7/17/2018

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡

ከመይ ኢልክን ቀኒኽን፡ ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም፡  ኣነ እግዚኣቢሄር ይመስገን ጽቡቅ ኣሎኹ።

እምብኣር ሎሚ “ታኣምራታዊ ተዋስኦ ክመስል፡ መርዓ ምስ ሸብዳዕዳዑ፡ ፈኾስኮሱ ምስ ጽራይ ስዋ፡ ምስ ሜሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጽቡቅ ሓሊፉ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድማ ንጉሰ ነገስት ናይ ኢትዮጵያ ክመስል: ጊዚኡ ዝሓለፈ ዘውዲ ደፊኡ፡ ካብ ለቢሱ” ትብል ኣርእስቲ ሒዘ እንሆ ቀሪበ ኣሎኹ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ምዕራባውያን፡ ኣብ መንጎ ክልተ እንዳ’ሓሙ ብዘይካ እቶም ወለድን ኣሕዋትን ኣዝዮም ቀረባ ቤተሰብ፡ ናይ ሰበይትን ሰብኣይን ክሳብ ክንድዚ ዝምድንኦም ዱልዱል ኣይኮነን ክብሃል ይከኣል። ኣብ ሃገርና ድሕሪ መርዓ፡ ስድራ ቤት ክልቲኦም መራዓውቲ ኣዝዮም ይቃረቡ “ጅርና ጠጢዑ፡ ተባዚሕና ከም ሓደ ስድራ ቤት ኮይና” ድማ ይብሉ። እወ ስድራ ቤት ዘይኮነስ፡ ከም ሓደ ስድራቤት እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ንምሳሌ እንዳቦይ ዓንዱን፡ እንዳቦይ ተኽሉን ዝባህሉ ስድራቤታት ወደን ጓልን እንተዝዋሃሃቡ፡  ምእንቲ ሓደ ስድራ ክኾኑ፡ እንዳቦይ ዓንዱ ምስ እንዳቦይ ተኽሉ ተደሚሮም፡ እንዳቦይ ተኽሉ ኣይብሃሉን’ዮም ወይ ድማ እንዳቦይ ተኽሉ ምስ እንዳቦይ ዓንዱ ተደሚሮም እንዳቦይ ዓንዱ ኣይብሃሉን’ዮም።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ዶክቶር ኣብይ ከምዚ ንርእዮ ዘለና: መንገዲ ሰላም ድልየቱን፡ ሰላም ናይ ምስፋን ክእለቱን ብግብሪ ኣርእዩ። እሱራት ፈቲሑ፡ ኣብ ደገ ኮይኖም ኣንጻር መንግስቲ ዝቃለሱ ዝነበሩ፡ “ዓድኹም ኣቲኹም ተቃለሱ፡” ኢሉ።  ከምኡውን “ሓደ ኢትዮጵያዊ ተኣሲሩ ማለት ምልእቲ ኢትዮጵያ ተኣሲራ ማለት’ዩ” ኢሉ ኣብ ስዑዲ ተኣሲሩ ዝነበረ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣፍቲሑ። “ድሕሪ ሕጂ ምስጢር ዝብሃል የለን፡ መንግስቲ ዝገብሮ ግልጺ ክኸውን ኣለዎ፡ መንግስቲ ንህዝቢ ከግልግል ድኣ’ዩ ዝግባእ እምበር፡ ህዝቢ ንመንግስቲ ከገልግል ኣይግባእን” ድማ ኢሉ። ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ ፓርላማ ኣኼባታት ድማ፡ ሓደ ካብቲ ንዝቀረበሉ ሕቶታት መልሲ ክህበ ከሎ፡ “ሽብር ማለት እንታይ ማለት’ዩ ኣሸባሪ’ኸ መን’ዩ  ኢልና እንተሓቲትና፡ ሽብር ማለት ስልጣን ሒዝካ፡ ኣብ ስልጣን ክትጸንሕ ኢልካ ብ ኢ-ሕገ-መንግስታዊ ዝኾነ ኣገባብ ሓይሊ ከይተረፈ ምጥቃም የጣቃልል። ሕጊ መንግስቲ ካብ ናይ ፓርቲ  ጠቅሚ ይኹን፡ ካልእ ጠቅምታት ነጻ ዝኾነ ንኹሉ ዘግልግል  ሕጊ’ዩ።  ሕገ-መንግስቲ ንእሱር ቀጥቅጦ፡ ኣብ ጸልማት ግበሮ ኣይብልን’ዩ። ንሕና ከም  መንግስቲ ከምኡ ምስ ንገበር ንባዕልና ኣሸበርቲ ኢና” ኢሉ። 

ሕገ-መንግስቲ - ቅዋም - ኩላትና ከም ንፈልጦ፡ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ዝግበር ውዕል ብሰለስተ ኣዕኑድ ዝቆመ’ዩ - ማለት ፈጻሚ ኣካል - ዉሳኔታትን ፖሊሲታትን ናይ ሀገር ዘተግብር፡ ሕግን ጸጥታን ዝሕሉ፡ ሓጋጊ ኣካል - ወኪል ናይ ህዝቢ ኮይኑ ሕጊ ዘውጽእ፡ እቲ ፍትሓዊ ኣካል ድማ ፈጻሚ ኣካል ቀይዲ ከይበትኽ ሕጊ ተኸቲሉ ፍርዲ/ፍትሒ ዝህብ’ዩ።  ናይ ኢርትራ ሕገ-መንግስት  እሳራርሐ - process - ህዝቢ ዝተኻፈሎ’ዩ:  እቲ ዝተነድፈ ቅዋም ብሕጊ ንቅዋም ከጽድቅ ዝቆመ -  ህዝባዊ ባይቶ -Constituent Assembly ዝጸደቀ’ዩ:  እዚ ባይቶ’ዚ  በዞም ዝስዕቡ ዝቆም’ዩ።
ካብ ፓርላማ 75፡ ካብተን 6 regional Assemblies (386) ወከልቲ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን 75. ኩሉ ኩሎም 536 ነይሮም።  እዞም ወከልቲ ህዝቢ እዚኣቶም ተኻቲዖም ድማ እዮም ነቲ እተነድፈ ቅዋም ዘጽደቅዎ።  ፍጹም ዝብሃል ቅዋም የለን።  ንህዝቢ ከገልግል ኣብ ግብርን ኣታጋባብራን ድማ፡ ተታዓርዮ፡ ተማሓይሾ፡ ወይ ትልውጦ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ነቲ ተነዲፉ ህዝቢ ዘጽደቆ ቅዋም፡ ፕረዚደንት ኢሳይስ ኣፈወርቂ ፈጺሙ ከተግብሮ ኣይደለየን።  ጻዕዳ ሓሶት፡ ምጥቋስ፡ ጭካኔ ዝዓብለሎ ናይ ነዊሕ ጊዜ ዝተጠቀመሉ ስልቲ ገይሩ ድማ ስልጣን ንህዝቢ ንሃብ፡ ቅዋም ይተግበር ንዝበሉ መሳርሕቱ ኣሲርዎም፡ ጋዜጣኝታትን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ተማህሮን፡ መማሃራን፡ ነጋዶን ድማ ሽዑን፡ ብድሕሪኡን ኣስዒብዎም። 

ፕረዚደንት  ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ቅሩብ ናይ ሰብ ኣታሓሳስባን፡ ንእሽቶ ሕልናን እንተዝነብሮ፡ እዛ ዓለም እዚኣ ንግዚኡ ትጥቀመላ እምበር ንዘለኣለም ዘይትነብረላ ሙዃና እንተዝግንዘብ፡  ድሕሪ ነጻነት ቁሩብ ዓመታት መሪሑ ኣብ ጥሮታ ምኣተወ። ክብረት ድኣ ኣይፈልጦን እዩ’ምበር ክንደይ ምኸበረ።  ቅዋም ኣብ ግብሪ እንተድኣ ዊዒሉ፡ ከም ተራ ዜጋ ክኸውን’ዩ። ሙሉእ ዕድሚኡ ኣገባቡ ብዘይኣገድስ ኣብ ስልጣን ክነብር ስለ ዝደለየ፡ ቅዋም ጸላኢኡ ኮይንዎ። እንሆ፡ ኣነ ራእሲ፡ ኣነ ንጉስ፡ ኣነ ሕጊ፡ ኣነ መራሒ እየ።  እቲ ባሕሪ ባሕረይ፡ እቲ መሬት መሪተይ፡ ከም ዝመስለኒ ዝሸጦ ዝልውጦ፡ ዝዕድሎ፡ እቲ ህዝቢ ናተይ ከም ድላየይ ዘካላብቶ፡ እንተደልየ ይኣስሮ፡ የሕቅቆ፡ እንተደልየ ኣብ ዉግእ ነቆተ ኣደዳ ሞቱን ኩሉ ዓይነት ስቅያተን ይገብሮ፡ ከም ንጉስ ኮይነ ዝቅመጠለ ዓባይ  ኢትዮጵያ ኣላቲኒ ኢሉ ዝተኣመማነ ክምስል፡ ብዘሕፍር፡ ቀዝበዝብን፡ ሸብዳዕዳን መንገዲ ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ኣራጋጊጹ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ሓደ ዓብይ ነገር ዝስሐቶ ኣሎ።  ኢትዮጵያ ንድሕሪት ክትምለስ ዘይኽእላ ዓለም ዝመስከረሎ ዓቢ ለውጢ ጌራ’ያ - ብኣራኣእያ፡ ብፖለቲካ፡ ብኤኮኖሚ።  እቶም ጸሊእዎም ዘጸልሞም ዘሎ፡ መንኮርኮር ናይዚ ለውጢ’ዚ እዮም።  ንትግራይ ጥራይ ዘይኮነ ንኢትዮጵያ ብምልእታ ሓራ ከውጽኡ እዮም፡ ኣሽሓት በራውር ደቆም ዝኸፈሉ።   ንኣማኢት ዓመታት ዝተጨቆነ ህዝቢ፡ ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣብቲ ናይ ብሓቂ ሰላምን ምውህሃድን ክመጽእ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ግን እቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ኣዎንታዊ ለውጢ’ሞ ንግዚኡ ንረስዓዮ፡ ኢትዮጵያ ካብ ደርጊ ተላቂቃ፡ እዚ ስርዓት እዚ ስልጣን ካብ ዝሕዝ፡ እንሆ ሰልሳይ መራሒ ተቀይሩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡  ናይ ዶክቶር ኣብይ ኣሕመድ ተኸቲሉ፡  እሱራት እንተዝፈትሕ። እቶም ዝሞቱ ዝሐቀቁ ድማ ስሞም ነጊሩ፡  ማኣስ ሞይቶም፡ ብከምይ ሞይቶም፡ ኣበየናይ ቦታ ተቂቢሮም እንተዝነግር፡  እዚ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ቀደምን ሎምን ስደተኛ ንዓዱ ክምለስ እንተዘፍቅድ፡ ናይ ሳዋ መንእሰይ ትምህርቱን፡  ሰላማዊ ህይወትን ክገብር፡ ነጻ እንተዝገድፎም፡   ሽያጥ ኣዋርቅን፡ ካልእ ክቡር ማዕድናትን፡ ብቢልዮናት ዝግመት እንሆ ገንዘበኩም ገንዘብ ህዝቢ ኢሉ እንተዝመልስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ገበነይ ደረት የብሉን ግን ይቅረ በሉለይ እንተዝብል፡ ብሕልፊ ድማ ባዕሉን ብሓለፍቲ ሳዋን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኢርትራ ዝፈጸሞ ናይ ገበን ገበን፡ ንኹሉ ዓይነት መከራ ዘቃልዔን ይቅረ በላለይ እንተዝብል፡ ከም ኣጋላልጻ ዶክቶር ኣብይ ብሓቂ አነ ካብ ኣሸባሪ ንላዕሊ’የ እንተዝብል፡ ኣነ በዛ ርእሰይ፡ ከም ሓንቲ ውልቀ ሰብ ኤርትራዊት፡ ጥራይ ቅዋምና ውዓል ሕደር ዘይብሉ ኣብ ግብሪ ይውዓለልና እምበር፡ ገበንካ ካብ ይቅረታ ንላዕሊ እዩ፡ ግን ይቅረ ይኹንካ ምበልክዎ። ኮይኑ ግን፡ ይቅረ ተባሂሉ ኣብ ስልጣኑ ክምለስ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ርእሱ ዕድመ ደፊኡ’ዩ፡  ዘስተንፍሶ ዝነበረ ኣየር ከይተረፈ ሒዙ ብስላም ንኤርትራ ገዲፍዎ፡ ኣብ ዝተቀብልዎ ዓዲ ምኻድ’ዩ።   ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤትፍርዲ እንተዝቅረብ፡ ሓደ ሞት ዘይኮነስ 100 ሞት ምተፈርደ። ንሕና ኤርትራውያን፡ ደምና ስለ ዝውሓዘ፡  ናይ ሕልፈትካ ምእሳርን ወይ ካልእ መቅጻዕትን ድኣምበር ናይ ሞት ፍርዲ ከይነብረና ሃረርታይን ትምኒተይን እዩ።  ስለዚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ርእሲ እቲ ሐውናን፡ ዉላድናን ኢሉ ዕልል እናበለ ተቀቢሉ ዘኽበሮ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ስቅያትን፡ ሞትን ህልቂትን  ዘፈጸሞ ምኽንያታት እሱር ኮይኑ፡ ናይ መሰል እሱር ተሐሊዉሉ መጽሓፍ እንተዝጽሕፍ፡ ንኤርትራን ዓለምን ምጠቀመ ዝብል ኣራኣእያ ኣሎኒ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡  ኢሳያስ ኢሳያስ’ዩ፡  ኣብዚ ዘብጻሕናዮ ድማ ፈቲና ጸሊእና ንሕና ኢና። ክሳብ ከምዚ ኢሉ ዝሻድን፡ ክሳብ ኒዒቁ ጡፍ ዝበለና ስቅ ኢልና። በቢሓደ በቢጉጅለ ክንብድሆ ቅልቅል ህልም ንብል ካብኡ ሓሊፉ ግን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተዋሃሂድና ኣይገጠምናዮን። ናይ ወታሃደር  ክዳን ተኺዲኑ፡ ጸሊም መነጸር ጌይሩ፡ እተን ናይ ሂትለር ዝመስላ ሙሽታሹ ኣጸሊሙ ልኽት እናበለ እዩ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ መብዛሕትኡ ጊዜ ዝዛረብ፡ ትማሊ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ከደ ግን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሽኽታን ሰሓቅን ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣርእዩ፡ ኣብ ዓዲ ምስ ኣተወ ግን ኣብ ምጽዋግ ተመሊሱ።  እቶም መሳርሕቱ ጀነረላትን ኮለነላትን፡ ብሕልፊ እቶም ገዲማት፡ ካብ ድቃሶም ተባራቢሮም፡ በታ ዝወጻእካያ ጥፋእ ንስኻ መጥፍእ ህዝቢ ኢኻ ንዓና እውን ለከምካና፡ ህዝቢ ኤርትራ ይቅረ በለልና ኢሎም ስልጣን  ኣብ ህዝቢ ድኣ እምበር ኣብ ኢድ ሰብ ጠበንጃን  ኣብ ኢድ  ትምክሕተኛታትን ከም ዘይወድቅ ጌሮም ድሓር ንርእሶም ሰላሕ ኢሎም ብሰላም ክወጹ፡ ከምይ ሊላይ ምኾነ፡ ክሳዕ መወዳእታ ምስኡ ጠጥው ዝብሉ እዮም ዝመስሉ ዘለው።

ብዝኾነ ናይቲ ብደም ህዝቢ ኤርትራ የእዳው ዝጨቀዋ፡ ምስቲ ጠገለ  ዘይብሉ ሰሓቅን ፈሽኮልኮሉን ናይ ኢሳያስ  ኣይኮነን ዘገርም፡ ዘተሓሳስባን ዘግርምሲ፡ ናይ ዶክቶር ኣብይ እዩ። ፈቲና ጺሊእና መንግስቲ ምስ መንግስቲ እዩ ዝራኸብ ግን፡ ኢሳያስ ኢ-ሰብኣዊነት crime against humanity ከም ዝፈጸመ ይፈልጥ’ዩ። ፍትሒ ዘይኮነስ ጠቅመይ ጠቅምካ ኮይኑ እምበር ኢሳያስ ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ዓለም ቀሪቡ ክፍረድ እዩ ዝግብኦ ኔይሩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ውዕል ኣልጀሪስ ከም ዘለዎ ተቀቢልናዮ ኣሎና ኢሉ ከብቅዕ፡ ዶክቶር ኣብይ ኣብ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ስራሕ ከይኣቱ -  ዋላ ኢሳያስ ዕጥይጥይ እንተበለ-  ኣብ ምድማርን ምጉዳልን ኣትዩ።  ምድማር ዓሰብ’ያ ኢልዋ። ዓሰብ ይጠቀሙላ ድኣ እምበር ክትድመር ኣይትከኣልን እያ፡ ኣይትድመርን ድማ እያ።  “ኤርትራ ባሕራ እምበር ህዝባ ኣይኮነን ዘድልየና” ኢሎም ዓው ኢሎም ተዛሪቦም ዝብልዎም  ሃጸይ ሃይለ ስላሴ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እዚ ኣታሓሳስባ እዚ ኣሕዲሮሙሎም እዮም። ባሕርና ኣንኳዶ ሐውናን ጎሬቤትናን ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሙሉእ ዓለም እንተተጠቅመሉ ረብሓና እዩ፡ ግን ኣጣቃቅማ ሕግን ስርዓትን ኣለዎ።  ኢትዮጵያውን ንነብሴሄር መልሰ ዜናዊ ንኤርትራ ሂብካያ ኢሎም ምስ ከሰስዎ፡  ንሱ ድማ ኤርትራ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ከም ዝኾነትን፡ ኤርትራውያን ባዕሎም ተዋጊኦም ከም ዝመለስዋን፡ እንተደልዮም ብረት ሒዞም ክዋግኡ ከም ዝኽእሉን ብርግእ ዝበለ ኣዛራርባ ነጊርዎም። ተወዲኡ።  ዶክቶር ኣብይ ምጉዳል ዝበሎ ድማ እቲ ጽልእን ገለን እዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጠሬጰዛ ኮፍ ኢልካ ክፍታሕ ዝከኣል፡ ኣይከውንን’ዩ ምስ ተባህለ እዩ ብረት ክዓጥቅ ዝተገደደ። ኣብ ፍቅርን፡ ሕግን፡ ስነስርዓትን ድኣ እምበር ኣብ ጠመንጃን ምቅትታልን ከም ዘይኣምን ታሪኽ ይነግረሉ’ዩ፡ ብዛዕባዚ ህዝቢ ኤርትራ ይምህር እምበር ኣይምሃርን’ዩ። ንሕና ኤርትራውያን ኣይኮናን ምስተ ኩለን ጎረባብትና ዝተጋጨና፡ ኢሳያስ ብግስ ከይበለ ኣትሒዙ ባህሪኡ ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዩ ተጋጭዩ።  ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽልኡ ምስቲ ህዝቢ ዘይመረጾ ኣብ ናይ ስልጣን ኮርሻ ተወጢሑ ንህዝቢ ዘሳቅዮን ማዕረ ናብ ምጽናት ገጹ ዘኪዶ ዘሎን ጨካን ኢሳያስ አፈወርቂ ምስ ዝንዕቆም ሰዓብቱን እዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኩነታት ንርእዮ ኣለና፡ ስለዚ ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ፡ ሕጂ ኢሳይስ ይውረድልና ኣይኮነን እቲ ዘረባና ክኽውን ዘለዎ፡ እንታይ ድኣ  ከምቲ ብዙሕ ህዝቢ ዝብሎ ዘሎ፡ ውዓል ሕደር ከይተባህለ፡ ዓለም ብዝፈልጦ መንገዲ፡ እሱራትና  ፍትሓልና፡ ዶብና ብናይ ውዕል ኣልጀሪስ መሰረት ይተሓንጸጽልና፡ ንዶብ ዝሕልዉ ዘለው፡ ደቅና ዓዶም ኣትዮም ሰላማዊ ናብርኦም ይግብሩልና፡  ኣንጻር መንግትስቲ ኢኹም ተባሂሎም፡ ካብ ሃገሮም ዝተሰጉ፡ ዓዶም ይመለሱልና፡ ኢልና ኢና ክንጅምር ዝግባኣና። ከምኡ እናበልና ድማ እቲ ቀደም ክንገብሮ ዝግባኣና ዝነበረ ሕብረት ጌርካ ናይ ገዛ ስራሕ - home work - ምግባር እዩ። ብ እዋይ ንሕና ክሳብ ከምዚ ዲና ተሃሚልና ኢልና ምጉሃይ ዘይኮነስ፡  ብኻብ ኣብ ደልሃመት ዘእተወና ጌጋታት ምምሃርን፡ ብምርርዳእን፡ ሕድገታትን፡ብ ቀልጢፍና ካብ ድኽነትን ድንቁርናን ንወጸሉ መንገዲ ብህጹጽ ምድላይን እዩ። ከምቲ ንጉስ ናይ ህንዲ ንዝፈትዋ ሰበይቱ ንዝኽራ ክሳብ ሕጂ ንዓለም ዘደንቅ ብ ታጅማሃል ዝፍለጥ ህንጻ ከስርሕ ከሎ “ ልቡ ተመሲጡ የዕጽምታ ዝሓዘ ሳንድቁ ኣበይ ከም ዘቀመጦ ዝጠፍኦ፡ ንሕና ድማ ብኹሉ መዳይ ንቅድሚት ክንደፍእ ክንብል ፍትሓን፡  ፍቅርን ከይጠፍኣና ምጥንቃቅ የድልየና። ዶክቶር ኣብይ መንግስቲ ንህዝቢ ከገልግል እምበር ህዝቢ ንመንግስቲ ከገልግል ኣይኮነን ኢሉ። ድሕሪ ሕጂ መንግስቲ ዝበሎ ኩሉ ግሉጽ ክኽውን እዩ ኢሉ ድማ ወሲኹሉ።  እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ፈሽኮልኮል ኢሉ ልክዕ ከም መስሓቅ መዛናግዒ -  clown -  ዝኾነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ትረፍያ ከምኡ ክገብር፡ ኣብ ኤርትራ ክኣቱን ክጽወግን ሓደ ኮይኑ። ህዝቢ ኤርትራ ከምኡ ኢሉ ብኢሳያስ ተጨቁኑ ክንበር ኣይኮነን። ኣብ ውሽጣ ሰላም ዘይብላ ጭቁንቲ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ሰላም ክትሃባ ኣይትኽእልን እያ፡ ዶክቶር ኣብይ እዚ ክግንዘቦ ክህሉ ተስፋ እገብር። ዝተደጎለ ሓውስ ዝጠፍኤ ይመስል፡ እቲ ዝበዝሔ ህዝቢ ኤርትራ እንተሰሓቀ ከብዱ ሕመሙስ’ዩ።   ሕድሪ ስውኣትና ኣይክጥለምን’ዩ’። ህዝቢ ኤርትራ ነጻነቱን ሓርነቱን ክጓናጸፍ እዚ ኹሉ ዓይነት መስዋእትታት ዝኸፈሎ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ሰላምን ራህዋን ረኪብና ብኹሉ መዳያት ክንጽጉ እዩ ዝግባኣና ነይሩ፡ ግን እንሆ ኣቦታትና ቅስሞም ተሰቢሩ፡ ኣዴታትና ለመንቲ ኮይነን፡  ኣዋልድና ክብረን ተጋሂሱ፡ ኣብ ድኽነትን ስደትን፡ ብቀሊሉ ዘይወጽእ ዓዘቅቲ ሓዘን ኣትየን፡ ኣወዳትና ድማ ጅሆ ተታሒዞም ኣብ ሳዋ ሓውሲ ባሮት ኮይኖም።

 ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፈ ሓሊፉ’ዩ ኣምላኽና ሒዝና እቲ አቀዲመ ዝዘርዘርክዎ ፡ ኩላትና እንብሎን እንደልዮን ዘለና፡ ንዶክቶር ኣብይ ተኸቲሉ  ኢሳይስ ክግብሮ ዘለዎ ቀልጢፍና እናፍለጥና፡ ምጥርንፍናን ናይ ዕዮ ገዛናን - home work -ነሳላስል።

እምበኣር ዘረባይ ኣብዚኣ ክዓጹ’የ።

ሰላም ኣብ ዉሽጢ ነብሲወከፍ ልብና፡ ሰላም ኣብ ሃገርና፡ ሰላም ምስ ጎረባብታና፡ ሰላም ኣብ ዓለም የምጽኣልና። ክብርን ምስጋናን ወትሮ ንዕኡ ንኣምላኽና ይኹን።  ኣሜን

የቀንየለይ

ኣበባ