ሕዳር 17, 2017

ሰላም ሰላም ፍቁራት ደቀይ ኣባላት ጩራ ባንድ፡

ከመይ ትኾኑ ኣለኹም ምስ መላእ ስድርኹም።  እቲ ርእስኻ ኣዚሩ መዓንጣኻ ኣሕሪሩ ድሕር ግን ተስፋ  ዝህብ ሞራልካ ሓፍ ዘብል ድምጽኹም መልእኽትኹም ምስ መሳጢ ሙዚቃኹም ምስ ሰማዕኩ ሓጎሰይን፡ ኣድናቆተይን ክገልጸልኩም ክጽሕፈልኩም ሓሲበ፡ መዓልቲ ዘይተወድኤ ግዲ ኮይኑ ግን ክሳብ ሎሚ ጸኒሔ።

ፍቁራት ደቀይ፡  ኣብ ሃገርና ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ ዝብል ምስላ ኣሎ፡ እሞ ናይ ብሓቂ ንስኻትኩም ድማ ጩራ ብርሃን ኴንኩም ተሰሚዕኩሙኒ። ጽሓይ ጩራኣ ክትሰድድ ምስ ጀመረት ድማ ኣብ መንጎ ጠጠው ኣይትብልን እያ፡ ቀስ እናበለት ንመላእ ሜሬት ትኸድና። ካብቲ ብዙሕ ዝሰማዕክዎ  “መግዛእቲ ከቢዱ ኣዳም ተዋሪዱ ምስ ጥራይ ዝባኑ፡ ኣብቲ ጥሙይ ከብዱ ፡ ዓይኑ ይብራህ ዝርኣየ ዘሎ፡ ዓርከይ ሓወይ መታዓቢትይ መጻውተይ ትኽ ትንፋሰይ፡ ኣዚ ሓላል ህዝቢ ከምዚ ድዩ ኢዱ፡ ኣንይኳዶ ንሕና ዓለም’ውን ሰንቢዱ..  ወዘተ...”  ምስ ስማዕኩ: ኣብ ክንዲ ኣሳእል ናይ ቤት ትምህርታታት፡ መዋእለ ህጻንት፡ ዩኒቨርሲታት፡ ክሊኒካት ሆስፒታላት፡ ሕርሻታት፡ ናይ ቆርበት፡ ናይ ሲሚንቶ፡ ናይ ጡብ፡ ናይ ሳምና ናይ ዓሳ፡ ናይ ጨው ኢንዱስትርያታት፡ ኣሳእል ናይ ኣብ ፈቀዶ ዓዲ፡ ፈቀዶ በረኻ፡  ፈቀዶ ስንጭሮ ዝረከቡ በቢዓይነቶም ቢት ማእሰርትታት፡ እሱር ብሰንሰልት ኢዱን እግሩን  ተመቁሑ፡ ዝባኑ ተመሊጡ፡ ኣእዳውን፡ ኣእጋሩን ጠበሳታት መሊኡ፡ ኣደዳ ቃንዛ፡ ሽሕር፡ ጥሜት፡ ኮይኑ ምስ ራኣኹ፡ መንእሰይ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ክህደን፡ ክትኮስሉ፡ ክወድቅ፡ ክስሓል፡ ክመውት፡ ጃልባታት ከጠልልቃ ክጥሕላ ዝሰጥመ  ምስ ሰጠመ ዝተረፈ ሬሳታት ካብ ባሕሪ ዘቁቅካ ክወጻእ፡ ብቪድዮታት  ምስ ረኣኩ፡ ከምዚ ኹሉ ተሓዲሱኒ፡ ርእሰይ ሒዛ “ይኣኽለኪ፡ ውሓጥዮ” ትብለኒ ዘይብለይ በኽየ በኽየ ንብዓተይ ጸንቂቀ።  ግዜ ምስ ተናውሔ ዝረሳዕካዮ ይመስለካ፡ ለካ መዛኻከሪ ክርከብ ከሎ ሓንጎል ኣይርስዕን እዩ።  ዘኪረ ድማ ኣብ ስሳታት ተማሃሮ ኣድማ ክንገብር፡ ፖሊስ ጠበንጃ ንላዕሊ እናተኮሱ ዘይኮነስ ብበተሪ ከጓዪይና፡ ክንብርትዖም  ከሎና ዓይንኻ ዘንብዕ ጋዝ መሳሊ  ክስዱልና፡   የዕራብ ክወሩና ኢሎም ብዝብል ፕሮፓጋንዳ  ቁሸታት መታሕት ይቃጻላ ኣለዋ ሰብ ይእሰር፡ ይቅተል፡ ይሃድም፡ ይስደድ፡ ስራሕ ኣራዊት ጥኑሳት ብሳንጃ ከብደን ክብተታ ክትሰምዕ ከተንቀጥቅጥ ምእማን ክትስእን፡  ኣብ ሰብዓታት ኣብ ማእከል ኣስማራ ተዅሲ ተጀሚሩ፡ ለይቲ ጥሪ 31, 1975, ካብ ስራሕ ኣምስዩ ንገዝኡ ክምለስ ከሎ ብዙሕ ሰብ ኣደዳ ጥይት ኮይኑ፡ ተቀማጣይ ኣስመራ ካብ ከተማ ንገጠራት ክሃድም ዓቅሉ ጸቢብዎ ንኸተማ ክምለስ፡ ኣብ ገጠር ዝነበር ንኸተማ ክኣቱ ህዝቢ ከልበትበት ክብል፡ መንእሰይ ካብ ገጠራት ከተማታት ተባሕጉጉ፡ ካብ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ይኒቨርሲቲ ከይተረፈ ንሜዳ ክስለፍ ክኣቱ፡  ናብ ተጋድሎ ሓርነትን ህዝባዊ ሓይልታትን፡ ክጽንበር፡ ካብ ከተማታት ብሕልፊ ካብ ኣስመራ ኣብ ባንክታት፡ ሆስፒታላት ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈታት፡ ትካላት፡ ጋራጃት ዝስርሑ ዝነበሩ ገንዘብን ሰነዳትን ሒዞም ሓዳሮም እቁሪሮም ደቆም ኣዘክቲሞም ንብረኻ ክኣትው፡ ፍልጠቶምን፡ ተሞክሮኦምን፡ ኣብ ሜዳ ዝተገብረ ቅያታት ጀሚሮም ክምህሩ ከማዕብሉ፡ ኩሉ ከም ሲነማ ኣብዚ ዓይነይ ተራእዩኒ!!  ከምኡውን ንግሆ ኣርባዕተ መጋቢት 1975  ዘኪረያ። ጴጥሮስ ሐዋይ ናይ መምህር ዓንዶምን የማነን ኣብ ማእከል ኣስማራ ብጦርሰራዊት ተኺቢቢም ከም ዝተስውኡ ወዲ ዋህይኡ ኣማሃጽዮን ድማ ከም ዝተኣስረ  ምስ ስምዐ ኣይወዓለ ኣይሓደረ ንበረኻ ከይዱ። ይውእ ኣማሃጽዮን ድሐር ብምቅጥቃጥ ኣብ ኢዲ መርመርቲ ዓሪፉ።  ኣቦይ ንጽባሒቱ ንግሆ ገዘይ መጺኡ፡ ኣብ ማኪናኡ ከሎ ብደቅይ ኣጺዊዑ፡  ገጹ ትኪ ተኺዲኒ ኣዒንቱ ደም ሰሪበን “ኣበባ ጓለይ ኣማሃጽዮን ተታሒዙ፡ ጵጥሮስ ሎሚ ለይቲ ገዛ ኣይሓደረን፡ ገለ ዕድል እንተገብርና ንዕናይ ሬስኡ ንድለ” ክብለኒሞ ሰንቢደ ኣእሙሮይ ማሕ ክብለኒ ዘኪረ። ስንቱን ስንቱን ይብሉ እዞም ኣሕዋትና፡  እወ ንድሕሪት ተመሊሰ፡ ክዝክሮ ዘይደሊ ዘኪረ።

 ካብ ቀረባን ርሑቁን መጺኡ ነታ  እግዚኣብሄር ዝሃበና ቅድስቲ መሬትና ዓድና ወሪሩ ዝገዝኣና፡ ካብ ሜሬትና ሐግሒግና  ኣውጺእና ሰላምን ራህዋን ረኪብና ክንነብር ምእንቲ ን30 ዓመታት ዝኣክል ዓቢ ምስ ንእሽቶ፡ ጓል ምስ ወዲ፡ ሰብኣይ ምስ ሰብይቲ ሓቢርና ተቃሊስና ፡  ደም ኣሽሓት ፈሲሱ፡ ስድራቤታት ተባታቲኑ፡ ስድት ገኒኑ፡ ኤኮነሚ ዓንዩ ኣግርብ በሪሱ፡ መሬት ዳርጋ ምድረበዳ ኾይኑ፡ ገለ ካብ ባህልታትና ልምድናን ናብ ዘይነበረ ጸይቂ ተለዊጡ ከብቅዕ ኢሳያስ ምስ ጉጅልኡ ን26 ዓመታት ዝኣክል ህዝቢ ኣደዳ ኩሉ ዓይነት ሕሰማትን ጥሜትን፡ ሕማምን፡ ማእሰርትን ሞትን ምሕቃቅን ኮይኑ  ካን ነዛ ምንባር ሲኢኑ ከም ውሕጅ እናንተሰደ ኣብ ምጽናት ገጽና ንከይድ ኣሎና እናበልኩ ኣስተንቲነ። ብዝኾነ ዘዕለልኩኹም ሓዘነይን ናይ ነዊሕ ዓመታት ተዘክሮታተይን ካብ ኣእሞሮይ ኣወግን ኣቢለ፡ ማየይ ሰትየ እፎይ ኢለ ገጸይ ተሐጺበ “ኣውራጃ ሃይማኖት እናበልና ምፍልላይ ይትረፍና፡ ንፋቀር፡ ንፋቶ ሱባኤ ንእቶ  ውዘተ ንዝብል ደርፍታትኩም  ኣቃልቦይ ሂበሉ።

ፍቁራት ደቀይ፡  እወ ደቀይ ኤርትራ ዝወለደትለይ ደቀይ፡ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ወጺኣ እቲ ዝደለ ነጻነታ ክትረክብ ኣብ ትቃለሰሉ ዝንበረት እዋን ቀዳሞት ስነ ጥበባውያን ሙዚቀኛታት ኤርትራውያን ዓቢ ተራ ተጻዊቶም።  ጥልያን - ካብ ስግር ባሕሪ ዝመጸ በቲ ሓደ ሸነኽ መግዝእቱ ከስፋሕፍሕ መንእሰይ ኤርትራ ንልብያ ወሲዱ ኣንጻር ኣሕዋቱ ዝኾኑ ህዝቢ ኣሰሊፉ ኣደዳ ስንክልናን፡ ሞትን  ክገብሮም ከሎ በቲ ሐደ ወገን ድማ ምእንቲ ርእሱ ክብል ብርሃጽ ኤርትራዊ  ኣብ ሙሉእ ሃገር መንገድታት፡ መንገዲ ባቡር ከይተረፉ ሰሪሑ። ከምኡውን ርእሲ ከተማን ንኣሽቱ ከተማታትን ፈጢሩ፡ ምስኡ ሒዝዎ ዘይከይድ ህንጻታት ብዓለም ደረጃ ዝዕቀብ  ሰሪሑ። እንጊሊዝ ንብረታት ቀናጢጡ ወሲዱ፡ ግን ቤትምሃርትታት ክፊቱ ዘመናዎ ኣገባብ ኣታኣላልያ ፖለቲክ’ውን ኣታኣታትዩ። ደርጊ ጨካን’ዩ ኔይሩ፡ ስልጣኑ ክሳብ ዘይተጻባእካዮ ግን ክሳዕ ጣፍ ብኣየር ካብ ኢትዮጵያ ይልእክ ነይሩ።  ከምኡ ድማ  ኣቀዲመ ከም ዝጠቀስክዎ እቶም ቀዳሞት ተቃለስቲ ሙዚቀኛታት በቲ ዘለዎም ጥበብ ንህዝቢ ስለ ዘምሃሩ፡ ዘናቃቅሑ፡ ዘባራትዑ ናይ ዝኾነ ይኹን ዓይነት መቅጻዕቲ ወይ ማእሰርቲ ካብ ገዛኢ ኣየጋጠሞምን።  ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮረያ ተባሂላ ትጽዋዕ ኢ-ሰብኣዊነት ተግባራት ዝፍጸማ ዘሎ ንባኣዕልኹም ቀንዲ ግዳይት ዝኾንኩም ኤርትራ ግን ኣሽንኳይዶ  ንኢሳያስን ነቶም ካልኣት ሰበ ስልጣን ኣግሂድካ  ክትወቅሶም፡ ወይ ህዝቢ ስለ ወጽዓኡ ክዛረብ፡  ነጻ ሓሳብ ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ ተባሂልካ እንተተተጠርጢርካ”ውን  ወይለኣ ህይወትካ እዩ።

ፍቁራት ደቀይ፡  ንስኻትኩም ካብቲ ኩሉ ሓሳረ መከራን፡ በቢዓይነቱ ኣማውታ ሞትን ወጺእኩም፡ ኣብ እስራኤል ዓሊብኩም።    ልዕሊ 12/13 ሰዓታት  ኣብ መዓልቲ  እናሰራሕኩም፡ እሞ ምስ ዘይርቡሕ ደሞዝ ዳርጋ መግዝእቲ፡ ክኩምሕክኩም ዝዘይምመሞራልኩም ኣየውደቅክሙን፡ ርእስኹም ኣይኣድነንኩምን። ከመይ ዝኣመሰለ ባንድ ኣቁምኩም ፡ ነታ ስምኩም ኣኽቢርኩም፡ ኣብ ህዝቢ መንፈሳዊ ማዕበል  ተላዓዕሉ ዘለኹም ኮይኑ እስምዓኒ።  ኣብ እዋን ድሓን  ኣብ ባህልና  ውላድ ጎሬባትክ ዉላድካ እዩ ኔይሩ፡ ቆልዓ ክዓቢ ከሎ፡ ኩሉ ይምዕዶ፡ ኩሉ የፍቅሮ፡ ምስ ዝድለ ድማ  ኩሉ ይኣልዮ ይቀጽዖ። ስለዚ ኣነ ከኣ ብእትገብርዎ ዘለኹም ኣስተዋጽኦ ኣዝየ ሕጉስቲ እየ፡ ይኾርዓልኩም ድማ፡ እንተኾነ ንሽሮ እንተወሰኽካሉ ጠስሚ እዩ’ሞ ሕጂ ከም ኣደ መጠን ሓድ ሓደ ነገራት ከካፍለኩም።

እቲ ኩሉ ወዲ ሃገር ሀረር ዝብሎ ዘሎ ሰላም  ክመጽእ ብርእስኹም ጀሚርኩም  ርእሰ ለውጥ  - self-transformation - ጌርኩም እጃምኩም ተበርክቱ ኣለኹም፡ ኢለ እየ ዝኣምን። እንተኾነ ልቢ  ሰብ ተተናዃላይ እዩ፡ ሓንሳእ ኣታሓሳስባይ ለዊጠ እየ ኢልካ ስቅ ምባል ኣይኣክልን እዩ።  ወግሔ ጸብሔ ርእስኹም ፈትሹ።

ለውጢ ከተምጽእሲ ብመጀመርታ ጥዕና ክህልወካ ኣለዎ። ብዘይ ጥዕና ትገብሮ ነገር የልቦን። ሕማማት ኣብ ሽምግልና ክትከይድ ምስ ጀመርካ ኣይኮነን ዝጅምር ገና ብዓንተብኡ ኣብ ንእስነትካ’ዩ። ስለዚ ካብ ንጥዕናካ ዝጻብእ  መስተን ብልዕን ርሓቁ።  ካብ ‘ፍረን ኣሕምልትን፡ ጥረመረን ኣይትቆጠቡ።  ንግሆ ትንስእ ኢልካ ክልተ ኩባያ  ምውቅ ማይ ኣብ ጥራይ ከብድኻ ምስታይ ኣብ ጽቡቅ ጥዕና ኣወንታዊ ተራ ኣለዎ፡

ፍልጠት መወዳእታ የብሉን ወትሮ ክትማሃሩ፡ ክትፈልጡ ጸዕሩ።  መጀመርታ ፍልጠት ግን  ፍርሓት እግዚኣብኪሄር ሙዃኑ ዘክሩ። ኣንዋር ሳዳት ናይ ግብጺ መራሕ መንግስቲ ዝነበረ ኣብ ምምራቅ ናይ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ  መደረ ሂቡ። “ምስክር ወረቀት ስለ ዝሓዝክም ትምሃርቲ ዝወዳእኩም ከይመስለኩም። ትምህርቲ ሕጂ ኢኹም ትጅምርዎ ዘለኹም ፍቅሪ መጻሕፍቲ፡ ፍቅሪ ንባብ  ይሕደርኩም። ኣብ ዘለኹም ኣሊኹም ካብ መጻሕፍቲ ዝደለኹሞ  ርእሰ-ነገር - subject - ክትማሃሩ ትኽእሉ ኢኹም” ኢልዎም። “ኣብዚ ጽንኩር ኩነታት ነዛ ሕዝናያ ዘለና ሙዚቃ ትጠልቦ ከነማልእ ክንደይ ጸገም’ዩ ዘለና፡ ትምህርቲ ከመይ ጌርና ኢና ንውስኸሉ  ክትብሉኒ ትኽእሉ ኢኹም። ይርድኣኒ፡   እንተኾነ መንፈሳዊ ሓይሊ ኣይጽንቀቅን’ዩ።

ፍቁራት ደቀይ፡  እምንቶኹምን  ሓይሉኹምን  ኣብ ትሕትናን መትሕግጋዝን እምበር ኣብ ኣንነትን ምውድዳርን ከይክውን ሓደራ። ከመይ እቲ ቀዳማይ ፍቅርን ዓወትን ከምጽእ ከሎ እቲ ካልኣይ ዕንወት ጥራይ እዩ።  ሰብ  ጽቡቅ ክረክብ ከሎ ተሓጎሱ ጥራይ ዘይኮነ እግዚኣብሄር ዝፈትዎ ነቲ ሰብ ዘሕጎሶን ዝጠቅሞን ክትገብሩ ተጋደሉ።  ናይ ብጻይኩም ዓውት ልኽዕ ከም ናትኩም ጌርኩም ወሲድኩም ተሓጎሱ፡ ጓሂኡ ድማ ጓሂኹም ይኹን፡ ብጻይኩም ሐውኹም ፈታዊኹም ወይ ወዲ ሃገርኩም ጥራይ ኣይኮነን ኩሉ ሰብ ዘበለ ፍጠር ኣምላኽ እዩ።

ፍቁራት ደቀይ፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ምንባር ሲኡኑ ይሳቀ ኣሎ፡  ኣይከም ናይ ወለዲትን፡ እወ እታ ወላድ መኻን ዝኾነት ወላዲት፡ ኣይከም ናይ ደቂ ኣንስትዮን፡ ካብኡ ናቡኡ ድማ ዝገደደ ናይ ኣዋልድ’ዩ።  ኣብ ዝጉብዛሉ ዕድሜኤን ምኽሪ ኣደታተን፡ ጽላል ኣቦታተን ዘድልየን ጊዜ፡ ሳዋ ከይደን፡ እተን ክከላኸሉለን ዝግብኦም  ዓበይቲ ኣሕዋተንን፡ ኣያታተንን፡ ኣቦታተንን፡ ገለ ዘይፈልጣ ክብረን ይቅንጥጥወን።  ንኣታቶም መዝሓል  ውዑይ መዛናግዒ እዩ፡ ንዓታተን ግን - ዋላ ብድሕሪኡ እንተተመርዓዋ እንተወለዳውን፡ እቲ ተመክሮ እቲ ንምሉእ ህይወተን ክገድፈን ዘይክእል በሰላ እዩ።  ሓንቲ ጓል ካብ ምግሃስ ክትድሕን “በጃኻ ኣይትቅረበኒ ከይልክመካ ኤይድስ ኣለኒ”  እንተበለቶ ኤይድስ  ከም ዘይብላ ስለ ዝፈልጥ፡ ድላዩ ክገብር “ድሐን ክልተና ሓደ ኢና ኣነውን ኣለኒ” እናበለ  ስርሑ ገይሩ ሰሚዔ። እዚ ገበንዚ ልክዕ ከም ቅትለተ ነብሲ’ዩ እንተበልኩ ኣየጋነንኩን።  ጓል ኣንስተይቲ ዘይትኽበረሉ ዓዲ ዓዲ ኣይኮነን።  ኣቱም ፍቁራት ደቀይ ጊሌኹም ተመርዒኹም ኢኹም። ነተን ብጾትኩምን፡ መሳድድትኹምን ኣደ ደቅኹምን ኣኽብርወን፡ ዕዮ ገዛ መወዳእታ የብሉን፡ ማዕርኤንን ልዕሊኣንን ስርሑ፡ የፍቅረኪ’ይ ምባል ኣይኣክልን’ዩ፡ ፈቃር ሰብኣይ ንሰብይቱ “ቅሰኒ፡ ዕርፊ፡ ተማሃሪ፡ ንስኺ እንተተማሃርኪ መኽሳቡ ንደቅና’ዩ” ዝብል። ጓል ኣንስተይቲ  ተማሂራ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሒ ናይ ስራሓትን ክትካፈልን ኣብ መሪሕነት ክትርከብን እዩ ዝግባኣ።  ኣተን  ክቡራት ፍቁራት ኣዋልድ ደቀይ፡ ኣባላት ጩራ ባንድ ከም ኣብ ኩሉ ቁጽርኽን ኣዝዩ ዉሕድ’ዩ። እስቲ እትበዝሓሉ መንገዲ ሃስስ በላ። ኣቱም ሰብኡት፡  እዚ ንምብግባር ብሙሉእ ልብኽኩም፡ ብኹሉ እንትናኹም ሐግዙ፡ ሓንቲ ሀገር ብሓደ ሰብ፡ ብሓደ ስድራቤት፡ እያ ትጅምር’ሞ፡ ብፈሪሃ እግዚኣቢሄር ምህላውኩም፡ ብስነ ስርዓትኩም፡ ብሞራልኩም፡ ብፍቅረ ሰብን፡ ፍቅሪ ፍትሕን  ስራሕን ኣበነት ኩኑ።

ፍቁራት ደቀይ ዓለም ስደተኛታት ጸሊኣትሉ ኣብ ዘላ እዋን ንሕና ብዘይካ ባሕሪ መዲተራንያን ሓንጎፋይ ኢሉ ዝቅበለና ዘይብልና ኣማዕድያ ንርእያ ዘለና ሃገርና ክንመለሳ ኢና። ገዛ ኣቦናን ኣዴናን ተዓጽዩ፡ ቤት ኣባሓጎታትና ፈሪሱ፡ መዕለብ ጨራሩ ኮይኑ፡ ግን ርእስና ለዊጥና፡ እቲ ሰብን ሀገርን ከምዕብል ዝኽእል እጊዚኣቢሄር ዝፈትዎ ስራሕ ሒዝና፡ ይቅረ ተባሃሂልና ፡ተማሓሒርና እንተዘይኣቲና፡ እቲ ብርነት ስሙ ለዊጡ ክቅጽል እዩ። ኣነ ዝኣምነሉ ሎሚ ልዕሊ 50 ምዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ክምዕድ፡ ጊጋታት ከይድገም ክጽሕፍ፡ እቲ ሓቀኛ ቲሪኽ ክንግር ድኣ’ምበር፡ ናይ ቀደም ጉጅለ ኣብ ሰላሳታት፡ ናይዛ ዳሕራይቲ ጉጅለ ኣብ ሰለስተ ተኻፋፊላካ፡ ሓቂ ይኹም ኣይኹን - ናይ ቀደም ዝኣረገ ዝና ሒዝካ ክምርሕ እየ ኢልካ ስምካ ቀያይርካ ላዕልን ታሕትን ምባል ኣይቅብሉን እዩ፡  እይገቡኡን  ከኣ’ዩ።  እሞ ኣቱም ፍቁራት መንእሰያት ደቀይ ኩልኹም፡ ነዚ ዝብለኩም ዘለኹ ልባዊ  ኣቃልቦ ሃቡሉ።  ኤርትራ ናትኩምን ናይቶም ሕጂ ተወለዶም ዘለው ብድሕሪ ሕጂ ዝወለዱ ደቅኹምን ደቂ ደቂኹምን እያ። ናትና ናይ ሽማገለታት ኣይኮነትን። 

ፍቁራት ደቀይ፡ ኤርትራ ገዛእታ ስም  ይቀያይሩላ እዮም እቲ ህዝቢ ግን ንሱ’ዩ።  ኤርትራ ናይ ትማኢ ድሕሪ ጥልያን ዘይኮነስ ኣማኢት ዓመታት ዝዕድሜእ ናይ ገዝእ ርእሳ ሕግን ስርዓትን ተጻኒዑ ዝጸደቀ ኣለዋ። ስርዓት ኣታዓዓድላን ኣታሓሕዝን ሜሬት ከምኡ’ውን መርዓ ሞት፡ ፍትሕ ውዘተ እሎ። መሰል  ሰብስ ይትረፍ፡ እንሳሳ’ውን መሰል ኣለዎ። ንምሳሌ ዝሓመመት ኣድጉ ጽዕነት ጺጶሚኦ ምስ ዝርከብ ብሕጊ ይቅጻዕዩ’ዩ። እቲ ሕግታት ኤርትራ ተማሳሳላይ ድኣ ይኸውን እምበር ኩሉ ሓደ ኣይኮነን። ንምሳሌ ኣብ ኩናማ ሓደ ሰብ፡ ሰብ ምስ ዝቀትል፡ ኣቦ ቀታሊ ወይ ቀረባ ስግኡ ኣብቲ እንዳ መዋቲ ከይዱ፡ “ቀታል ወድኹም እንሆ ኣምጺኤልኩም፡ እንተደለኹም ቅተልዎ እንተደሊኹም ድማ ጊልያኹም ግበርዎ” ይብሎም። መብዛሕትኢ ጌዜ ስድራ ምውት ዘገልግሎም ይመርጹ። ስድራ ቀታልን መዋታይን ኣብ እንዳ ሙዉት ተእኪቦም ካብ ዳንጋ ናይ ኣቦ ወይ ዝኾነ መቅርብ ምውትን፡ ካብ ዳንጋ  ቀታላይን ንእሽቶ  ደም ኣንቂዖም ም ወሲዶም ይሓዋውስዎ። ጽልኢ የብልናን ሐደ ኢና ዝብል መልእኽቲ’ዩ። ሺሻይ ቀሪቦም ድማ ሓቢሮም ይብልዑ ይስትዩ። ነገር ኣብኡ ይዕጾ፡   ኣብ ከበሳ ድማ  ብመውስቦ ይዓርፍ።

ፍቁራት ደቀይ፡ እዛ ደብዳበይ ንዓኹኡም ይጽሓፋ እምበር ፡ ትሕዝቶኣ ንኹሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘለዎ ኣልዩ እያ።   “ኩሉ ዓይነት ፍልልያት ገዲፍና፡ ንፋቀር ንጺሊ  ሱባኤ ንእቶ፡ ሐቢርና ንሰላም ንፍትሒ ንቃለስ ኢልኩም። ካብ ብዙሕ ሸነኻት ህዝብና ድማ ከማኡ ይስማዕ ኣሎ። ክቡር ኣቦና ሸኽ ሓጂ ሙሳ ኑር  ዘርእይዎ ጽንዓት ኣብ የከቲቲ 31, 2017 ተማሃሮ ቤትትምህርቲ ኣል ድያ ኢስላምያ ዘዝስድዎ ስጉምቲ፡ ኣብ ደገ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ዘርኣዮ ደገፍን ምትሕብባርብን፡  ኣብ ገሊኡ ኣንስቲ ኣስላም ስእሊ ናይ ብጹዕ ኣቦና ፓትርያርክ ኣንጦንዮስን ፡ ክርስትያን ናይ ክቡር ኣቦና ሸኽ  ሓጂ ሙሳ  ኑር ሒዘን ምስ ማእለይ ዘይብሉ ህዝቢ ኣብ ኤሜባሲታትን ቤተመንግሳትን ኣደባባይትን ክትርኢ ከለኻ፡ ዕጹብ ድንቂ ደንቂ እዩ። መንፈሳዊ ማዕበል ዓጋቲ ዘይብሉ ተጀሚሩ’ሎ ኢለ እኣምን።

ፍቁራት ደቀይ ኣባላት ጩራ ባንድ እንደገና  ብትገብርዎ ዘለኹም ቅዱስ ስራሕ ኣገናዕ ይብለኩም፡  እንቋዕ ሓገስኩም። ነዚ ንኽትገብሩ ዘኽእለኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ምስጋና ይብጽሓዮ። ሬሳታት ዝሐቀቁ ደቂ ሃገር ተረኪብና፡ ናይ ደቂ ኣዳም ክብሪ ዝልለልብሱላ፡ እሱራትና ተፈቲሖም፡ ሰብ ገበን ኣብ ፍረዲ ቀሪቦም፡ ስደተኛ ናብታ ከበድ ዋጋ ዝኸፈለላ ህገሩ ዝምለሰላ ጊዜ ቀረባና ይኹን፡ ኣሜን።

ፍቁራት ደቀይ ደጊም ነዊሕ የዕሊሊኩም’የ እሞ ብምርቃን ሰዓመትን ኣብዚኣ ክፋነወኩም።

ኣዴኹም ኣበባ