ክቡር ሕዝቢ ኤርትር፡ ክቡራት ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡ ከመይ ኢልክን ቀኒኽን፡ ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ይመስገን ጽቡቅ ኣለኹ፡ እምበር ሎሚ ምስዚ ዘለናዮ ኩነታት ዝኸይድ መልእኽተይ ከመሓላልፍ እንሆ ቀሪበ ኣሎኹ።

እዚ ኹሉ መስዋእቲ፡ እዚ ኹሉ ስቃይ: እዚ ኹሉ ስደት: እዚ ኹሉ ደኽነት ምፍልላይ ስድረቤት ምኽንያት ኣይነበሮን ብዘይካ ናፍቆት ሰላም፡ ናፍቆት ራህዋ፡ ናፍቆት ፍትሒ፡ ናፍቆት ሓርነት።

ዓቢ ምስ ንእሽtቶ፡ ጓል ምስ ወዲ፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ን30 ዓመታት ዝኣክል መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ሃይ ከይበለ ዝነበሮ ናይ ኩናት፡ ሕሰም ረሲዑ ንቅሚት ድኣ ንርኤ እናበለ፡

ግንቦት 1991 ደበኽ ኢላ፡ ሓጎስ ኮይኑ መለክዒ ዘይብሉ መግለጺ ተሳኢኑ “ኣንታ እምበር’ዶ ሓቂ’ዩ፡ ውጊሑ ካን ወጊሑ” ተባሂሉ።

ኣብ ኩሉ ጎዶናታት ጽርግያታት ክዕለል፡ ክዝለል፡ ከበሮ ክድሰቅ ምስ ቀነየ፡ ከፊትዎ ዝኸደ ገዛ ምስተመልሶ፡ ሽዑ’ዮም ወለዲ ደቆም ”ንህዝበይ ንሃገረይ ክስዋእ’የ” ኢሎም ከም ዝኸዱ ዝዘከሩ ከምዘይተመልሱ ድማ ዝተረድኦም ዝኣመኑ።

ወለዲ ደቆም ንዕላማ ማለት ንሰላምን ራህዋን ህዝቢ ክስዉኡ ከለው ከመይ ዘይኮርዑ፡ ግን ጽምዋን ናፍቆትን ድማ ነይሩ ምስኡ።

እወ ወለዲ ከመይ ዘይጽምዎም ዘይናፍቁ፡ ምስቲ ጽምዋን ናፍቆትን፡ ሕሰምን ድኽነትን እንድዩ መጺኡ።

ቆፋፉ እኽሊ ሲኢኑ ጥራዩ ኮይኑ፡ ደምበ ድማ እምባሕ እምባሕ ዝብላ ከብቲ፡  ዝጦባ ዝዕንድራ ምራኻታውቲ፡ መሓስኣት፡ ዕያታውቲ ተሓሪሙ፡ ኣይ ከምዚ ኹሉ ብኹሉ ኹሉ ጽምዋ እንድዩ ኮይኑ።

ኣስመራ ርእሲ ከተማና፡ ካብ ርሑቁን ቀረባን ዝተኣኻኸበላ ዝምሃረላ ዝሰርሓላ፡ ሸቃለይ ሽቅል ዊዒሉ፡ ነጋዳይ ንግድ ዊዑሉ ገዝኡ ዝኣትወላ፡ ቀዳመ ሰንበት ምስ ጥልያን፡ ግሪኽ፡ ህንዲ፡  ኣመሪካ እንጊለዝ ሓቢሩ፡ እንዳ ሻሂ እንዳ ቡን ኣትዩ ወኻዕካዕ ዝብለለ፡ ነጻነት ምስ ተረኽበ ጸምያ፡ ተድዊና ጸኒሓቶ። ተቃማጣይ፡ ኣብ ገድለን፡ ስደትን ፋሕ ብትን ኢሉ፡ ዝሸምገለ ወይ ዓራት ወይ ምርኩስ ሒዙ፡ ወይ ድማ ብጽምዋ ብናፍቆት፡ ቀባራይ’ኳ ብዙሕ ኣይነበረን ሞይቱ። እወ ርእሲ ከተማና ሃሲሳ ተደዊና ብጦርሰራዊት ተወኒና፡ ወዮ ካፒቹኖ ተመሊሱ ኣብ ፈርኔሎ ጀባና።

ደቂ ኣንስትዮ ኣዴታት ጽላል ንደቀን  ዓንዲ ሕቆ  ገድለን ዝኾና፡ ጽንጽንታ’ኳ እንተነበረን፡ ማዓናጥኤን ሸጥ ኣቢለን “ድሓን” እናበላ ጸኒሔን፡ ደቅኽን ተሰዊኦም እምበረ ኣይሞቱን፡ ከይትበኽያ ምስ ተባህላ፡ ዝወለደት ማህጸን ዓው ኢለን ከይበኽያ፡ ደቀይ ደቀይ ዋይ ደቀይ ዋይ ደቅና ከይብላ ከይወጸለን፡ ጓሂ ሓዘን ኣብ ከብደን ኣጉሉ፡ ከምዚ ኹሉ በብዓይነቱ ሕማማት ኣኸቲሉ።

ወይ ንሕና ኤርትራውያን መከረኛታት ዘይንረኽቦ ዘይብልና፡ እዚ ጥራይ ማኣስ ኮይኑ፡  ስንኩላን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ እወ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ፈለምቲ  ገድልና፡ ነጻነት ምስ ተረኽበ፡ ፍቃድ’ኳ ዘየድሊ እንተነበረ፡ ዓድና ክንኣቱ ምስ በሉ፡ ከም ዘይኤርትራውያን ከም ዘይተጋደሉ ከም ዘይሰንከሉ፡ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዝምራሕ ህግደፍ ናህና ይኣኽሉና ተባሂሎም  ኣብዘለኹሞ ጽንሑ።   ንሳቶም ክልተ ሳዕ ተወጺዖም፡ እቲ ምእንቲ ሰላሙ፡ ሓርነቱ ራህውኡ፡ ዝተሰውኡሉ ዝሰንከሉሉ እንተዝሓልፈሉ “ድሓን ከም ሻምና” ምበሉ፡ ከምይ ጌሮምን ግን ከም ሻሙ ክብሉ። ዕድል ጌይሮም ስንኩላን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዓዲ ኣትዮም፡ መሰረታዊ መሰሎም ምስ ሓተቱ ግን ብዘይ ንሕስያ ተሪሺኖም። ፕርዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ኣመሉ፡ ሓላፍነት ናይዚ ቅትለት’ዚ ንኻልኦት ኣሰኪሙ።

ኩናት ምስ ተውልዔ ምስ ኣሕዋትና ዝኾነ ጎረባብትና፡  ኢሳያስ ተወሪርና ምስ በለ “30 ዓመታት ዝኣክል ንሜራትና፡ ንራህዋናን ሰላምናን ኢልና ተዋጊእና፡  ኣብ ሕጂ በጺሕና’ዶ ክንደክም ሃየ ድኣ” ኢሉ ንውግእ ኣትዮዋ።

 ክቡር፡ ዉጽዕ፡ ግዱዕ ህዝቢ ኤርትራ፡  ሕጂ ግን እቲ ኩናት ናይ ዶብ ከም ዘይነበረ ብዘይኣዋላውል ተራጋጊጹ። ዶክቶር ኣብይ ኣሕመድ ሰላም ኢና ንደሊ፡ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ከም ዘለዎ ንቅበሎ ኣሎና ምስ በለ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ክልተ ሰሙን ዝኣክል መልሲ ኣይሃበን ኣጽቂጡ፡  ድሓር ከኣ  “ብመጀመርታ ናይ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ኢና ንደሊ”  ኢሉ።  ኣብዚ ኩናት እዚ፡ ልዕሊ 19 ሽሕ መንእሰይ ናይ ኤርትራ ዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ መንእሰይ ኢትዮጵያ ሃሊቁ። ኣብዚ ናይ 16 ዓመታት ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ግዝያት ህዝቢ  ኣብ ምጽናት መሬት ኣብ ምብዳም ዝኸደ ሓቂ ብሓቂ ንከንቱ እዩ ነይሩ።

ሕጂ ድማ ዶክትሮ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ኣፍሪቃ ብምልእታን ንሰላም እናጸውዔ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ብግስ ክይበለ ንህዝቢ ትግራይ፡ ነቲ ደርጊ ካብ ስልጣኑ ከውርድ ኣሽሓት ደቁ ዝኸፈለ፡ ሕጂ ድማ ሳዋ መሪርዎም ዓዶም ዝገደፉ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያትና ዘዕቆበ፡ ክም ጸላእቲ ኢትዮጵያ ገይሩ ኣቅሪቡ። ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ኣሕዋትን መዳውብቲ እምበር መጻልእቲ ኣይኮናን። ናይ ክልተ መራሕቲ ምትፍናን ድኣ’ምበ ናይ ህዝቢ ኣይኮነን ምቅሕሓር። ኣብቲ ጽዕጹዕ ናይ ዶብ ኩናት፡ ኣዴታት ተጋሩ ብጸልማት፡  ወታሃደራት ከይረኽብወን ሽልብ ግልብ እናበላ፡ ጸበል ኣብ ዝገበራሉ እዋን፡ እንጌርኤን ስውኤን ሒዘን፡ “እቱም ደቀና ምጾታት ዓለም ድኣ ኮይኑ እምበር ኣሕዋት’ዶ ደም ይፋሰሱ እዮም፡ የርህወልና ዳኣ እምበር  ንዓናስ ኩሉኹም ድቅና ኢኹም”  ኢለንየን። ዶክሮር ኣሕመድ ውዕል ኣልጀሪስ ካብ ተቀበለ ናይ ሰላም ምዝርራብ እናተግብረ፡ ዕላዊ ምሕንጻጽ demarcation እዩ ቀዳምነት ዝነበሮ።  ናይ ሕብሩት መንግስትታት ፍርዲ ምቅባል ሃይለስላሴ ብግብሪ እምበ ምስ በሉ፡ ፓርላማና ኣፍሪሶም፡ ቋንቋና ብቋንቁኦም ተኪኦም፡ ኡንዱስትርያታትና ንኢትዮጵያ ምስ ኣግዕዙ፡ 20 ሽሕ ወታሃደር ኣብ ኢርትራ ብሒም ዝበለ ይትሓጎም ዝብሉ ምስ ኣቀመጡ፡ 13 ጠቅላይ ግዝኣት ዝነበራ ኤርትራ ደሚሮም 14 እየን ኢሎም። ታሪኽ ስለ ዘለዋ እታ ምድማር፡ ትብል ቃል ኣነስ ዘይፈትዋ ስኽፍክፍ ትብለኒ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሕልፊ ህዝቢ ትግራይ መዳውብትና ጥራይ ዘይኮነ ሓውና እውን እዩ። ንደሊ ኢና ብሰላም ክንነብር ብንግድ፡ ብትምሃርቲ ብኹሉ ተዋሃሂድና፡ ግን ልኡላውነትና ተኸቢሩልና፡ ከክብርትና ሒዝና።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቅይ፡ ናይ 28 ዓመታት  ናይ ህዝቢ ስቅያት፡ ድኽንነት፡ ብርነት፡ ስደት፡ ማእሰርቲ፡ ሞት  ሓላፍነቱ ብኢሳያስ ዝምራሕ ህግደፍ’ዩ። እንተኾኑ ገበነኛታት እቶም ኩላትና ንፈልጦም ብኣጻብዕቲ ዝቁጸሩ እዮም፡ እቲ ዝተረፈስ “ኣይበልናንዶ” ኣብ ክንዲ ምባል ፡ እንቋዕ ምስ ህዝብኻ ኮንካ ኢልካ ምሕቋፉ’ዩ። ኣቦታትና ኣዴታትና ጀጋኑ’ዮም ነይሮም። ጅግነነት ንውረስ። ጅግና ማለት ሴፍን ጠበንጃን ሒዙ ዘሽብር ከም ድላዩ ዝዓጽድ ዝቀትል  ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ እቲ ናይ ብሓቂ ጅግና፡ ጸላኢኡ ወይ ጸላኢኡ ዝመስል፡ ወይ ፈጺሙ ዘይቃደዎ ፡ሓቂ ሒዙ ፈታዊኡ ምስ ዝገብሮ እዩ።

እታ ኢ-ሰብኣውነት ብቀጻሊ ዝተፈጸምላ ሀገርና ኣብ ምጽናት ዝኸይድ ዘሎ ህዝባ፡ መሬታ ባዲሙ ተባሕጊጉ ዶረና ዝኾነ ሰላማን ክብራን ክንመልሳላ ንኽእል ኢና። መንእሰይ ኤርትራ በቲ ዝተኸፈሉሉ ዋጋ ኩሉ ዓይነት ራህዋን ሰላምን ክጓናጸፍ ነይርዎ። ብሕልፊ ድማ፡ እታ ንኹሉ ትጸዉር ወትሮ ግፍዕቲ ጓል ኣንስተይቲ። ብሓፈሽኡ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኣይነበረን ኢዱ። ብዝኾነ  ከምቲ ብርቱዕ ሓዊ ከተጥፍኦ ብርቱዕ ማይ ዘድልዮ፡  ከምኡ ድማ ንሓና፡ ሕጂ ንሰላም ዝኸውን ባይታ ሓቢርና እናንጸፍና፡ እዚ ስርዓት እዚ ብሰላም ካብ ስልጣኑ ዝወርደልና መንገዲ ሃሰስ እናበልና፡ እቲ ጉዳይ ናይ ኢትዮጳይን ኤርትራን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ድላዮም ክገብሩ ዝኽእሉ፡ ዝገብሩ እዋን ዘለው ጎባልል ከም ዘለውና ተገንዚብና ጊዜ ይቅድመና’ሎ፡ ልቦናን፡ ሕድገታትን፡ ምትሕልላይን፡ ፈሪሃ እግዚኣቢሄር ምስ ጸሎቱ፡ ጌርና እበርቲዕና ምስራሕ  ምውንጫፍ’ዩ ዘድልየና።  ንሰላምን ምርግጋእን ንኩሉ ዝሓቁፍ ኤኮኖሚያዊ ምዕባለን፡ እዘን ዝጠቀስክዎም ባህርያት እየን ዝቅድማ። እምበኣር ዘረባይ ኣብጺ ክዓጹ’የ፡

 ሰላም ኣብ ዉሽጢ ነብሲወከፍ ልብና፡ ሰላም ኣብ ሃገርና፡ ሰላም ምስ ጎረባብታና፡ ሰላም ኣብ ዓለም የምጽኣልና። ክብርን ምስጋናን ወትሮ ንዕኡ ንኣምላኽና ይኹን።  ኣሜን

የቀንየለይ

ኣበባ