“ኣብ ኩናት ዝወዓለ ይንገርካ”

 April 18, 2018

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩቡራት ኣሓተይ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡  ከመይ ኢልክን ቀኒኺን፡ ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም፡  ኣነ እግዚኣቢሄር ይመስገን ድሓን ኣለኹ።

እምብኣር ሎሚ “ኣብ ኩናት ዝወዓለ ይንገርካ”  ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ እንሆ ቀሪበ ኣሎኹ፡

መንግስቲ ኤርትራ  ኣጎልጉለት ክእውጅ ከሎ፡  መንእሰይ ዘበለ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጽዑቅ ናይ ውተህድርና ትምህርቲ ተማሂሩ፡ ሐደ ዓመት ድማ ኣብነት ናይ ዓበይቲ ኣሕዋቱ ተጋደልቲ/ይከኣሎ ወሲዱ ማለት displine ገይሩ ኣብ  ኩሉ  ዓይነት ስርሓት ተኻፊሉ ስራሕ ክምሃር፡ ምስ ኩለን ብሄራትን ባህልታተንን ተላልዩ፡ ኣብ ነንሓድሕዱ ሕውነትን፡ ዕርክነትን ኣደልዲሉ፡ ንርእሱ ኮይኑ፡ ንስድርኡን ሀገሩን ከግልግል፡ ሀገር ክትምዕብል፡ ህዝቢ ኣብ ዘይተናውሔ ጊዜ ክሓልፈሉ፡ ብሰላምን ራህዋን፡ ክብርን ክነብር ዝብል’ዩ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ርዲኢትን እምነትን ዝነበረ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ መንእሰይን  ወለድን ናይ ሳዋ መደብ ዕልል ኢሎም ብሓጎስ ተቀቢሎሞ። ኣብቲ መጀመርታ ምናዳ፡ ገሊኦም ኣብ ወጻኢ ዝንበሩ ወለዲ ደቆም ንእሰነት ዘጋገዮም፡ ሳዋ ክእርሞም’ዩ፡ ተሪሞም ድማ ከግልሉ እዮም ኢሎም ዝኣመኑ፡  ወይ ድማ ፍቅሪ ዓዶም ክሓድሮም: ምስ ኣሕዋቶም ክላለዩ ኢሎም ዝሓሰቡ እንተኣኣገዲዶም እንተሓባቢሎም ንሳዋ ከም ዝኸዱ ዝገበሩ’ውን ነይሮም። ወለዶም ከይበልዎም፡ ባዕላቶም ዝኸዱ’ውን ኣይተሳእኑን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ዋርሳይ ናይ ዓበይቲ ኣሕዋቱ ይከኣሎ ክወስድ ካብ ይከኣሎ ክምሃር ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ኩላትና ከም ንፈልጦ፡ ተጋዳላይ ብኣታሓሳስብኡን፡ ናይ ስራሕ ድልየቱን ክእለቱን፡ ናይ ሓድሕድ ፍቅሩን ተወፋይነቱን ምስኩር ስለ ዝነበረ  እዩ። ትምህርቲ መሰረት ናይ ኩሉ ስለ ዝኾነ፡  ኣብ ሜዳ  መሃይምነት ምጥፋእ፡ ቀዳምነት ነይርዎ፡ ካብኡ ድማ ጊዜን ኩነታትን ከም ዝፈቀዶ ካብ መማሃራን ዝነበሩን ካብ ነንሕድሕድካ ምምሃር ነይሩ።

 ካልኣይ፡ ምስ ከም ድላዩ ዘይጸገበ ከብዱ፡ ዘይማሞቈ ዝባኑ፡ ኩናት ዝሕል ኣብ ዝበለሉ እዋን፡ መንገድታትን፡ ንኣሽቱ ድልድላትን ሰሪሑ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ሓረስቶት ኣብ ቀውዒ ሐጊዙ፡ ማዕረ ንኸብቶም’ውን ክትባት ይገብር ነይሩ።

ሳልሳይ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብረት ሒዘን ተዋጊኤንን ተሰዊኣንን፡ ብኹሉ መዳያት፡ ክእለተንን፡ ማዕረነትን ኣመስኪረን። ጓል ኣንስተይቲ ተማሂራ ኣብ ስራሕ ይኹን ኣብ ምምሕዳር ማዕረነት ኣንተይዘይብላ ሀገር ከምቲ ዝድለ ንቅድሚቲ ክትስጉም ኣይትኽእልን እያ፡  ተጋዳላይ ጓል ኣንስተይቲ ካይዕምጽ፡ ብዕሊ ሰብኣይን ሰበይትን  ከይኮኑ፡ ከይደፍራ፡ እንተደፈራ ድም  ቀሊል ዘይኮነ መቅጻዕቲ  ይቅጻዕ ነይሩ፡ ራብዓይ፡ ንስኻ ሕለፍ ኣነ ክጸንሕ ዘይኮነስ ኣነ ክሓልፍ ክስዋእ፡ ንስኻ ጽናሕ፡ እዩ ነይሩ፡  ካብዚ ዝዓቢ ተግባረ ፍቅሪ፡ ኣብነት ፍቅሪ ከቶ የልቦን።

ህዝቢ ኤርትራ ንሽሾ ሰራዊት ምስ ዘይትኣደነ ማሳርያታቱ ዝስዓሮ፡ እብቲ ርእሲ ናይ ዓለም ኩነታት፡ ብሕልፊ ድማ ናይ ከባቢና፡ እዚ ዝሰመኽዎ ባህርያት ኣብ መንጎ ተጋዳልይ ስለ ዝነበረን፡ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብቲ መሪር ቃልሲ ብኹሉ እንትንኡ ስለ ዝተኻፈሎ እዩ። መንእሰይ ኣብ ሜዳ ቅያ ክሰርሕ ከሎ፡ ክምሃር ኢሉ ንወጻኢ ዝኸደ ድማ፡ ትምህርቱ ራሕሪሑ፡  ኣብ ሕሱር ሽቅለት ኣትዩ፡  ኣብ ዓዲ ሃብታማት ደኽዩ፡ ንገድሉ ብገንዘብ ይኹን ብንዋት፡ ብንዋጻእተኛታት ምንቃሕ፡ ብብዙሕ መንገድታት ሓጊዙ።  ነጋዶን፡ ናይ መንግስትን ተራ ሰራሕተኛታን ዝነበሩ፡ ወነንትን መካየድን ትካላትን፡ ሸቃሎን ሓረስቶትን ጥጡሕ መነባብርኦምንን ንብረቶምን ገዲፎም፡ ምስ ትሕዝትኦምን፡ ፍልጠቶምን፡ ተሞክሮኦምን፡ ደቆም ኣዘኽቲሞም ሓዳሮም ኣጸምዩም፡ ንገድሉም ኣበርኪቶም። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተኻፍልነት፡ ድማ ሓለፍ ዝበለ’ዩ።  ሰብኡተን ክይዶም ኣቦ ዘይብሎም ቆልዑ፡ ከርተት ኢለን ኣዕብየን። ንገድለን ብሕቡእ ከገልግላ ተታሒዘን ወይ ተጠርጢረን ተኣሲረን፡ ተቀጥቂጠን፡ ካብ ሕሱም ምቅጥቃት ሰንኪለን። ንወጻኢ ከይደን እንዳ ሃብታግማት ሰሪሔን ንስድራ ቤተን ጠዊረን፡ ንገድለን ድማ ንጽባሕ ከይበላ ደሞዘን ጥራይ ዘይኮነ ኣዋርቀን ከይተረፈ ሂበን። ህዝቢ ደቅና ክብል ተጋደልቲ ድማ “ንሕናስ ሓንቲ’ያ ዕላማና ኣብ ዓዲ ዘለኹም ብኽልተ ሓዊ ተበሊዕኩም፡ ኣብ ወጻኢ ዘለኹም ድማ ስድተኛታት ኮይንኩም ትምህርትኹም ገዲፍኩም ኩሉ ንገድሊ ኮይኑ። ገሌኹምስ’ባ ተማሃሩ፡ እዛ ሀገር ጽባሕ ንግሆ’ኮ ምሁራት ከድልይዋ እዮም” ይብሉ ኔይሮም።  እዚ  ዘኩርዕ ተመክሮ እዚ ሓሊፉ ድኣ  ሳዋ መበቆል ስሚ መንእሰይን  ኩሉ ዓይነት ክፍኣትን ጥፍኣትን ስደትን ትኸውን፡ ኢልካ ከመይ ጌርካ ክትሓስብ፡ ካብ ምንታይ ተላዒልካ’ሞ ከምኡ ክትብል።  ‘ነገር ኣይምኸፍኤን ናይ ዶብ ውግእ’ዩ ጠንቂ እዚ ኹሉ’ ይባህል። ግን እቲ ሓቂ ድማ ብዙሕ ተዚርቡሉን ተጻሒፉሉን እዩ። ሓወይ ዶክቶር ጋይም ክብርኣብ ኣብታ ዓሚ - 2017 -  ብእንጊዘኛ ዝተጻሕፈት መጽሓፉ “The Eritrean National Service – Servitude for The Common Good” & the Youth Exodus” ትብል መጽሓፉ ምስ ዘይማትእ ጭብጥታቱ ታሪኽ ሳዋን፡ ዘከትሎ ዘሎ ናይ መንእሰያት ዘስካሕክሕ ስቅያትን፡ ማእሰርትን፡ ሞትን፡ ጠገለ ዘይብሉ ስደትና ገሊጹ።  ብሓቂ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ እያ። ኣብ ትገርኛን ዓረብኛን እንተትርጎምሲ ክንደይኮን ምጸበቀ!

እወ ን 18 ኣዋርሕ ኢሎም ዝኸዱ፡ ልዕሊ 14 ዓመታት ኣብ በረኻ ተታሒዞም ትምህርትን ጥዑይ ስራሕን’ሲ ይትረፎም ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዘመን ባሮት ኮይኖም ዝረኸበ ይርከበኒ ኢሎም መንእሰያታ ብቀጻሊ ብኣሽሓት ይስደዱ ከለው፡ ከምዚ እንተድኣ ቀጺሉስ እምበርዶ እታ ሀገር ከም ሀገር ደው ክትብል’ያ ኢልካ

 ኣብ ምስቁርቋርን ፍርሕን  ትኣቱ። ትገብሮ ዘይብልካ፡ ከም ጽሉል ምስ ነብስኻ ትዛረብ፡  ተደይብ ተውርድ።  “ኣንታ ሓወየ ንዓኻውን ከም ኩሉ ፍጡር ሞት ኣይትንሕፈካን’ያ ንመን ምስ ነሓፈት፡ ኣርጋን’ኳ ኣርኪባትካ፡ ኣብ ክንዲ መርገምሲ ምርቃ’ዶ ኣይመሓሸካን።  ኤርትራ ንደቃ ምድራዊት ገሀነመ እሳት ኮይና ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮረያ ተባሂላ ንስኻ መራሒኣ  ኣብ  እዋን ቃልሲ ህቡብ ዝነበርካ፡ ሎሚ ካብ ትጽላእን፡ ትፍንፈን፡  ናይ ኣፍርቃ ምንኣስ ማንዴላ ክትከውን ተኽሎን ዕድልን ነይሩ’ኳ እንድዩ፡ እንታይ ድኣ ወረዳካ?  ኣቱም ኮለነላት ጀነራላት፡ ንገለ ዓመታት ስለ ህዝቢ ህይወትኩም ክትውፍዩ ተሰሊፍኩም ኔርኩም። “ዓወት ንሓፋሽ” እናበሉ ክምህ ከይበሉ ግንባሮም ንጥይት ዝሀቡ ብጾትኩም ቀቢርኩም መጺእኩም፡ ሕድሮም ጠሊምኩም፡ ህዝቢ ክሒድኩም፡  ናይቶም በብዓይነቶምን በቢጊዚኡን ዝመጹ ገዛእቲ ኤርትራ ተደሚሩ ዘይዳረጎ ስቃይ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ሳዋን፡ ኣብ ልዕሊ ጠቅላላ መንእሰይን ህዝብን ተዝንብዎ ዘለኹም፡ ምኽንያትኩም እንታይ’ዩ?  ኣራዊት፡ ኣራዊት’ዩ። ሰብ ኣብ ኣራዊት ምስ ተለወጠ ግን ክንደይ ይመርር።  ሓደ ጊዜስ ደጀማች ገብረዮውሃንስ ተስፋማርያም  50 ኣዛብእ መራሒኦም ኣንበሳ ኩሉም ኣናብስ፡ 50 ኣናብስ መራሒኦም ዝብኢ ድማ ኩሎም ኣዛብእ ኢሎም። ንስኻትኩም ድማ ከምቲ  መራሒ መዋዳድርቲ ዘይብሉ ጨካን፡ narcist ብስቃይ ሰብ ዝሕጎስ፡ ደም ሰብ ሰትዩ ዘይጸግብ እንታይ ኣኾነኩም?  ንሕና ብህወትና ከለና መን’ዩ ዝደፍረን ኢልኩም ጽላል ክንዲ ትኾንወን፡ በራውር ኣዋልድ ኣሕዋትኩም፡ ናይ ጽባሕ ኣዴታትን መራሕትን፡ መዝሓል ውዕይን መዛናግዕን ጌርኩም፡ ኣሳቂኹም ኣብ ሙሉእ ዕድሜኤን ዘይሃስስ በለላ ትገድፉለን። ነቶም ደቂ ተባዕትዪ ናይዚ ዘለናዮ ዘመን ባሮት ምግባር ዉሒድኩምስ፡ ሃንደስቲ ናይ ዶብ ምስጋርን፡ ምስ በደዊን ተማሻጢርኩም ትሸጥዎምን፡ ኣሕሪድኩም ክፍሊ ኣካላቶም ኣብ ዕዳጋ ተውርድዎ። እተን መከረኛታት ደቂ ኣንስትዮ ካብዚ’ውን ኣይምልጣን እየን። ንገንዘብ ኢልኩም እዚ ኹሉ ናይ ኣራዊት ስራሕ ሓሳድነት - sadism - ዝተጎዝጎዞ ምግባርኩምሲ   እንታይ ኮይ ይኸውን? በዚ እንተበልካ በቲ  ቅንጣብ መግለጺ ዘይትረኽበሉ!! ኤርትራ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዕጽፊ ቁጽሪ ናይዚ ዘሎ ህዝቢ ትሕዝ ሃገር’ያ። ስርዓትን ፍትሓን ዘለዎ ኣመራርሓ እንተዝሃሉ፡ ነጻነትና ንምርካብ ዝከፈልናዮ ክቢድ ዋጋ ወትሮ እንተንዝከር፡ ተማሃር ተማሃራይ፡ ሕረስ ሓረስታይ፡ ሸቅል ሸቃላይ፡ ንገድ ነጋዳይ፡ ጽሓፍ ጸሓፋይ፡ ብሕታውያን ጋዜጣታትን ተለቪጅናትን ራድዮታትን ይንገሳ መንእሰይ ይኮስኮስ፡ ህዝቢ ይፍለጥ ይማራመር፡ እንተዝኽውን ነይሩ፡መንግስግቲ ብካብ ህዝቢ ዝእክቦ ግብሪ፡ መንገድታት፡ዓላታት፡ ሓጽብታት፡ ዓበይቲ ሕርሻታት፡ በቢዓነተን ትካላት ምዓንበባ።ድኽነት ምጠፍኤ፡ ሰብ  ከከም ዓቅሙ መንበሪኡ ቤት ምሰርሔ፡ ኣብ ክንዲ ‘ኣስመራ’ ክትብል ጽሓይ ዝዓርበካ፡ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ምተኾልዓ፡ ሓደሽቲ ድም ምተፈጥራ፡ ብዘይ ምግናን ነብሲ ወከፍ ስድራ ኣብ ገማግም ባሕሪ ከከም ዓቅሙ መዕረፊ ጎጆ መስርሔ። ሰብ ድኣ መብዛሕትኡ ጊዜ ካብ ታሪኽ ክምሃር ይጽግሞ’ዩ ይመስለኒ እምበር፡ ካብ ታሪኽ’ባ ተማሃሩ! ጆሰፍ ጎበልስ ዝተባህለ ናይ ፕሮፓጋንዳ ሚንስተር የማናይ ኢዱ ንሂትለር፡ ጀርመን ስዕረታ ተራጋጊጹ  በርሊን ብኣየር እናተደብደት፡ ንሱ፡ ኣብ ገዛውቲ ናይቶም ብጥይትን ጋዝን ዝወድእዎም ኣይሁዳውያን ክቡር ዕንቁን ብሉጽ ኣሳእልን paintings ይዘምት ኔይሩ፡ ዘይተውጽኦ ምስ ፈለጠ ንሱን ሰብይቱን ን 6 ደቆም እንተ ብስሚ እንተ ብመርፍእ ኣቅቲሎም ርእሶም  ሽጉጦም ሰትዮም ኣሕሊፎማ። ዝኣከብካ እንተኣከብካ፡ ምሳኻ ሒዝካዮ ትኸይድ የልቦን። እዚ ድማ ካባኹም ንላዕሊ ዝፈልጦ የልቦን። ኣብቲ ካብ 1945 ክሳብ 1946 ኣብ ኑሩምበርግ  ዝተኻየደ ዳንኘት፡  ብ International Military Tribunal (IMT). ዝፍለጥ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ፍርዲ ዝቀረቡ ናይ ውጉእ ገበኘኛታት  - war criminals - ንሞት ተፈሪዶም፡ ብዙሓት ውን ንደቡብ ኣመሪካ ከም በዓል ቦነስ ኣይረስ ሃዲሞም፡  ካብ ርእሶም  ክሃድሙ ግን ኣይከኣሉን። ሕልንኦም ድቃስ ከሊእዎም፡  ኣብ ዓዲ እንዳማቶም ከይፍለጡ ፈሪሖም ሽልብ ግልብ እንዳበሉ - ገሊኦም’ኳ ተታሒዞም - እርጋንን ሞትን መጺኣቶም።  ኣቱም ኮሎነላት ጀነራላት - መላይን ገንዝብ ኣብ ወጻኢ ኣሎኩም፡  ነዚ መከረኛ መንእሰይ ግደፍዎ’ባ ነዚ ዝተጠልመ ኳዕናን ህዝቢ ሃጽ ኢሉ ቁሊሕ እናበለ ዓዱ ክገድፋ ዝግደድ ዘሎ ካብ ርእሱ’ባ ውረደሉ እናበልኩ ክምቲ ኣቀዲ ዝበልክዎ ንበይነይ ከም ጽሉል እዛረብ። ምስ ደኸመኒ ድማ፡ ከም ብዙሕ ዓቅሉ ጸቢብዎ ዘሎ ህዝብና፡  “ ዎ ኩሉ እትኽእል ጎይታ ብዓይኒ ምሕረትካ’ባ ጠምተና’’ እብል።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ “ኣብ ኩናት ዝውዓለ ይንገርካ’ ዝበልክዎ፡ ሽሕ’ኳ ቅድሚ ሕጂ ታሪኽ ሳዋ እንተተነግረ፡ ባዕሎም ደቂ ሳዋ እውን ታሪኾም  እንተነገሩ፡  ወደይ ኣማኒኤል ስዩም ‘ሳዋ እንታይ ኣፍረየት” ብዝብል ኣርእስቲ እናኻፍፈለ  ታሪኽ ሳዋ ኣብዚ ቅናያት እዚ ዝዛረቦ ዘሎ  ገለ ካብኡ ንመጀመርታ’የ ሰሚዔዮ።  ጀነራላትን ኮሎኔላትን ሓለፍቲ ናይ ሳዋ፡ ተዓለምቲ ደቂ ሳዋ ‘ኢሳያስ ዝመራሒኦም ጉጅለ ሽፍታ’ ኢሎም ዝጽውዕዎም፡ መንእሰያት ኣብ ሳዋ እትው ምስ በሉ፡ እታ መጀመርታ ዝገብርዋ  እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ዝነብሮም ነጻ ኣታሓሳስባ ካብ ሓንጎሎም ሓጺቦም፡ ቀንዲ ስርሖም ነዞም ሓለፍቲ እዚኣቶም ምግልጋል፡ ማለት ገዝውቶም ምስራሓን ጀርዲኖምን ሕርሽኦምን ምክንኻን ንሃገር ምግልጋል ከም ዝኾነ ብዝተ3ፋለለየ መንገዲ የእምንዎም።   መዋዳእታ ዘይብሉ ባርነት ምስ መረሮም ግን ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም ይሃድሙ። ካብ ሞትን ካብ ኩሉ ኣሎ ዝብሃል ሓሳረ መከርና ንስክላ ወጺኦም ኣብ ነጻ ሀገር ምስ መጹ፡ ገለ ካብኣቶም ‘ነብስና ፈቲና  ወጺእና እምበር ሃገርና ክነገልግል ነይሩና’ ይብሉ።  እዚ እምነት እዚ እቲ ዝኸፍኤ እዩ ክብሃል ይከኣል። ከምኡ ዝኣመሰለ ኣታሓሳስባ እንተዘይህሉ ሕብረት ምተረኸበሞ ምረት ሳዋ ኣይምቀጸለን፡ እቲ ስርዓት ድማ ኣዳዕዲዑ ኣብ ስልጣን ኣይምጸንሔን።   ኣገዲድካን ጨቁንካን ንዓመታት ዝሓዝካዮ መንእሰይ ዕድል ክረክብ ከሎ ዝረኸበ ይረከበኒ ኢሉ ዝወጽእ ኣይኮነን  ሀገር ዝሕሎ። እንታይ ድኣ ንኽሉ መንእሰይ ከምቲ ኣዋጅ ን 18 ኣዋርሕ ናይ ኩሉ ዓይነት ስልጠና ሂብካ ናብርኡ ክገብር ሀገር ክሃንጽ ትገድፎ። ቀወምቲ ወታሃደራት professional soldiers -  ርቡሕ ደሞዝ ምስ ጥሮትኡ ጌርካ ሃገርክ ትከላኸለላ። ብሐቂ ልኡላውነትና ዝፋታተናና ጎባጢ እንተመጸ ድማ፡ ክተት ተባሂሉ ኩሉ ይኸትት።  ናይዚ ዘሎ ሰይጣናዊ  ስርዓት ርኡይ ዓላማ ግን፡ ኮነ ኢልካ ኣብ ውሽጢ ዘሎ መንእሰይ ምናምን ጌርካ ኣብ ደገ ዘሎ ኤርትራ’ኳ ክሳብ ክንድቲ ዘይፈልጣ፡ ብሐውሲ ሓቂ ዝመስል ሓሶት እናሰበኽካ፡  ጓይላ ከም ዋና ባህሊ ዋሲድካ ህዝቢ ብሓፈሽኡ ኣሳቂኻ ሀገር ምጽናት’ዩ። ካልእ ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን’ዩ።  ኮይኑ ግን ከምዚ ወደይ ኣማኒኤል ዝገልጾ ገለ መናእሰይ፡  ናይዞም ሸፋቱ ኢሎም ዝሰምዩዎም ጉጀለ ሽጣራታትን። ተንኮላትን፡ ኩሉ ኣኼሳዊ ተግባራቶም ተረዲኦም፡  ካብቲ ክፉእ ዝገብሩኻስ ክፉእ ዘልሙዱኻ፡ ከም ዝባህል ካብ ምረት ሳዋ ክእለዩ፡  ዘይተጸለሉ ተጸሊልና፡ ዘይጸመሙ ጸሚምና  ክብሉን ካልእ ክፉእ ኣመላትን ዝተማህርዎ ኣላሊዮም ንመንእሰይ ከላዕሉን፡ ነቲ ስርዓት ክምክትዎ ,ምትንስኦም  ዓቢ ተስፋ ይህበካ፡  ኮይኑ ግን እዋእ ደቀይ ክንደይ መንእሰያት ድማ ይሓልፈልና ይኸውን ኢሎም ድሕሪ ክንደይ ጭንቂ ዐዲ ሰላም ኣትዮም፡ ሀገር ቀላይ ኮይንዎም  ኣላይ ዘይብሎም፡ ነብሶም ዝቀትሉን  ኣብ ጎልጎል ተደርብዮም - homeless  - ዝኾኑ ድማ ኣለው።  እወ፡ ኣሽምባይዶ እዚ ኹሉ ዓለም ዘስካሕክሕ ዘሎ ስቅያት ኢ-ስብኣዊ ተግባራት ሃልዩ፡ ብዘይ ብኡውን ዓለም ቀላል ኣይኮነትን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ከምቲ ብርቱዕ ሓዊ ገዛውትን ናይ በረኻ ኣግራብን ምስ ሃሞኸ፡ ፈጺምካ ክተጥፍኦ  ብርቱዕ ማይን ምትሕብባር ሰባትን  ዘድለዮ፡  እዚ ዘሕፍር ስቃይ መንእሰያትን፡ ብሓፈሽኡ ህዝብን ከኽትም፡ ኣንነትን ንዓይ ስምዑኒ ምባልን ገዲፍና፡ ትሕትናን፡ ህድኣትን፡ ጽን ኢልካ ምስማዕን መለዮና  ጊርና ከም ብሓድሽ ሓቢርና ንተንስእ።  እቲ ኣዝዩ ዘስደምም፡  ዘፍርሕ፡ ነዚ ኩሉ ዝዘንብ ዘሎ ስቃይ ከም ንቡር፡ ጌርካ ምቅባሉን፡ ተገብረ እናበልካ ከም ተራ ዕላል ምዕላሉን፡ እዩ። ሓንሳእ ትጋገ፡ ሓንሳእ ዓይንኻ ትዓጹ፡ ሓንሳእ ትጋራጮ፡ ደጋጊምካ ምግጋይን፡፡ ቀጺልካ ዓይንኻ ምዕጽውን፡ ናይ ሓቂ ዕላማኻ ፍትሒ ንህዝቢ እንተኾይኑ፡ ሓደ ክልተ ጉጀለ ነይርካ ኣብ ዕስራን ሰላሳን ምፍንጫል ግን ይቅሬታ ዘይብሃለሉ ሕፍረትን፡ ውርደትን፡ ጥልመትን እዩ።  ክፉእ ዝገበርን ክፉእ እናተገብረ ስቅ ዝበለን ክልቲኦም ገበኛታት ሙዃኖም ነዛ ርእስና  ደጋጊምና ነዛኻኽራ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ባዕሉ ዝመልመሎም ህግደፍ ንሙሉእ ህዝቢ ጠሊሞም። ንሕና ኣብዚ ሰዓት’ዚ ቀጺልና ስቅ እንተበልና ድማ ነቲ ዝሳቀ ዘሎ ንጠልሞ ኣሎና። እሞ ኣቱም ኣብ ስሳታት ቃልሲ ዝጀመርኩም፡  ገለኹም ባዕልኹም ክንዛዘሞ ኣለና እናበልኩም ትሓሙ፡ ኣንቱም ሀገር ክተማዕብሉ ምስ ገንዘብኩም ኣቲኹም ዒሕ እናበልኩም ናብ ስደት ዝተመለስኩም፡ ዕድመ ድፍኡ እምበር ምስ ጥዕናኹምን ዘለኹም፡  ኣቱም ዕድል ረኺብኩም ከም ባዓል ደቡብ ኣፍሪቃ ተመሂርኩም፡ ኣብ ወጻኢ ኣብ ንኣሽቱን ዓበይትን ስራሓት ተዋፊርኩም ሰላማዊ ናብራኹም ትገብሩ ዘለኹም፡ ኣቱም ኣብ ፈቀዶ ኣፍሪቃ ዘለኹም፡ ዋላ ከልበትበት ይሃልዎ እምበር ወፊርኩም ትኣትዎ ዘለኹም፡ ሓንቲ ለሚን ንሓደ ሳብ ትጠቅሞ’ያ፡ 50 ለሚን ንሓድ ሳብ ግን ሸኸሙ’የን፡ እሞ ክደግሞ ሓቢርና ንተንስእ። ካልእ ምርጫ የብልናን።

እምበኣር ነዊሕ ተዛሪበ እሀ’ሞ ዘረባይ  ኣብዚኣ ይዓጽዋ ኣሎኹ።

ዘለኣለማዊ ክብርን መስጋናን ንዕኡ ንኣምላኽና ይኹን።  ኣሜን።

የቀንየለይ

ኣበባ