July 2, 2018

እንተተዓቆርካስ ትሰምዕ ድኣ

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡

 ከምይ ኢልኩም ቀኒኹም፡ ከምይ ኢልክን ቀኒኽን፡  እነ እግዚኣብሄር ይመስግን ጽቡቅ ኣለኹ። እምባኣር ሎሚ እንተተዓቆርካስ ትሰምዕ ድኣ ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ እንሆ ቀሪበ ኣሎኹ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ብመሪሕነት ዶክቶር ኣብይ ኣሕምድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ለውጥታትን፡ ብፕረዚደንት ኢሳይስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰላም ጻዊዒት ዝሃቦ መልስን፡ ዝገብሮ ዘሎ ነገራትን ኩሉ ቆላሕታና ወሲዱ፡ ነገር ኣብ ምንታይ ይኸይድ ከም ዘሎ ነናትና ገምጋማት እናሃብና ንጽበ ዘለና ኮይኑ እስማዓኒ። 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ክልተ መዓልቲ ኣቢሉ ይገብር፡  ኣብ ኢንተርነት ብደምቤታት ኤርትውያን ሸፈፍ ኢለ ክሓልፍ ከለኹ፡ ኣብ ቅድሚት ታክሲ ተሰሪዔን፡ ሰብ ዘወር ዘውር እናበለ ክማሓላለፍ ዝርኣየሉ ቪድዮ ናይ ካተድራልን ምስኡ ዝኸይድ ድምጽታት፡ “መራሕቲ ናይ ክልቴኤን ሀገራት ዶክቶር ኣብይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ደላይቲ  ሰላም’ዮም ንሰላም ድማ ይሰርሑ ኣለው፡ ደጊም ሰላም ተረኽቢያ” ዝዓይነቱ ይስማዕ ነይሩ። ንሱ ጥራይ መኣስ ኮይኑ፡ ሓደ ሰብ ከም ዝነገረኒ፡ ኣብ ሶሻል ሚድያ፡ ሓደ ኤርትራዊ “ደጊም ሰላም መጺኣ እየ፡ ሓደ ጎደና ኣስመራ ብስም ዶክቶር ኣብይ፡ ሓደ ጎደና ኣዲስ ኣበባ ድማ ብስም ኢሳያስ አፈወርቂ“ እንተተስምየ ጽብቅ’ዩ” ኢሉ። ሓደ ካብቲ እንተተዓቆርካስ ትሰምዕ ድኣ ዘበለኒ እምብኣር እዚ’ዩ።

 ዶክተር ኣብይ “ናይ ኣልጀሪስ ውዕል ከም ዘለዎ ተቀቢልናዮ ኣለና፡ ምስ ኩለን ጎረባብትና ሰላም ንደሊ ኢና፡ ሽግር እንተሎ  ድሕሪ ሕጂ ብምዝራርብ ድኣምበር ብምቅታታል ክኽውን የብሉን፡ ናይ ጠበንጃ ጊዜ ደጊም ኣብቂዑ’ዩ፡” ኢሉ። ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ ፓርላማ ኣኼባታት ድማ፡ ሓደ ካብቲ ንዝቀረበሉ ሕቶታት መልሲ ክህበ ከሎ፡ “ሽብር ማለት እንታይ ማለት’ዩ ኣሸባሪ’ኸ መን’ዩ  ኢልና እንተሓቲትና፡ ሽብር ማለት ስልጣን ሒዝካ፡ ኣብ ስልጣን ክትጸንሕ ኢልካ ብ ኢ-ሕገ-መንግስታዊ ዝኾነ ኣገባብ ሓይሊ ከይተረፈ ምጥቃም የጣቃልል። ሕጊ መንግስቲ ካብ ናይ ፓርቲ  ጠቅሚ ይኹን፡ ካልእ ጠቅምታት ነጻ ዝኾነ ንኹሉ ዘግልግል  ሕጊ’ዩ።  ሕገ-መንግስቲ ንእሱር ቀጥቅጦ፡ ኣብ ጸልማት ግበሮ ኣይብልን’ዩ። ንሕና ከም  መንግስቲ ከምኡ ምስ ንገበር ንባዕልና ኣሸበርቲ ኢና” ኢሉ።  ዶክቶር ኣብይ ዓለም ብዝተደነቀሉ መንገዲ ናይ ሰላም ድልየቱን፡ ሰላም ናይ ምስፋን ክእለቱን ብግብሪ ኣርእዩ። እሱራት ፈቲሑ፡ ኣብ ደገ ኮይኖም ኣንጻር መንግስቲ ዝቃለሱ ዝነበሩ፡ “ዓድኹም ስለ ትፈትዉ ኢኹም ትቃለሱ ዘለኹም፡ ዓድኹም ኣቲኹም ተቃለሱ፡” ኢሉ።  ኣብ ኩለን ጠቅላይ ግዝኣታት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ዘይሩ ድልየቱን፡ ኣብ ሰላም ዘለዎ ነቅ ዘይብል እምነቱን፡ ጎረባብቲ ሀገራት ተኻባቢረን፡ ሓቢረን ምስ ዝሰርሓ፡ ጠቅሚ ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያን ከም ዝኾነ ገሊጹ። “ሓደ ኢትዮጵያዊ ተኣሲሩ ማለት ምልእቲ ኢትዮጵያ ተኣሲራ ማለት’ዩ “ ኢሉ ኣብ ስዑዲ ተኣሲሩ ዝነበረ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣፍቲሑ። “ድሕሪ ሕጂ ምስጢር ዝብሃል የለን፡ መንግስቲ ዝገብሮ ግልጺ ክኸውን ኣለዎ፡ መንግስቲ ንህዝቢ ከግልግል ድኣ’ዩ ዝግባእ እምበር፡ ህዝቢ ንመንግስቲ ከገልግል ኣይግባእን” ድማ ኢሉ። ሰብ ብቤቱ’ዩ ዝጅመር ኣብቲ ናይ መጀመርታ ኣብ ፓርላማ ዝሃቦ ዘረባ፡  ንዘዕበየቶ  ወላዲቱን፡ ንበዓልቲ ቤቱን ኣሚስጊኑ፡ ሽም ኣምላኽ ድማ ጸዊዑ። ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዋሳ ዕግርግር ተላዒሉ ገለ ሰባት ቤቶም ገዲፎም  ኣብ ቤተክርስትን ዝተዓቁቡ ክርእዮም ከይዱ፡ ኩነታቶም ኣሕዚንዎ መድያ እናርኣዮ ነቢዑ።

ክቡር ህዝቤ ኤርትራ፡ ሰላም ንደሊ ኢና ኣብ ዝብለሉ እዋን፡  ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ በቲ ድንቁርና ዝዓብለሎ፡ ዝንቡዕ ኣትሓሳስብኡ ንኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ከፊልዋ። ክፍላተ ሀገር ትግራይ፡ እቲ ጸላኢ መላእ ኢትዮጵያ ዝኸነ ደርግ ካብ ኮረሻ ስልጣን ምእላይ ህይወት ደቁ ዝኸፈለ፡  ከም  ኣካል ኢትዮጵያ ኣይረኣያን።  ተጺኒዑ ብሕጊ ዝጸደቀ ቅዋም ፕረዚደንት ኣየድልን’ዩ ኢሉ። ነቲ ዝተሰርቀ ናጽነቱን ዝተገፈ ክብሩን ንምምላስ 30 ዓመታት ተዋጊኡ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ፡  ካብ ኩናት ከዕርፍ ዝግብኦ፡ ምስ ሕወህት - ወያኔ - ተሃላሊኹ “ከርእየን’የ”  ኢሉ ኣብ ውጉእ ኣእትዩና፡ ብኽልቲኡ ወገን ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ሀሊቁ።  ዶብና ክንሕሉ ኣለና እናበለ ንዕኡ ጥራይ ዝገልግል ሰይጣንዊ ስርዓት ሚህዙ፡ ብጥቅሚ ዝእስሩ መጋበርያ ሰባት ዝንዕቆም ኣዋፊሩ፡ ሓንቲ ዩኒቨርስቲ ዓጽዩ፡ ን16 ዓመታት ዝኣክል መንእሰይ ብዘይ ትምህርቲ፡ ብዘይ ፍቅርን መሪሕነትን ወለዱን፡ ምሕብሓብ ህብረተሱብን፡ ብዘይ ጥዑይ መግቢ ኣብ በረኻ ሓውሲ ባሮትን፡ ግደ ድንቁርናን፡ ሕማምን፡ ማእሰርትን፡ ስድተን፡ ክፉእ ኣማውታ ሞትን  ገይሩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ዝጸብጸብክዎ ሓሳረ መከራን ህልቂትን ተወሳኺ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ተማሂረን፡ ኣብ ምህናጽ ሃገርን፡ ምምሕዳር ህዝብን ክዋስኣ ዝኽእላ፡ ተመርዕየን ወሊደን ናይ ጽባሕ ንግሆ ተካእቲ ሀገር ዘዕብያ፡ ከምዚ ኹሉ ክብረን ተጋሂሱ መጻወቲ፡ ኣባሓጎታተንን፡ ኣቦታተንን፡ ኣያታተን ዝኾኑ ኤርትራውያን ጀነራላትን፡ ኮልነላትን፡ በዲዊንን ኮይነን፡ ማዕረ ክሳብ ግብኣተ ሜሬተን ከሰንየን ዝኽእል በሰላ ተሰኪመን ከም ዝኸዳ ገይሩ።  ብዕድመ ዝደፍኡ ኤርትራውያን ወለዲ፡ ወላድ መኻን ኮይኖም ዝቅበርሉ ጉድጓድ ዝኹዕተሎም ከም ዝስእኑ ጌይሩ። መንእሰይ ኣልቦ ዝኾነት ኤርትራ መሬታ ዝካናኸኖ ተሳኢኑ፡ ሐውሲ ምድረበዳ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ እኽሊ ተዘሪኡ፡ ዝስዉት ንላዕሊ ዝመልመል፡ ዶሮና ዘራጊቶ ኮይኑ ንሰማይ ክድይብ ክህንፈፍ ከም ዝርኤ ገይሩ።  ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብጠቅላይ ሚንስተር ዶክቶር ኣብይ ኣሕመድ እትምራሕ ኢትዮጵያ ናይ ምስ ኤርትራ ሰላም ድልየታ ብጭብጢ ምስ ገለጸት፡ ኣታሓናጽጻ ዶብ ከመይ ይኹን፡ መጀመርታ ንራኻበሉ ቦታን ጊዜን ንፍለ፡ መዛረቢ ነጥብታትና ንቀርብ ኣብ ክንዲ ምባል ወዮ ሀገር ዘጥፍኤ ናይ ዶብ ጉዳይ ተረሲዑ ንናይ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ቀዳምነት ሂቡ። 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  እምብኣር እዚ ኹሉ  ሰብ ክጾሮ ምኽኣሉ ዘይእመን ናይ 16 ዓመታት  ስቃያት፡ እዚ ኹሉ ጥፍኣት፡ እዚ ማዕረ ሃገር ከም ሀገር ደው ምባል ዘስግእ ዝኾነ ፍጻሜታት ናይ ከንቱ ከንቱ’ዩ ኔይሩ። ቅድሚ ሕጂ ፍሉጥ”ዃ እንተነበረ፡ ገለ ሰባት ምስቲ ዝነበረ ናይ ህግደፍ ፕሮፓጋንዳ - ሓሶታት - ልዕልነታዊ ሃገር ንምዕቃብ’ዩ ኢሎም ይኾኑ፡ ሕጂ ግን፡ ሓደ ሰብ ብዘይዕሸወሉ መንገዲ እቲ ሓቂ ተረጋጊጹ! እቲ ዝነውሔ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ኤርትራ እዩ። እቲ መተካእታ ዘይብሎ ናይ ህይወትን፡ ንብረትን ጥፍኣት ድማ  ኣኽቲሉ’ዩ፡ ናይ 28 ዓመታት ብመራሕቲ ዝተገብረ ጥልመት ድማ እዚ ዘላናዮ ገሀነመ እሳት’ዩ።  ዶክትሮ ኣብይ በዚ ክሳብ ሕጂ ዘርኣዮ ሰላም ዝደሊ ሰብ’ዩ።  ሰላም ዝተዘርበሉ ቦታ ቅዱስ’ዩ ። ህበይ ካብ ገረብ ናይ ገረብ እናዘለለትያ ትነብር፡ የማነ  ገብርኣብ ድማ ከምቲ  መድሎ ረኺቡ፡ መሊቁ ሰብ ክምስል ልብሲ ካህን ለቢሱ መስቀል ሒዙ ቤተክርስትያን ዘርከሰ ህበይ ጥራይ ጌርካ ኢኻ ትወስዶ።  ከይስወቱ ዝሓረሩ  እሽሓት ስዋእትና፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ናይ ገድሊ ናይ ምስጢር ኣባላት  ኮይኖም ተኣሲሮም ኣብ ፈቀዶ ቤትማእሰርታት ጸላኢ ዝረሸኖም ስውኣትና። እዚ ኹሉ ሰላምን ራሕዋን ቅሳነትን ዘኽትል ነጻነት ከምጽእ ኢሉ፡ ናብርኡ ጠንጢኑ፡ ርእሱ ረሲዑ ብብዙሕ ዓይነት መገዲ ዝቆሰለ’ሞ ነገር ክጥምዘዝ ምስ ርኣየ፡ ግደ ጓህን ሕማማን፡ ሞትን ዝኾነ፡ እዘን ኩለን ኣዴታት፡ ስድርኤንን ገድለንን ክሕብሕባ ኣሕሊፈንኦ፡ ሕጂ ድማ ደቂ ሳዋ ዝኸዱ ደቀን ከዕብያ ማዕረ ኣብ ልሞና ኣትየን፡ እርጋን መጺኡ፡ ድኽነትን ሕሰምን ተወሲኽዎ በብሓደ ዓዲ እግዚኣብሄረን ዝኸዳ። እዚ ኣቀዲመ ዝጠቀስክዎ ክብረን ብምግሃስ ደቂ ኣንስትዮ ዝረኽብኦ ዘለዋ ብቀሊል ዘይሃስስ ስቃይ፡ ፍጹም ዋጋ ከይተዋህቦ ተረሲዑ ማልት’ድዩ? ታሪኽ ከይርስዖ ብወርቂ ቀለም ተጻሒፉ ክነብር ድኣ እምበር፡ ንዕኡ ክትርስዕ ኢልካ ምጽዓርሲ ገበን ጥራዪ ዘይኮነ፡ ናይ ገበን ገበን እውን እዩ፡  እንተተዕድቆርካስ ትስምዕ ድኣ፡ ዘብለኒ እዚ’ዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ እዚ ቅንያት’ዚ ገለ ኢትዮጵያውያን “ሰላም ዘይፈውትዉ ፈላልዮሙና ነይሮም ሕጂ ግን ሰላም መጺኡ ሓደ ኮይና” ይብሉ ኣለው። ንሕና ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትናን፡ ጎረባብትናን ብሰላም ክንነብር ንድሊ ኢና። ግን ኤርትራውያን እምበር ኢትዮጵያውያን ኣይኮናንን።  ገዛእቲ ስምና ይለዋውጥዮ ይኾኑ፡ ንሕና ግን ንኣማኢት ዓመታት ባህልናን ስርዓትናን ፍሉጥ፡ ኮይኑ እተፋላለያ ኣውራጃታትና፡ ዝተፋላለየ ቋንቋናን፡ ሃይማኖትናን ካልእ ዘይኮነስ፡ ስልማትና፡ ኮይኑ  ሓድነትና ብደምና ዘራጋገጽና ህዝቢ ኢና።  ኢሳያስን ከም ብዓል የማነ ገብርኣብ ዝኣመሰሉ  ጨፍጨፍቲ ህዝቡ ሐቁፉ ንህዝቢ ኤርትራ ክውክል ኣይክእልንዩ፡ ፈጺሙ መሰል የብሉን።  ክብረትና ሒዝና ህድእ ኢልና’ሞ ንሕሰብ፡ ይዕበ ይንኣስ ጉዳይ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ዋንኡ። እወ ናይ ጎርቤትካ ህውክትን ሰላምን ንዓኻ ኣዝዩ ይጸልወካ እዩ፡ ዋናታት ጉዳይና ግን ንሕና ባዕልና ህዝቢ ኢና።  ንኸምዚ ዝኣመሰል ጉዳይ ንዉሉድ ወለዶ ዝትንክፍ ናይ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን መስመር ከትሕዙ ዝኽእሉ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ህዝቢ ዝመረጾም ተገልግለቲ ዘይኮኑስ መገልገልቲ ህዝቢ ጥራይ እዮም።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩነታት ዝፈጠሮ፡ ዘይነበረ ጽልእን፡ ምክሕሓድን፡ ጨካን ተግባራትን፡ ትዕቢትን፡ ኣንነትን፡ ዘይምክብባርን ምጽርራፍን፡  ኣጥቂዑና እዩ።  ሓደ ዓቢ ነገር ድማ፡ ከምዚ ሕጂ ትራምፕ ታእማንነቱ ንጠቅላላ ህዝቢ ኣመሪካ ክንዲ ዝኸውን ነቶም ብዘረብኡ ተሳሒቦም ዝመረጽዎ ኮይኑ ዘሎ፡ ንሕና ድማ፡ እቲ ተጋድሎ ሓርነት ጀሚሩ ዘማዕበሎ ቃልሲ፡ ህዝባዊ ግንባር ይዛዝሞ እምበረ፡ እቲ ቃልሲ ንህዝቢ ኤርትራ’ዩ ነይሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ’ዩ ተዓዊቱ፡ እንተኾነ እቲ ኣብ 1991 ከድምደም ዝነበረ ፍልልያት ኣድቂቅካ እንተጠመትካዮ ኣብቲ ውሽጢ ሰባት ዘሎ’ዩ ዝመስል።  ናይ ሕጂ ወለዶ መሰረታዊ ታሪኹን፡ ታሪኽ ገድሉን፡ ህዝቢ ዝኸፈሎ ዋጋ ኣይፈልጦን’ዩ።  ሓቃቶም ድማ ከመይ ጌይሮም ክፈልጡ፡ ንሳቶም ኣብ ሓሳረ መከራ፡ ዓቢ ድማ  ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰንፈላል ኣሎ። እቲ ናይ ብሓቂ ቅሳነት ዝብሃል ኣይተረኽበን።  እዚ’ኳ ሰላም ዝፈቱ ኳዕናን ህዝቢ፡ ሰረቱ ዘይገደፎ ኮይኑ እምበር፡ ሳዕቤን ናይ 30 ዓመታት ውግእን ናይ 28 ዓመታት ጥልመት ዘኽተሎ ስቃይን ቀሊል ኣይኮነን። 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ስራሕ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ።  ቅርኒብ ዓይኒ ተጠንቂቅካ ብወረጦ ኢኻ ተውጽኦ፡ ቁስሊ ክተሕዊ፡ ሙግሉ ክተንትዕ፡ ደም ከይትልኽም ብኻራ ዘይኮነስ ብመርፍእ ኢካ ትነቅሶ። ንሕና ከም ናይ ካልኦት ዓድታት ናይ ኤኮነሚ ጸገም ጥራይ ኣይኮነን ዘለና። ብዙሕ ሽግራታ’ዩ ዘለና። ገለ ካብኡ፡ እዚ ማእለያ ዘይብሉ መከረኛ ስደተኛ መንእሰይ ንቡር ዝብሃል ዘይረኸበ፡  መብዛሕትኡ ናይ ሓንጎል ጭንቀት ዘለዎ ከምይ ጌርካ ኢኻ ኣራጋጊእካ፡ ኣብ ትምህርተን ስራሓን ትጸምዶ?  ኢሳያስ መሬት ህዝቢ፡ መሬት ዓደቦ ከም ድላዩ ዓዲልዎን ሸይጥዎን’ዩ፡ ዓቢ ጥንቃቀ ዘድልዮ እዩ። ናይ ቁርባት ሰባት ጥራይ ዘይኮነ ናይ ጠቅላላ ህዝቢ ኤኮነምያዊ ምዕባለ፡ ፍትሒ ዘለዎ ምምሕዳርን፡ ሕልናን’ዩ ዘድልዮ። ሕልንኡ ዝዳኝኡ ሰብ፡ ምርኩሱ፡ ሓቅን፡ ፍቅርን’ዩ።  ሕልና ዘለዎ ሰብ ፍትሒ ክብል ከሎ፡ ፍትሒ ንፈታዊኡ ጥራይ ዘይኮነስ ኣንጻሩ ደው ንዝብል እውን እዩ። ንሕና ከም ህዝቢ መጠን ነብሲ ወከፍና እቲ ኣብ ካልእ ሰብ ንደልዮ ለውጢ ብርእስና እንተ ጀሚርናዮ፡ እንተድኣ ድኣ ይዕበ ይንኣስ ኣብ ክንዲ ናይ ብሕታዊ ዓዋት ናይ ሓባርዊ ዓውት መሪጽና፡ ከምኡ’ውን ናይ ብጻይና ዓቢ ጉድለት እንተእናኣኣስና፡ ናይ ብጻይና ንእሽቶ ዝገበራ ጽብቅ ኣታዓባቢና፡ ስጋይ ስጋኻ እንተኢልና፡ ሕድገታት እንተ ጌርና፡ ካብ ሓንቲ መኣዲ ክንበልዕ ንኽእል ህዝቢ ኢና፡ ናይ 28 ዓመታት ዕንወት ኣብ ነዊሕ ዘይኮነ ጊዜ ክፍወስ ይከኣል’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ኣብ ሓንቲ ጽሕፍቲ you can be angry, but you do not have to be bitter, you can be angry, but you do not have to cease loving  - ክትሓርቅ ትኽእል ኢኻ ግን ሒኒን ኣይትበል፡ ክትሓርቅ ትኽእል ኢኻ ግን ፈቃር ኩን ዝብል ኣንቢበ። ዝዋሓጥ ዘረባ’ዩ።

ክቡር ህዝቤ ኤርትራ፡ ብዙሓት ሰባት ኣካቢ፡ጠርኒፊ’ኳ ዘይብልና ይብሉ፡ ከምኡ ክንገብር ንጋደል። ቁምነገር ዘለዎ ዘረባ ኣብ ዘዘልናዮ ምስ ዘዘለናዮ፡ ብዉሕድ ይኹን ብብዝሒ ንዛራረብ። ልቦናን ርእሰ-ለውጥን ጥራይ ንግበር።  እዚ ዘሎ  ኣሬማናዊ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ወኪሉ ዘይፈልጥ ብሰላም ይቀንጠጠልና፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ቆርበት በጊዕ ዝተኾድኑ፡ ቶዃሉ ገና  ኣብ ጠበንጃ ዝኣምኑ፡ ንሕና ኢና ክንመርሕ ዝግባኣና እናበሉ ርኡዩ ህርፋን ስልጣን ዘለዎም ትዕቢተኛታት ከይመጹ ዓይንና ንኽፈት እምበር ተጸኒዑ ዝጸደቀ ቅዋም ኣሎና።  ኣብ ስትራተጂካዊ  ቦታ ኢና ዘለና፡ በዓል ጪና በዓል ኣመሪካ፡ ሀገራት የዕራብ ወዘተ ከም ወትሮ ንረብሕኤን ይጓየያ ኣለዋ፡ ዝጠፍእ ጊዜ የብልናን። ፕራይም ሚኒስተር ኣብይ  ብሓቂ ሰላም ይደሊ ኣሎ፡ ምስ ከንያ ዝግበር ሰላምን ምስ ኤርትራ ዝግበርን ግን ኣዝዩ ዝተፋላለየ እዩ። ብግርህነት ዘይኮነስ ብልቦና ብዑምቀት፡ ብንሕጂ ጽገናዊ ሰላም ዘይኮነስ ብንኹሉ ጊዜ ኣብቲ ከባቢና ሰላም ዘምጽእ ክኸውን ኣለዎ።  ዋና ነገር ድማ ጉዳይ ኤርትራ ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ከም ዝኾነ ፈጺምካ ዘይምርሳዕ’ዩ።

እምባኣር ናይ ሎሚ ዘረባይ ኣብዚ ክዓጹ’የ። ሰላም ኣብ ሃገርና፡ ሰላም ምስ ጎረባብትና፡ ሰላም ኣብ ኣፍሪቃን ዓለምን ይንገስ፡ ዘለኣለማዊ ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ንልዑል ኣምላኽና ይኹን።  ኣሜን።

የቀንየለይ

አበባ