መንገዲ ድሓን ጀሚሩ ካልኣይ ክፋል

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡

ክመይ ኢልኩም ቀኒኹም፡ ከምይ ኢልካን ቀኒኽን፡  ኣነ ኣምላኽ ይመስጋን ድሓን ኣሎኹ።

እታ ብጥቅምቲ 31, 2017 ዓ.ም. ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣል ድያእ ኣል-እስላምያ ኣብ ኣኽርያ  ዝተወለዐት ሽግ ዋላ  ቀሸም ወሲኽና ሃልሃል ነብላ፡ ናይ ኤርትራ ሰማይ ብብርሃን ክትቀዶ፡ ተጻዒኑና ዘሎ ጸሊም ደማና ክቅንጠጥ፡ ብሕሱም መንድዓት ዝጎበጠ ዝባንና ትኽ ክብል፡ እሱራትና ክፍትሑ፡ ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ክቀርቡ፡ ኣስከረን  ዝተደርበዩን ዝሓቀቁን ኣሕዋትና ኣሓትና ንቡር ክንገብሩሎም ሓመድ ኣዳም ክለብሱ፡ ማእለያ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ዝረከብዎም ስደተኛታት ኣብ ልብያ ሓውሲ concentration camp: ማዕረ ዝሽየጡን ዝለወጡን ዘለውን፡ ኣብ  እስራኤልን ፡ ሱዳንን፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ፋሕ ብትን ኢሎም ዘለው ዓዶም ክኣትዉ፡ ማይ ርብኦም ክስተዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩላና ንከታተሎ ከም ዘለና ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ካብ ንብኢሳያስ ዝውነን ህግደፍ ኣናጻር መትከሎም ምእዛዝ ክእሰሩ መሪጾም።  ናይዞም ኣቦ እዚኦም ትብዓን ጽንዓትን ድማ  ንተማሃሮ ናይታ ቤት ትምሃርቲ ከምቲ ኩሉ ተማሃራይ ዝገብሮ ተቃውሙኦም ክገልጹ ወጺኦም፡ ብዙሕ ሰብ ሲዒብዎም ክሳብ ጠያይት ንላዕሊ ተተኩሱ ፋሕ ዝብሉ ድማ መሪሾም።  ቅድሚ ሕጂ ኣብ እተፋላለየ ግዜ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትርራዊ  - diaspora - ንሃገርና ከምክና ዝጓየ ዘሎ ጨካን መራሒ ጨካን ስርዓት  ተቃውምኡ ኣርእዩ እዩ።  ናይ ሎሚ ተቃዉሞ ግን ብዝሑን ሓደነቱን ሞራልካ ሓፍ ዘብል  እዩ ኔይሩ።

ባሕሪ ሰጊሩ ዝመጸ ባዕዲ ይኹን ካብ ህዝቢ ዋጋ ዝኸፈለሉ ስልጣን መንዚዑ ዝሓዘ ይኹን፡  መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ማክያቨሊ እምነት - ፈላሊኻ ምግዛእ ይጥቀም።  ኢሳያስ ድማ ሃይሞኖትን ኣውራጃን ሕሪ ሕራይ ጌይሩ ይጥቐመለን ኣሎ።  ናይ 31 ጥቅምቲ ታሪኻዊት መዓልቲ  ተርእዮ ግን ህዝቢ ኤርትር ን ሰላሳ ዓመታት ዝኣክል  ዝኽፈለ ዋጋ ኸፊሉ ሃይ ከይበለ ዝተዋግኤ ንሃይማኖት ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ሕጊ መሰሉ ተሓልዩሉ ርህይዎ ብሰላም ምእንቲ ክነብር ከም ዝኾነን፡ ሃገር ናይ ኩሉ ሃይማኖት ግን ናይ ብሕቲ ሙዃኑ ኣሚኑ ዝጕዓዝ ከም ዝኾነ፡ ብድጋሜ ዘራጋግጽ እዩ ኒይሩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ናይ ሰላሳ ዓመታት ናጽነትና ንምርካብ ሞትን፡ ድኽንትን፡ ዕንወትን፡ ስደትን፡ ምብትታን ስድራቤታትን ዘስዓበ ኩናትን፡ ናይ 26 ዓመታት ድቅድቅ ጸልማትን፡ እዚ ዳሕራይ ወለዶ ሓቂ ታሪኹ ክፈልጥ ዕድልን እፎይታን ኣይረኸበን። እፎይታስ ይትረፎ ካብ  መሬት ዓዱ፡ ዓዲ ኣቦታቱ፡ ኣዴታቱ፡ ኣባሐጎታቱ፡ እኖሓጎታቱ ከም ዝወጽእ ተገይሩ፡ ዕድሎቱ ድኽነትን፡ ጥሜታን፡ ሕማምን፡ ብርነትን፡ ተካል ኣማውታ ሞትን ኮይኑ ኣሎ።  እሞ ኣነ ብወገነይ  ገለ ካብቲ ዝፈልጦን ዝሰማዕክዎን ምውሃሃድን፡ ፍቅርን፡ ምትሕግጋዝን ናይዞም ኣመንቲ ክልተ ሃይማኖታት ከካፍለኩም እፈቱ።

ክሳብ ኣዚ ቀረባ ጊዜ፡  ኣብ ከባቢ ከተማታት ዝማሃሩ ዝነበሩ ተመሃሮ፡ መባእታምስ ጨረሹ፡ ማእከላይ ትምህርቲ ንምቅጻል ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት እዮም  ዝኸዱ ዝነበሩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዓድታት ዝምሃሩ ዝነበሩ ኣብ ኣስማራ ይሙጹ ነይሮም።  ወይ ምስ ቤተሰቦም ወይ ድማ ደቂ ተባዕትዮ እንተኾይኖም፡ ብሽግሌታ  ይማላለሱ ነይሮም።  ኣብ ፈረቃ ሓምሳታት፡ ኣቦይ ቀሺ ተውልደብርሃን ዝተባህሉ ባዓል እምባደርሆ፡ ጓሎም ማእከላይ ቤት ትምህርቲ ክትቅጽለሎም፡ ሓንቲ ኣብ ኣኽርያ ዝነበረት ናይ  ኣስላም ስድራ እቶም ኣቦ መዋቲ ኮይኖም እተን ኣደ በይነን ክልተ ደቀን ዘዕብያ ዝንበራ ተቀቢላታ። ዓባይ ሐፍተይ ቀንዲ ማሓዛ እዛ ሓዳስ ስድራ ዝረኸበት ጓል ኮይና ካብቲ ገዝኦም ኣይንፍለን ኔርና። እዘን ብርኽቲ ኣደ ነዛ ተማሃሪት ፈጺመን ኣየጋየሽኣን። ልክዕ ከምተን ደቀን ጌይረን ይሪኢኣ ነይረን። “ደቀይ ክልተ ኣይኮናን ሰለስተ እየን” ክብላ’ዉን ይስማዓ ነይረን። ኣቦይ ቀሺ ገይሾም ክመጹ ከለው “ኣቦይ ቀሺ መጺኦም  ቀልጥፋ ትምትሞ ስርሓ” ክብላ እዝከረኒ። ስጋ ክሳብ ዘይኮነ ካብ ሓንቲ ማዓዲ ኢኻ ትበልዕ። ጸልት ክገብሩ ከለው፡ ኩሉኻ ኣቃልቦኻ ኣብቲ ጸሎት ጌርካ ጽን ኤልካ ትስምዕ።  ኣቦይ ቀሺ ሸዊት ሒዞም ክመጹ ከለዉ ሙሉእ ካንቸሎ ይጽዋዕ። ሰሓቅን፡ ወኻዕታን፡ ሽሻይን ኔይሩ።

ከምኡ’ዉን ሓደ ስድራ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝቅመጡ ዝነበሩ፡ ወዶም ትምሃርቲ ክቅጽል ደልዮሞ ግን ኣብ ኣስመራ ቀረባ ቤተሰብ ኣይነበሮምን።  እቶም ኣቦ ሐረስታይ ከም ሙዃኖም መጠን፡ እኽሊ ይኹን ድንሽ ንነጋዶ ኣስመራ ይሸጦሎም ነይሮም።  ንሓደ ካብቶም ዓማዊሎም ኣስላማይ፡ “ወድይ ከምህሮ ደልየስ ቤተሰብ የብልናን ብጃኻንዶ ሓግዘኒ” ምስ በልዎም ምስ ባዓልቲ እንድኦም ተማኺሮም ሕራይ ደቀይ ዝበልዕዎ ይበልዕ ኣምጽኣዮ ኢሎሞም።  እቲ ተማህራይ ምስዞም ቤተሰብ እዚኣቶም ልስዕ ከም ወዶም ተፈቂሩን ክቢሩን ብዘይ ዝክፍታ ትምህርቱ ወዲኡ።  ኣብዚ ሓጺር ጊዜ ብስልኪ ተራኺብናስ፡ ምስቶም ስድራ ቤት ዘሕለፎ ዝቡቕ ጊዜን፡  ኣብ መንጎ ክልተ ስድራቤታት ዝተፈጥረ ዝምድናን ፍቅርን ደጊሙለይ።  “እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝነኒ ግን ስጋ ዘይምብልዔይ’ዩ።  ሎሚ እንተዝኸውን ጥዋዕዋዕ መበልክዎ” ኢሉ ኣስሒቁኒ።  ካልእ ኣቦይ ቀሺ ተኪኤ ዝተባህሉ ባዓል ዓዲ ሽማንጉስ ላዕላይ ሓሚሞም ኣብ ኢናይል ሆስፒታል ኣትዮም።  መዳቅስቶም ሓደ ኣቦ ኣስላማይ እዮም ኔይሮም። ሓንቲ መዓልቲ ትብለኒ ጓሎም፡ እዋን ስግደት ኮይኑ በዓልቲ ቤቶም ክሰግዳ ምንጻፋ ሸር ከብላ ከለዋ እቶም ቀሺ “ፋጥማ ጓለይ ኣብ ጸሎትኪ ዘክርኒ” ኢሎማ። ወያ ጓሎም በይኖም ምስ ኮኑ “ኣቦይ ከመይ ጌርካ ንኣስላመይቲ ጸሎት ግበርለይ ትብላ?” ምስ በለቶም፡ ወይለቦኺ ደይ ንሱ ሓደ ፈጣሪ እዩ፡ ንስታም ረቢ ይብልዎ ንሕና ድማ ኣምላኽ ንብሎ። ኣምላኽ ጸሎታ ሰሚዑ ክምሕረኒ ይከኣሎ እንድዩ” ኢሎማ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ኣኽርያና ተርእዮ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣመስኪሩ፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ንመጀመርታ ጊዜ ደቂ ኣንስትዮ ኣስላምን ክርስትያንን ብብዝሒ ክስተፋ ተራእየን! ዝኾነ ይኹን ንኤርትራ ዘርኢ ኣድላይ ጉዳያት ዝተፋላለየ ኣኼባታት ይኹን demonstration ብደቂ ተባዕትዮ እዩ ዝሕዛእ። “ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ” ይብል እቲ ዘማራይ፡ እንሆ ሕጂ ግን “እቲ ኢደይን ይኳለስሉ እቲ ኣፈይን ስቅ ኢሉ” እንድዩ ነይሩ፡ ካብ ሎሚ ንንየው ግን የእዳውና ንኻልኦት ከነኾሉሰሉ ኢና ብቀንዱ ግን ንዓና” ዝብል መልእኽቲ ንህዝቢ ዘማሓላልፋ ዘለዋ ኮይኑ እስማዓኒ። ድሓር ድማ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ምግዱር ስደተኛ ብበቢዓይነቱ መንግድታት፡ ብመግቢ ድዩ ብሕክምናታት ወዘተ.. ዝሕግዛ ዝጓየያ ዘለዋ ኩልትና ከም ንፈልጦ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ካብ መሸጣን፡ ክፍሊ ኣካላቶም ንዕዳጋ ከውርዱ ምስያፍን፡ ብርነትን ምድሓን፡ ክሳብ ኣብ እስራኤልን ሱዳንን ዝርከባ መናእሰይ ኤርትራውያን ተዓሚጸን ኣቡኡ ዘይፈልጥኦ ቆልዓ ተሰኪመን ኣብ ብርቱዕ ስቃይ ዝርከባ ከምዚ ኹሉ ኣለይ  መለይ ይብላ ካይታሓለላ ንዓለም የእውያ። ከምኡ’ዉን መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኢ-ሰብኣዊ ገበናት ይፍጸም ኣሎ ክብሉ መርትዖታት ኣቅሪበን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምዚ ዝርኤ ዘሎ ብቀትሩ ቀልጢፉ እናጸልመተና ይኸይድ ኣሎ። እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ዋላ እንተኣስርኩምና፡ እንተቀትልኩምና፡ ካብ ዓድና ከም ንወጽእ እናገብርኩም እምብልና ኣይንወጽእን ዝበለ፡ ትካላቱ ጋራጃት ከይተረፈ ደስኪሉ፡ ብገዛእ ገንዘቡ መቁነን ኮይኑ፡ ልማኖ ብብዝሒ ክርኤ ጸኒሑ፡  ሕጂ ድማ ንኣሽቱ ዱኵናት ከይተፈፋ ይዕጸዋ ኣለዋ።  ኣብ ወጻኢ ዘሎ ድማ ስድራ ቤት ክዕንግልን፡ ትንፋስ ኣውዕሉ ንዝበለ፡ ሰንኮፍ መናበብርኡ ከይኣኽሎ ተዕድዩ ተዓዳድዩ ክሰድድን፡  ክሳብ ኣብ መቃብር መስቀል ኣይትግበሩ እናተባህለ ሬሳ ኣንጠልጢሉ ይኸይድ ኣሎ። ብሐቂ ብጽሞና ክትሓስቦ ከለኻ፡ ካብ ድኽነት ናይ ድኽነት ካብ ሓሰም ናብ ሕሰም ንኽይድ ኣሎና። ተላኻኺምና ንጠፍእ ኣለና።  መብዛሕትና ማኪና እንተዘወርና፡ ቀደም ኣብ ዓድና ሃብታማት ዝበልዕዎ ዝነብሩ ጸብሒ ጥዕና ዘይበለን ደራውህ እንተጸባሕና፡ ንውንኖ ይመስለና ግን ዘይንውንኖ ገዛዊቲ እንተግተቅመጥና ዘይድሓን ከለናስ ድሓን ይመስለና፡ ንጥሮታ ዝኸውን መዔንጊሊ’ኳ የብልናን።  

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ እታ ክንረኽባ ከቢድ ወጋ ዝኸፈልናላ ዓድና፡ ኣብ ቅድሚ እተን ብህይወት ዘለዋ ኣዒንትና ሸተት መተት ትብለና ኣላ።  እሞ ኣትን ደቂ ኣንስትዮ ኣሓተይ፡ ደቀይ ኣስላምኽን ክስታንክን ንመጀምርያ ጊዜ ሓቢርካን ዝተዓተጥክንኣ፡ ቅናትክን ቅናት ኣደይ ማርያም ግበርኣ።  ኣቱም ደቂ ተብዕትዮ፡ ግደፍዎ እንዶ እዚ ጫው ጫው፡ ክንብሩኩት ከይንቡርኩትሲ ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ ዝበሃል ነገራት ኣሎ።

ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡ እምበኣር ከምቲ ኣብ ፈለማ ዘረባይ ዝበልክዎ፡ ናይ 31 ጥቅምቲ ኣብ ኣኽርያና ዝተወለዓኤት ሽግ ክሳብ ንሙሉእ ኤርትራ በጺሓ ተብርሆ ሃየ ንበገሰላ። ድሓር ድማ ሓቂ ዘረባ ሎሚ ካብ ካልእ መዓልቲ ከካብ በይኑ ኩርናዓት ጽምኣት ሰላም ይግለጽ ኣሎ፡ A blessing in disguise ይብሉ  ኣመሪካውያን ናይ ክቡር ኣቦና  ሓጂ መሓመፍ ኑር፡ ንማእሰርቲ ክቡር ኣቦና ኣቡነ ኣንቶንዮስን ኩሎም እሱራት መራሕቲ ሃይሞናትን ብጠቅላላ እሱራትን ምግዱራትን ንዓለም ኣዛኻኺሩ። ከምኡውን ንዓና ኣብዚ መሪር ሰዓት ነዚ ስርዓት እዚ ገና ንድግፍ ዘለና።  እወ እምባኣር ዉዓል ሕደር ከይበልና ብሓባር ንበገስ፡ ብጽልኢ፡ ብሕነና ክንፈዲ፡  ብወቀሳ፡ ብፈኸራ፡ ብድርቅና፡ ብ ንዓይ ስምዑኒ ዘይኮነስ፡ ብትሕትና ብካብ ከም ህዝቢ ዝገብርናዮ ጊጌታትና ምምሃር፡ ብምስትውዓል፡ ስጋይ ስጋኻ ምባል፡ ስሚዒትካ ምቁጽጻር፡ ኣርሒቅካ ኣሚዕዲኻ ምርኣይ ብርእስና ምፍታሽ ንበገስ፡ ሰለስተ ዓመት ተዲኺሙሉ ዝጸደቀ ቅዋም ኣሎና። ህዝቢ ተኻቲዑ ለውጢ ክግበረሉ ይክኣል’ዩ። እዚ ስርዓት እዚ ከይፈረሲ ከሎ ከም ዝፈረሲ ቆጺርና ስራሕና ንግበር።  ርግጽዩ ለውጢ ካብ ውሽጢ እዩ ዝመጽእ ግን ውሽጥን ግዳምን ኣዝዩ ተኣሳሲሩ ከም ዘሎ ኣይንረስዕ። ርእሰ ለውጥ እናገብርና፡ ዳኛና ሕልናና ጌርና፡ ብጸሎትን ተስፋን  ምስ ንኸይድ እግዚኣብሄር ባዕሉ ካብዚ መግለጺ ዘይብሉ ጭቆናን፡  ዘማናዊ ባርነትን ንወጸሉ መንገዲ ከብርሃልና እዩ። ብስራሕን ብጸሎትን እምበር  ብጾሎት ጥራይ ፍታሕ ከም ዘይርከብ መብዛሕትና ተገንዚብና ኣለና። ብተዋሳኺ ናይ ሓባር ስራሕ ካልእ ሰብ ክጅምረልና፡ ዘጣቃልል መራሒ ክንረክብ ኣይንጠምት ኣይንሕሰብ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ መራሒ’ዩ። በዓል ሕልና ኮይኑ ንኸባቢኡ ዘሎ ከስምዕ ይኽእል’ዩ። ድሓር ድማ ሎሚ ኾነ ሓምለ ኾነ እምበር ኤርትራውያን ካብ ሓንቲ ማኣዲ ንብልዕ እንተበዚ እንተበቲ ስድራ ኢና።  በዚ ከምዚ ዝተንተንክዎ መንገዲ ሓቢርና ንበገስ እምበር ጸልማትና ተቀንንጢጡ ብርሃና ንቀርኒ ኣፍርቃን ኣፍሪቃን ከብርህ ይኽእል’ዩ ዝብል እምኖቶ ኣለኒ።

እምባኣር ዘረባይ ኣብዚኣ ብጸሎት ክዕጹ’የ። ዎ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ንዓኻ ዝስኣነካ የልቦን’ሞ ብዓይኒ ምሕረትካ ጠምተና፡ ብጸጋኻ ከልለና፡ ብኽያትን ማእሰርትን ሞትን፡ ስድትን ህልቂትን፡  ይኣከልኩም በለና።  ሰላም ኣብ ሃገርና፡ ሰላም ኣብ ዓለምና ክነግስ ባዕልኻ ርድኣና።

ዘለኣለማዊ ክብርን ምስጋናን ንዓኻ ይኹን።  ኣሜን።

እበባ

 

Part 1 -