Sacttism - ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ

ሉኡላዊነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ፡ ደረት ኣልቦ ጉጅለ
(ሓገዝ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ- 2ይ ክፋል)

ስርዓት ህግደፍ፡ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ወኪሉ፡ ካብ ወትሃደራዊ ስልጠናታት ጀሚሩ ክሳብ ምልዛብ፡ ምስ “ሓባራዊ ረብሓ” ዘለወን ሃገራት ክዓምም ጸኒሑ’ዩ፡፡ ብሓገዝ ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራን ወጻእን ሓገዝ ዝተግበረሎም ዳርጋ ኩሎም ዕጡቋት ጉጅለታት ቀርኒ ኣፍሪቃን የመንን’ዮም፡፡ ክሳብ ሕጂ ንወትሃደራዊ ስልጠናታት ዕጡቋት ጉጅለታት ዝተሓረያ ከባቢታት ዓጋመት፡ ጀበል ሓሚድ፡ ሓሪና፡ ዓሻጋላ፡ ሙሎቨር፡ ዊዓ፡ ዒን፡ ኪሎማ፡ ኣፋምቦን ዳህላክ ከቢርን እየን፡፡ ኣብዚ ከባቢታት ዝተወዘዐ ኩሉ ዜጋ ከምዝፈልጦ፡ ኣብ ሃገርና ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማል፡ ጁቡቲን የመንን ተዓሊሞም ኢዮም፡፡ ኣብ ሰነዳት ካብ ዝተረኸበ ሓበሬታ ብጭብጥታት ክድርኽ፡

ሀ) ኢትዮጵያ፡
ኣብ ጉዳይ ብፍላይ ድሕሪ ኩናት 1998- 2000 ኣብ ሃገርና ኣትዪ ዘይተሓገዘ ተቓዋሚ ጉል ኣይነበረን፡፡ ወያነ ውን ነቲ ሓበሬታ ተጠቒሙ ናብ ኣህጉራውያን ውድባት ከብጽሖ ጸኒሑ ኣሎ፡፡ ብሓጺሩ ካብ ኢትዮጵያ ዲምህት፡ ኦብነግ፡ ኦነግ፡ ቤህነን፡ ጋህነን፡ ግንቦት 7፡ ኣርበኞች፡ ጉጅለታት ብሄረ ዓፋር (እጉጉሞ፡ ግንባር ሓርነት ዓፋር)፡ ደቡብ (ግንባር ሓርነት ሲዳሞ) ካልኦትን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ተወፊሎም ኢዩ፡፡ ስለዚ ምስ ጎረበት ሃገረ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 19 ዓመታት ካብ ምትፍናንን ሓገዝ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ዝሓልፍ ዝኾነ ዓይነት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝበሃል የለን፡፡

ለ) ሱዳን፡ 
ካብ 1994 ጀሚሩ ኣብ መሬት ኤርትራ፡ ሓገዝ ዘይተገብረሉ ተቓዋሚ ጉጅለ መንግስቲ ሱዳን ውን ኣይነበረን፡፡ ፈለማ ኣንጻር ግበረ ሽበራ ኣብ ዝነበረ ኣህጉራዊ ጠመተ፡ ድጋፍ ንምሃብ ስርዓት ኢሳይያስ ንኣመሪካውያን ባብ ብምርሃው፡ ኣንጻር ሱዳን ተንቀሳቒሱ፡፡ ኣብ መሬት ሱዳን ውን ጅምዓተል ኣል ኢስላሚያ ንዝተብሃለ ጉጅለ፡ መጥቃዕታት ክፍንው ሓገዝ ጌሩ ፡፡ 1995 ድማ ብምስምስ ጀሃድ ኣብ መሬት ሱዳን ዝተፈላለዩ መጥቃዕታትን ቅንጸላታትን ኣካይዱ፡፡ ብ1997 ኣብ መሬት ሱዳን ከባቢታት ተዎንን ገዳማይትን ብኮር 381 ዝእዘዛ ሓይልታት ኣብ ኩናት ተሳቲፈን ኢየን፡፡

ከም ነፋሒቶ ሕብሩ ዝለዋውጥ፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ “ሀ” ኢሉ ዝጀመረሉ እዋን፡ እምበኣር ኣብ ሱዳን እዩ ኔሩ፡፡ ብሓደ ገጽ በዓል ዶ/ር ጆን ጋራንግን ብኣሕመድ ኢብራሂም ድሬድ (ፌደራል ምፍማት) ዝምርሑ ጉጅለ ዕጡቋት ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን፡ ብካልእ ገጽ ከኣ፡ ብዓብደል ዓዚዝ ካልድን ዶ/ር ታይሲር መሓመድ ኣሕመድ ዓሊን ዝምርሑ ጉጅለታት ብምሕብሓብ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ጸቕጥታት ክግበር ተፈቲኑ፡፡ ብተወሳኺ የማነ ገብረኣብን ዓብደላ ጃብርን ምስ ናፍዕ ዓሊ ናፍዕ ዝተብሃለ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ቁጠባን ጸጥታን ዘድሃበ ክውል ስምምዕ ከቲሞም፡፡ ምስ በዓል ሓለፊ ጸጥታ ሱዳን ነበር ሳላሕ ጎሽ፡ ዶ/ር ሙስጦፋን መጅበል ከሊፋን እውን ብሓደ ገጽ ከም ሓለይቲ፡ ብካልእ ገጽ ከኣ ተጻባእቲ ብምኻን፡ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ፡ ሱዳናውያን ከይተረፈ መርገጺ “መንግስቲ ኤርትራ” ክርድኡዎ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ በጺሖም’ዮም፡፡

ብካልእ ወገን ምስ ሱዳን ዝነበረ ርክብ ብምጥቃም፡ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት፡ ሕቡእ ግጭታት ኣሳዊርካ ሃጓፍ ንምርካብ ዝካየዱ ፈተነታት ውን ነይሮም፡፡ ከም ሓዳስ ሃገር ሰለማዊ ጉርብትና ዝስርቱ፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ኣብ ክንዲ ምክያድ፡ ኣብ ጎነጽን ሽርሒታት ዘድሃበ ጉጅለ ኢሳይያስ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ነዳዲ ንምርካብ ኣብ ዝተሃንጠየሉ እዋናት ውን፡ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳንን ወጥሪ ብምንጋስ፡ ገለ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ጽዒሩ ኢዩ፡፡ ንኣብነት ድሕሪ ፍሽለት ዝተሓሰበ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማት ንኢሳይያስ ካብ ዝተውሃብዎ ግብረ መልስታት ከምዝተሓበረ፡ ኣብ ወርሒ 7/2001 ብብ/ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ) ዝተኣዘዙ 5 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ናብ ደቡብ ሱዳን ብሕቡእ ተዋፊሮም፡ ኣብ ልዕሊ ሄግሊጅ ዝተብሃለት ትካል ነዳዲ፡ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምፍናው ዘብቅዕ መጽናዕቲ ኣካይዶም ተመሊሶም ኢዮም፡፡ በቲ እዋን ብጉልባብ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተልኣኹ ኣባላት ሜጀር ግርማይ ምስግና (ካብ ምክትታል ዶባት)፡ ሳሚኤል ተኽለማርያምን ተስፋለም ቅዱስን (ኪኢላታት FDC ኣባላት ክ/ሰ 36) ነይሮም፡፡

ንህዝቢ ኤርትራ ብምስምስ “ጀሃድ” ሃሙኡ ብምጥምዛዝ፡ ንመንግስቲ ሱዳን ከኣ ብኹሎም ጎደቦታት ብናዕብታትን ተቓዉሞን ብምስንባድ፡ ኢድ ክህብ ንምግባር ኣብ ዝተወጠነሉ እዋናት ውን፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ኢዱ ኣብ ጉዳይ ዳርፉር ከእቱ ተራእዩ’ዩ፡፡ ብፍላይ ኣል ዓዱ ኣልምልዋ፡ ሓራካ ኣልታሕሪር ኣል ዳርፉርያ ንዝተብሃሉ ጉጅለታት፡ ብዶ/ር ከሊልን ብዓብዱል ዋሒድ ዝጥርነፉ ጉጅለታት ዳርፉር፡ ብዓብዱል ወሃብ ዝምርሑ DFM፡ ብኣሕመድ ኢብራሂም ዝምረሑ FMSን ካልኦትን ብምሕብሓብን ወትሃደራዊን ንዋታዊን ሓገዛት ብምሃብን፡ ንምትንታኑን ንምርድኡን ዘጸግም ግስሩጥ ጽምዶታት ይካየድ ኔሩ፡፡ ሓድጊ ናይቶም በቲ እዋን ዝነበሩ ጽምዶታት፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣስመራን ኦሞሓጀርን ዝነብሩ ኣባላት ተቓወምቲ ዳርፉር ኣለው፡፡ ንኣብነት ኣብ ኦሞሓጀር ኣብ ጥቓ መስጊድ ቤ/ጽ ከፊቶም ጣሂር ዝበሃል ዝመርሖም 4 ኣባላት ተቓወምቲ ዳርፉር ክሳብ ሕጂ ኣለው፡፡

ኢሳይያስ ኣብ ሱዳን ዝነበሮ ስትራተጂ ነንባዕሉ ተገራጫዊ ክንሱ፡ ብሓደ ገጽ ምእዙዝ ሱሙር መንግስቲ ምቋም፡ ብካልእ ገጽ ከኣ ነታ ሃገር ምብትታንን ምፍንጫልን ዝብል ኢዩ፡፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ምስ ፕረሲዳንት ሱዳን ኣል በሽር ዘሎ ርክብ፡ ካብ ህዝባዊ ርክባት ዝሓልፍ ኣይኮነን፡፡ ዓለም ብዓለማ ምስ ነጺገቶ፡ ናብ ክልተ ሃገራት ጥራይ ዝገይሽ እንኮ ፕረሲዳንት ምስ ኮነ፡ ኢሳይያስ ኣብ ጽንብላት በዓል ናጽነት ንበሽር ክዕድም፡ በዓል ማንኪን ኪሻን ከኣ ናብ ካርቱም ክመላለሱ ክረኣዩ ጀሚሮም፡፡ እቲ ሓቂ ግን ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ርክብ ብኸውሊ ዲፕሎማሲያዊ ፍሽኽታ ድጉል ሓዊ ዝጸረ ኢዩ፡፡ በቢዓመቱ ኣብ ዝካየድ ኣኼባታት ውን፡ ብመገዲ ሱዳን ኣቢልካ ንጉዳይ ተከዘ (ኣትባራ)ን ፈለግ ኒልን ዝምልከት ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክላባዕ ድሌት ከምዘሎ ይለዓል ኢዩ፡፡ ስለ’ዚ ጉጅለ ኢሳይያስ ምስ ሱዳን ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ’ውን ካብ ኣብ ዶባት ዝካየድ ንግዲ፡ ምምልላስ ስደተኛታትን ብሓይሊ ብላዕ ዝካየድ ጭውያታትን ዝሓልፍ ኣይኮነን፡፡

ሐ) ጅቡቲ፡ 
ምስ ጅቡቲ ውን ብፍላይ ኣብዚ እዋን ካብ ኢሳይያስ ንላዕሊ ሑሞድ ካሪካረ ዝሓሸ ዝምድና ኣለዎ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን፡፡ እቲ ምንታይሲ ካሪካረ ብውሑዱ ዕለታዊ ሓንቲ ፒሲ ጃልባ ሙሉእ ጫት ካብ ጅቡቲ ስለዘምጽእን ክልተ ደቁ ኣብ ጅቡቲ ስለዝነበሩን፡፡ ከም በዓል ኢትዮጵያን ሱዳንን ንዕጡቋት ጉጅለታት ጅቡቲ ውን ሓገዝ ተገይሩ ኢዩ፡፡ ብኣሕመድ ካዳሚን ሓሰን መቑብልን ዝእለዩ ፍሩድ ዝተብሃሉ ጉጅለታት ወትሃደራዊን ንዋታዊን ሓገዛት ተገይርሎም ‘ዩ፡፡ 
ኣብ መጀመሪያ መጋቢት 2008፡ ኢሳይያስ ምስ በቲ እዋን፡ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 04 ነበር ሜ/ጀነራል ሃይለ ሳሚኤል ቻይና፡ ናብ ከባቢታት ዕዲ፡ ዋደን ራስ ዱሜራን ዑዱት ኣካይዱ ነይሩ፡፡ ኢሳይያስ በቲ ዕለትን ካብ ዑደት ዶብ ራስ ዱሜራ ምስተመለሰን፡ ብተኸታታሊ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 04 ነበር ቻይና ከይፈለጠ፡ ምስ ኣብ ትሕቲ ቻይና ዝነበረ፡ ኣዛዚ ክ/ሰ 25 ኮ/ል ሚኪኤል ወልዳይ (ወዲ ወልዳይ) ክዘራረብ ቀንዩ ኢዩ፡፡

ሃንደበት ኮ/ል ሚኪኤል ወልዳይ ክልተ ቦጦሎኒታት ናብ መሬት ጁቡቲ ተጸጊዐን ድፋዕ ክኹዕታ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፡፡ ነዚ ዝተዓዘቡ ሰራዊት ጁቡቲ፡ ናብቲ ከባቢ ወትሃደራቶም ከጸግዑ ጀሚሮም፡፡ መንግስቲ ጅቡቲ ውን፡ “ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ዶብ ሰራዊት ኣስፊራ” ክትብል ናብ ዉ.ሕ.ሃ ክሲ ኣቕሪባ፡፡ ሰራዊት ጅቡቲ ከም ጉልባብ ተጠቒሞም ንዓመታት ኣብ ድፋዕ ዝኸርተቱ፡ ኣባላት ክ/ሰ 25 ካብቲ ድፋዕ ነነጢሮም ክሃድሙ ጀሚሮም፡፡ ሃንደበት ብዕለት 10 ሰነ 2008 ድሕሪ ቀትሪ ሓደ ካብቶም ዳሕረዎት ዙርያታት (ምናልባት ኣባል 19 ዙርያ ሃ/ኣ) ናብ ሰራዊት ጁቡቲ ክሃድም ፈቲኑ፡፡ ኣባላት ክ/ሰ 25 ነቲ ወትሃደር ብኣድራጋ ጠያይቲ ክትኩሱሉ ጀሚሮም፡፡ ብወገን ሰራዊት ጁቡቲ ነቲ ወትሃደር ከድሕኑ ግብረ መልሲ ሂቦም፡፡ በቲ እዋን ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ብዝነበረ ምልውዋጥ ተኹሲ እቲ ወትሃደር ህይወቱ ሓለፈት፡፡ ብከምዚ መልክዕ ዝጀመረ ኩናት ምስ ጁቡቲ ሓያሎ ኪሳራ ኣስዒቡ ኢዩ፡፡ በቲ እዋን ሓደ ብሳጓኡ ታይሰን ዝበሃል መራሕ በጦሎኒ ሓዊሱ፡ ካልኦት ኣባላት ሓ/ም/ኤ ከምዝተጎድኡን ብወገን ጅቡቲ ውን ተመሳሳሊ ክሳራታት ከምዘጋጠመ እዝክር፡፡

ንዓመታት ብሰሜን ምስ የመን፡ ብምዕራብ ምስ ሱዳን፡ ብደቡብ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸሰርናዮም ዝምድናታት፡ ኣብ 2008 ከኣ በታ ዝተረፈት ደቡባዊ ምብራቕ ሸነኽ ጅቡቲ ከሲርናያ፡፡ ኢሳይያስ ጉዳይ ጁቡቲ ኣብ ክንዲ’ቲ ዝወጠኖ መኽሰብ፡ ተወሳኺ ዓለም ለኻዊ ጸቕጥን ኩነነን ስለ ዘስዓበሉ፡ ኣብ ቤ/ጽሕፈት ህግደፍ “ዘይምኹኑይ ተጸባኦታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ “ኣመሪካን ወያነን ውዲት ኣሊሞም ኩናት ምስ ጅቡቲ ከሳውሩ ከም ዝፈተኑ” ዝገልጽ ጽሑፍ ካብ ህዝቢ ከዊሉ ንገለ እሙናት ሓለፍትን ካድራትን ጥራይ ክዝርጋሕ ኣዚዙ፡፡ 
ጉዳይ ጅቡቲ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኣብ ሶማል ዝነበሮ ኣሉታዊ ኣበርክቶ ተደማሚሩ ብምምጽኡ ድማ፡ ኣብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ሓያሎ ጸቕጢ ሸፈነ ሚዲያን ዲፕሎማሲያዊ ተጽዕኖን ኣስዒቡሉ፡፡

ኣብ መወዳእታ ጉዳይ ጅቡቲ ብምስምስ “ሚዛናዊ ምርድዳእ”፡ ንመንግስቲ ቀጠር ጋቢዙ፡ ብሃታ ሃታ ወትሃደራት ቀጠር “ከም ዓቃቢ ሰላም”፡ ኣብ ጎቦ ራስዱሜራ ክሰፍሩ ተገይሩ፡፡ ንዓመታት መልሓሱ እንዳቀያየረ፡ ሓደ ግዜ ምስ ጅቡቲ “ኩናት ዝበሃል ኣይነበረን”፡ ካልእ እዋን ከኣ “ብኣመሪካ ዝተሳወረ ወጥሪ ኢዩ” እንዳበለ ነዊሕ ዝጸንሐ ኢሳይያስ፡ ኣብ 2016 ከኣ ብሞንጎኝነት ወጻእ ጉዳይ ሚ/ር ቀጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ኣልጣኒ፡ 4 ኣብ ውግእ ራስዱሜራ ዝተማረኹ ወትሃደራት ንመንግስቲ ጅቡቲ ከምዘረከበ ተገሊጹ፡፡ ብኣንጻሩ ብሓይልታት ጅቡቲ ዝተማረኹ ኣስታት 23 ዝኾኑ ንዓመታት ኣብ ቤት ማሕዩራት ተቐይዶም ዝጸንሑ ዜጋታትና ግን፡ ዝሓተተሎም ኣካል ኣይነበረን፡፡

በዚ ኣጋጣሚ፡ ድሕሪ ድነ ህግደፍ ኣብ እንምስርታ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ኩናት ምስ ጅቡቲ፡ ካብ ኮ/ል ሚኪኤለ ወልዳይ ብተወሳኺ ደቂቕ ኣፍልጦ ዘለዎን ክሕብረና ዝኽእል፡ ከም ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ንዓቃቢ ሰላም ሃገረ ቀጠር ኮይኑ ዘገልገለ ስታፍ መራኸቢታት ምብራቓዊ እዚ፡ ሜጀር ብርሃነ ተስፋማርያም (ብርሃነ ሙጋቤ) እዩ፡፡

ንዓና ንኤርትራውያን ብኹሎም መምዘኒታት፡ ምስ ጎረባብትና ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ጅቡትን ሕውነታዊን ሃናጽን ዝምድና ምምስራት ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ግዴታና ውን ኢዩ፡፡ እንተኾነ፡ “ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ ኣይስተን” ከም ዝብሉዎ ኣቦታት፡ ዘራጊቶ ኢሳይያስ… ንህዝቡ ዘሪጉ…ንጎረባብቱ ዘሪጉ… ንኹሉ ምስተንከፈ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ወሳንን ኣገዳሲን ዲፕሎማሲያዊ ረብሓ ከሲርናዮ ኢና፡፡ ኣብ 3ይ ክፋል፡ ሓገዝ ንጉጅለ ዕጡቋትን ሶማልን የመንን፡ ሃሱሳት ህግደፍ አብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ርክብ ምስ ሃገራት ከልጅን ዝምለከት ሓበሬታ ክፍኑ ኢየ፡፡ 
….ይቕጽል