ ግን ጌጋታትና ካልኣይ ከይድግም ካብ ጌጋታትና  ክንምሃር፡ ጽቡቅ ነይሩና እንተኾነ ነቲ ጽቡቅ ብዝበለጸ ምትግባር፡ ይቅረ ምብህሃል፡ ፍቅርን ፍትሕን መሎዮና ክኸውን  ርእስና ክንልውጥ ኣለና።ለውጢ ድማ መጀመርታ ብርእስኻ’ዩ ዝጅመር። ሀገር ብውልቀ ሰብ ብሓንቲ ስድራ’ያ ትጅምር፡ እኩባት ስድራቤታት ድማየን ሃገር ዝገብራ። ኣሽሓት መንእሰያት፡ ኣድማዒ ትምሃርቲ ዘይተማህሩ፡  ግዳይ ሳዋ ዝኾኑ፡ ፍቅርን መሪሕነት ወለድን ዝተሓርሞም፡ንቡዙሕ ሕማቅ ዝተቃልዑ ከም ዘልውና ኣይንረስዕ።  ሕልናዊ ትንሳኤ፡ ንኤኮኒሚያው ምዕባለ ትቅድማ ሙዃና ብቀጻሊ ንዘክር።

 

እብምኣር ንሎሚ ዘረባይ ኣብዚኣ ክዓጹ። ዘላዓለማዊ ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ንኣምላኽና ይኹን፡  

ኣሜን።

ኣበባ