Sacttism - ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ

ሉኡላዊነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ፡ ደረት ኣልቦ ጉጅለ
(ዲፕሎማሲያዊ ኣምራት 1ይ ክፋል)

ቅድሚ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣቢሉ፡ ምስ ሃሞናን ቀልብናን እንከለና፡ ምስ`ዞም ታሪኽ ሃገርን ሃገራዊነትን ዘመራስሑ ሒደት ማሕዮታት፡ ከም ሎም ከይተላለና፡ ከም`ቶም ካልኦት ኣብ ወረቓቕቲ ጥራይ ዝሰፈሩ ፖሊሲታት፡ ንዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ “መጻኢት ሃገረ ኤርትራ” ኣመልኪቱ በቶም ሰራም ካድራት ዝተሓበረና መደረ ዝስዕብ ትሕዝቶ ነበሮ፡፡

“ወጻኢ ፖሊሲ ኤርትራ፡ ናይ ሰላምን ዘይሻርነትን ብምኻኑ፡ ኣድህቦና ኣብ ሃገራዊ ረብሓና ምሕላው፡ ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ዞባናን ዓለምናን ምስራሕ፡ ምስ ኩሎም መንግስታትን ህዝብታትን ኩሉ መደያዊ ምትሕብባር ምምዕባልን ምምስራትን እዩ፡፡” ይብል፡፡ ኣብ ናይ 1994 ቻርተር ህግደፍ’ውን፡ ነዚ ሕልሚ ዝመስል መጽብዓ ንምድራኽ፡ “ብቐዳምነት ምስ ጎረባብትናን ሃገራት ከባቢናን፡ ኣብ ሓበራዊ ረብሓታትን ምትሕግጋዝን ዝምርኮስ፡ ናይ ጽቡቕ ጉርብትና ሰላምን ዝምድናታትን ክንምስርት ኢና” ይብል፡፡ ሎሚ ድሕሪ ርብዒ ዘመን፡ ብስም “ስለ ዘይተጻዕድናን ምምሕዳር ዋሽንግተንን ላቔብኡ ወያነን” ዝቐርብ መመኽነይታ ሓዲግና፡ ነዞም ሓሳባት ተመሊሱ ንዝተዓዘቦም ሰብ፡ እታ እዚ ኹሉ ዝተብሃለላ ሃገር…ሃገረ ኤርትራ፡ “ኣበይ ኮን በጺሓ?” ኢሉ ምስ ዝሓትት፡ እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ፡ ብሓደ ሰራም ዲክታተር እትምራሕ፡ ህዝባ ዝራሕረሓ፡ ዓለም ዝረሰዓታ፡ ኣብ ተነጽሎ ዝተሸመት ሃገር ጥራይ እዩ ዝረክብ፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ! 
ድሕሪ’ዛ ሓጻር መእተዊት፡ ቀጺለ ካብ ሎሚ ጀሚረ ብተኸታታሊ፡ ብዝተፈላለዩ ጭብጥታት ዝተሰነየ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ “ግዝያዊ ምንግስቲ ኤርትራ”፡ ዘተኮሩ ጽሑፋት ከቕርበልኩም፡፡ ኣብ ናይ ቀዳማይ ክፋል፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትኹረት ብምግባር፡ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ዝተኸተሎም ፖሊሲታትን ዘስዓብዎ ሃሰያታትን የቕርበልኩም፡፡ ብተወሳኺ ኣብዚ ዞባ፡ ብምስምስ “ሃገራዊ ረብሓን ድሕነትን” ዝተሳለሰሉ፡ ጸጥታዊ ዕማማትን ፈጸምቶም የቕርበልኩም፡፡ ኣቐዲመ፡ ኣብዚ ክፉእ ዘመን፡ ኣብ ውሻጠ ህግደፍን ኣብ ካልኦት ከባቢታትን ኮይንኩም፡ ነዚ ሓበሬታ ዝለኣኽኩምለይ ግዱሳት ዜታታትን ሓለፍትን ከየመስገንኩ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡

ፈለማ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ ኣብ ትሕቲ “ህግደፋዊ መግዛእቲ” ዘሕለፍናዮ ጸሊም እዋን ሓዲግና፡ ኣብ ናይ ቀረባ ዓመታት ጥራይ ምስ እነትኩር፡ ሃገርና፡ ከም ድላዮም ዘበሳብስዋ እቶም ላዕለዎት ፖለቲካዊ መሪሕነት ህግደፍ፡ ብሓጺሩ ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ጣባን ዓዲሃሎን ዝተደኮኑ ማሕዮታት ኢሳይያስ ጥራይ ‘ዮም፡፡ ስለዚ ከም’ቶም ካልኦት ዓውድታት፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ክንዛረብ እንከለና ’ውን፡ እታ ኣብ ሲቲ ፓርክ ፊት ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ትርከብ፡ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝሓስብ ዜጋ እንተሎ፡ ወይ ግሩህ ወይ ከኣ መስርዕ “ንኺድ ጥራይ” ኢዩ፡፡

ሓቂ እዩ!    

ስለዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት “ሃገረ ኤርትራ” ክንብል እንከለና፡ ብሓጺሩ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ኢሳይያስ፡ ተስፋልደት፡ ቻርሊ፡ ማንኪን ኪሻን ማለትና ከምዝኾነ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ፡፡ እዞም ደረት ኣልቦ ጉጅለ እምበኣር፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ሸነኻት፡ ዘስዓብዎ ክሳራታት ማእለያ የብሉን፡፡ ሰላምን ምርግጋእን ብዶባት ስለ ዘይውሰን፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ኩናት ዝረኸቦ ናጽነት፡ ውሕስነት ንክህልዎ፡ ማዕረ ማዕረ ዘቤታዊ ዕማማት፡ ኣብ ዞባናን ብደረጃ ዓለምን ‘ውን፡ ሰላምን ምርግጋእን ክፍጠር ብንኡስ ዓቕምና ክንጽዕት ዝፈቅድ፡ ብ1991 ምቹእ ባይታ ዋላ እንተተፈጠረ፡ ብሰንኪ ዞም ሒደት ሰባት ከሲርናዮ ኢና፡፡ ፈለማ እግሪ ከይተኸልና ምስ ሱዳንን የመንን፡ ቀጺሉ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየድናዮ ኩናት፡ ዲሒሩ’ውን ኣብ ሶማል፡ ጅቡቲን ደቡብ ሱዳንን ዝተገብረ ጠብሎቕሎቕ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተነጸሎ ኣስዒቡልና ’ዩ፡፡

ካብ ከባቢኻን ዓለምን ተነጺልካ፡ ቁጠባዊን ባህላውን ምዕባለ ከምዘይርከብ፡ እቲ እንኮ ኣብነት “ጉጅለ ኢሳይያስ እዩ” እንተበልና ምግናን ኣይኮነን፡፡ ብርግጽ፡ ኣብ ዲፕሎማሲ ክዓምም ሓላፍነት ዝተሰከመ፡ ቤ/ጽሕፈትን ሚኒስተርን ሕጂ’ውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ፡፡ እንተኾነ፡ ናብ ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንዝገሸ ሓደ ሰብ፡ እቲ ቤ/ጽ ብጀካ ሰድያታት ከሙቑ ዝውዕሉ መሳኪን ሙሁራትን፡ ግዜ ዝጠለሞም “ኣሕ!” ክብሉ ዝውዕሉ ገዳይም ተጋደልትን ካልእ ኣይረክብን፡፡ ንሳቶም’ውን ልቺ እንተሊኡ፡ ዝርካበን ኔትዎርክ ኣልቦ ኮምፒተራት ክጥውቑ ዝውዕሉ’ዮም፡፡

ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ብኣርባዕተ ክፍልታት ዝቖመ ትካል ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲ እዞም ክፍልታት፡ ንማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን፡ ንዩሮ ኣመሪካ፡ ንኣህጉራውያን ውድባት፡ ንሃገራት ኤሲያ ፓስፊክ፡ ንኣህጉራዊ ውድባትን ካልኦት ክፍልታት ኣፍሪቃን ዝጥምቱ ስማውያን ዴስክታት ኣለውዎ፡፡ ብተወሳኺ ንምእካብ 2 ሚእታዊትን ኤምባሲያዊ መሳለጢያታትን ዝቖመ፡ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ “ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ” ዝርከብ፡ “ጨንፈር ቆንስሊያዊ ጉዳያት” ውን ኣሎ፡፡ ነዞም ቅርጽታት ጥራይ ብቆላሕታ ኣዕዋፍ ንዝተዓዘበ ሰብ፡ ሃገርና ኣብ ስሉጥ፡ ንጡፍን ህዱእን ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ እትርከብ፡ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዝምራሕ መንግስትን ሚኒስትሪን ዘጥረየት ሃገር ክትመስል ትኽእል፡፡ እንተኾነ ውሽጡ ዝፈልጥን እቲ ዝወዓሎ ዝምስክሮን ግን፡ ካልእ ይትረፍ፡ ኣብተን ክፍልታትን ጨናፍርን ዝተመደቡ ሓለፍትን ኪኢላታትን እንተዝፈቀዱ፡ ብፍቕዲ ውሑዳት፡ ብተሞኩሮን ዓቕምን ትሑታት’ዮም፡፡ ባዕሉ’ቲ “ሚኒስተር” ዑስማን ሳልሕ’ውን፡ ብየማነ ማንኪ ተተኪኡ፡ ብጀካ ብበዓል ማንኪን ኪሻን ዝተሓንጠጠ ወረቓቕቲ ኣብ ኣኼባታት ከንብብ፡ ንማሕበረ ኮማት ተዓዲሙ ክምድር፡ ከምኡ’ውን ምስ ገለ ወጻእተኛታት ንሰላምታ ኣእዳው ዘርጊሑ ክሰኣል፡ ካልእ ሰራሕን ሓላፍነትን ኣይተውሃቦን፡፡ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ዳይረክተራት’ኳ፡ ክኣልን ክእዝዝን ዘይክእል ብማንኪ ዝዝወር ሰብ’ዩ፡፡ ብመምርሒታት ማንኪን ኢሳይያስን ኣብ ሃገርና እቲ ዝበዝሐ ምእሳር፡ ምድስካል፡ ምቕያርን ምኹብላልን ዘጓነፎ ሚኒስትሪ እንተሎ ውን ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ‘ዩ፡፡

ብክታም ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ተሸይሞም ብደቂቕ ስለያዊ መጽናዕታት ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተመደቡ፡ ኣምባሳደራት፡ ዲፕሎማሲያዊ ሉኡኻትን ኣካያድቲ ቆንስላዊ ጉዳያትን ከይተረፈ፡ ሓደ ብሓደ ኣብ ዘዝገሽዎን ዝተመደብሉን ሃገር ተሪፎም’ዮም፡፡ (ዝርዝር ናይ ዝጠፍኡ ሓለፍቲ ቀጻሊ ክፋል ክቐርብ ኢዩ)፡፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ፡ ከም ግብራዊ ሳይንስን ፍልስፍናን፡ ሃገራት ዓለም ገጂፍ ባጀት ሰሊዐን ዝዋሳኣሉን ረቢሐን ዝርባሓሉን ኩለመደያዊ ጽላት ርክብ’ዩ፡፡ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ፡ ኪኢላዊ ዓቕሚ ሰብ ዝተሓወሶ፡ ዲፕሎማሲያዊ ፖሊሲታት ዝሓንጸጻ ሃገራት፡ ዕውት ዝኾነ ዝምድናታት ይምስርታ፡፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ፡ ምስ ጎረባብትን ከባቢን ብምጅማር፡ ስርዓተን ብዘየግድስ ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ናጽነት ዝተሰረተ፡ ኣብ ናጽነት ናይ መሬትን ሓድነትን ዘተኮረ፡ ኣብ ምሕላው ክብሪ ሃገር፡ ዘይምውራር፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ዘይምእታው፡ ኣብ ማዕርነትን ሓባራዊ ጥቕምን ዝተመስረተ ምስዝኸውን፡ ዱልዱል ምሕዝነት ምስ ጎረባብትን ሃገራት ዓለምን ህዱእን ምትሕልላይ ዝዓሰሎ ጆኦግራፋያዊ ክሊ ይፍጠር፡፡

ሃገርና ኤርትራ ነዞም ውሁድ ዲፕሎማሲያዊ ኣምራት፡ ክዓሙ ዝኽእሉ ሃገራውያን ኪኢላታትን መራሕቲ ስኢና ዘይኮነስ፡ ምንጪ ኩሉ ጸገማት ዝኾነ፡ ንሓደ ውስን ቀጻላ ምልኪ ዝውክል፡ ወይ ከኣ ንኣዚዮም ምሉኻት ባእታታት ጥራይ ዝምዝምዝ ብጸቢብ ዝሰረቱ ኢሳይያሳዊ ሰልፊን ስነ-ሓሳብን ስለ ዝተብሓተት ኢያ፡፡ 
ብሓፈሻ ንሃገርና ወኪሎም፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝተዘርግሑ ኢምባሲታት፡ ቆንስሊያታትን ወከልቲ “መንግስቲ”ን ዝውዘዑ ዜጋታት ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓን ድሕነትን፡ ደረጃ ትምህርቶም፡ ዓቕሞም፡ ተሞኩረኦም፡ ክእለቶምን ተወፋይነቶም ኣይኮነን፡፡ ነቶም ኣብ ሕርያ ዝኣትው ሰባት፡ ኣቐዲሞም ዘጽንዑን ዘሳልጡን’ውን እቶም እሙናት ላዕለዎት ናይ ፖለቲካን ናይ ጸጥታን ሓለፍቲ ጥራይ’ዮም፡፡ ካብ ሕርያ ክሳብ ምእሳርን ምድስካልን፡ ኣብ ዘሎ ዕማማት ዝዋስኡ ሓለፍቲ፡ ብር/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮ/ል ጋይም ተስፋሚካኤል፡ ኮ/ል ተስፋልደት ተስፋስላሰ፡ የማነ ገብረኣብ፡ የማነ ገብረመስቀልን ሓጎስ ገብረሂወት ኪሻን ጥራይ’ዮም፡፡ ብናታቶም በደላት ዝሰዓበ ዞባዊን ኣህጉራዊን ተነጽሎ “ኣብ ልዕሊ ኤርትራ” እንዳተብሃለ ምድንጋር፡ ናይዚ ዘመን ናይ ጉጅለ ኢሳይያስ ቀንዲ መሳርሒ ፕሮፓጋንዳ ኮይኑ የገልግል ኣሎ፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!!
ብሰንኪ ኢሳይያስን ጸቢብ መትከላቱን፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንዝሰዓበ ዘቤታዊን ኣህጉራዊን ተነጽሎን ክሳራታትን፡ ተገምጢልካ “ብሰንኪ ምምሕዳር ዋሽንግተንን ላቔብኡ ወያነን” ኣብ ዝበሃለሉ መድረኽ፡ ከም ሳክቲዝም፡ ነቲ ዘይ ስነ-ምግባራዊን ካብ ስነ-ሞጎት ዝረሓቐ ኢሳይያሳዊ ምኽንያታትን ደጊመ ክትንትኖ ኣይደልን፡፡ ኣህጉራውያን ውድባትን ሃገራት ዓለምን ዝተዛረብሉ፡ ጉጅለ ተቖጻጻሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብመርትዖታት ዝኸተቦ፡ ንፋስ ዝሃረሞ፡ እገዳታት ዘስዓበ፡ ጉድን ኣበርጉድን ጉጅለ ኢሳይያስ ደጊመ ደጋጊመ ክዛረበሉ’ውን ኣይደልን፡፡ ብወገነይ ነቶም ውሳነታት ዝድግፉን ነቲ ግሩህ ዘበራብሩን ተወሰኽቲ ጭብጥታት ጥራይ ኢየ ከቕርብ፡፡

ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ድኻ ሃገራት፡ ዲፕሎማሲያዊ ርክባተን፡ ኣብ ምጥላብ ወጻኢ ወፍሪ (FDI- Foreign Direct investment)ን ምድልዳል ህዝባዊ ርክባትን ከድህብ ይግባእ፡፡ ብወገነይ ህግደፍ ዘቤታዊ ዕዮታቱ ጠንጢኑ፡ ኣብ ምንዋሕ ዕምሪ ስልጣን ምልኪ ጥራይ ምስተቐሰበ፡ ኣብ ዲፕሎማሲ’ውን ምዕያይ ንሃገር ዘርብሕ ፖሊሲታት ዘይኮነስ፡ ናይ ፖሊሲ ማርሻ ብምቕያር፡ ኣብ ሃደን ዜጋታትን፡ ምግጋይ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ጥራይ ከም ዝተጸመደ እርዳእ፡፡ ብውጽኢቱ ከኣ ህግደፍ፡ ዳርጋ ኣብ ኩሎም ኢምባሲታትን ቆንስሊያታትን ዝምደቡ ኣባላት፡ ስሩዕ ዕማማት ሓዲጎም፡ ኣብ ውዳቤታት ክጥርነፉ፡ ብስም ሕድሪ፡ ሃማድኤ፡ መናእሰያት ህግደፍ፡ ማሕበረ ኮማት፡ ሃገራዊ ሽማግለ እንዳበሉ፡ ብጓይላን ደበላን ህዝብን ዓለምን ከጋግዩ ቀሲብዎም እዩ፡፡

ብሰንኪ ዝተፈጠረ ናይ ፖሊሲ ምዝባዕ፡ ዕማማት ሚ/ሪ ወጻኢ ጉዳያት ተጨውዩ፡ ክፍሊ ወጻኢ ስለያ ኢዱ ብምንዋሕ፡ ንኣምባሳደራት ዘጉባብዑ፡ ሰብ ግዜ ኮራኹር መዲቡ፡ ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ጸጥታ መሓውራት ዘርጊሑ’ዩ፡፡ ብጉልባብ ሰራሕተኛ ኢምባሲታት፡ ብቀንዱ ብኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ወጻኢ ስለያ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትግበሩ ዝተሓረዩ መደባት’ውን፡ ኣብ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማል፡ ጅቡቲን ፍሉይ ጠመተ ብምሃብ፡ ንዜጋታትና ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ክርዕዱ፡ ነተን ሃገራት ከኣ ብስለያን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ጣልቃ ምእታው ዝንቡዕ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ንምክያድ ህግደፍ ህርድግ ካብ ዝብል ነዊሕ ገይሩ ኣሎ፡፡

ኣብ ካልኣይ ክፋል ንኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጉጅለ ኢሳይያስ ንተቓወምቲ ዕጡቋት ጉጅለታት ዝሃቦ ሓገዛት፡ መሓውራት ጸጥታን ዲፕሎማሲያዊ ክሳራታትን ኢሳይያስ ዝምልከት ሓበሬታ ….. ይቕጽል