መንገዲ ድሓን ጀሚሩ

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ:  ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡

ደሓንዶ  ቀኒኹም?  ደሓንዶ ቀኒኽን ሙዃን’ኳ  ከምኡ ድኣ ከም ባህሊ ይሕተት ኮይኑ እምበር ድሓንሲ የለናን፡ ጥቃ ድሓን’ውን ኣይቀረብናን።  ጥቃ ድሓን ካብ ዘይንቀርብ፡ ሕድሪ ስውኣት ካብ ዝጥለም፡ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ: ሰብኣይ ምስ ሰብይቲ፡ ዓቢ ምስ ንእሽቶ፡ ጓል ምስ ወዲ ዝተኻፈሎ ቃልሲ: ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ካብ ዝርሳዕ ደጊም ልዕሊ 26 ዓመታት ኮይኑ። ሕጂ ግን በዚ ክቡር ኣቦና ሓጂ ሙሳ  መሓመድ ኑር ቤት ትምህርቲ ኣል ድያእ ኣል-ኢስላሚያ ከይትዕጾ ዘርኣይዎ ተባዕ ተቃውሞን ተማሃራይን ህዝብርን ብዕለት ጥቅምቲ 31, 2017 ዝሰዓቦም፡ ምልክት ናይቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተዓፊኑ ዝጸንሔ ጭቆና እምቢይታ ስለ ዝኾነ መገዲ ድሓን ዝጀመረ  ኮይኑ እርኣየኒ።

እወ፡  ኣብ ክንዲ ቤት ትምህርታትን ፡ ሆስፒላታትን፡ ሕርሻን፡ ትካላትን ዝምዕበል፡ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ዓጺኻ ኣብ ፈቀዶ ከተማታትን፡ ገጠራትን፡ በረኻታትን ከይተረፈ ቤት ማእሰርትታት ከም ቃንጥሻ ዓሳ በቁሉ ዓምቢቡ ፈርዩ ኢ-ሰብኣዊ ኣጎልጉሎቱ ይሃብ ኣሎ። ሰባት ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ፡ ሃለዋቶም ከይተፈልጠ ንዓመታት ተኣሲሮም ከም ጨው ሓቂቆም።  ኣብቲ ዋና ኣብ ሕቅፎ ስድርኦም ኮይኖም ብህብረተሰቦም ማእኪሎም ትምሃርቲ ዝቀስምሉ፡  ኣካለ መጠን በጺሖም ሰብ ዝኾኑሉ ዋና ጊዚኦም መንእሰያትና ናይ ሰብ ጽሩራን ናይ ባህርያዊ ሀብቲ ሃገር ዝግሕጡ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ባሮት ኮይኖም።   እተን ፍርያተን ንወጻኢ ሰዲዲን  ናይ ወጺኢ ሸርፊ ከምፅኣ ዝኽእላ ትካላት ከይተረፋ ተዓጽየን። መሃንዲሳትን፡ ኢንጂነራታትን ካብ ሃገር ተባሪሮም። ገዛውቲ ከም ዘይስራሕ ምግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተሰርሔ ምስምስ ጌርካ ብቡልደዘር ምፍራስ ኮይኑ። ማይ ሲኢና ተጣሪዕና እንተተባህለ መልሲ በሽካዕላል፡ ብንዕቀት “ኪዱ ኣብ ማይ ዘልዎ” ኮይኑ።  ህዝቢ ከይበልዕ ብከብዱ፡ ከይዛርብ ብኣፉ፡ ከይጽሕፍ ብኢዱ ምስ ተታሕዘ፡ ዝረኸበ ይርከበኒ ኢሉ  ብኣሽሓት እናተሰደ፡ ኣብ ፈቀዶ ናይ ስደታኛታት መዓስከራት ከርተት እናበለ፡ ኣብ መንግዲ ስደት ኩሉ ዓይነት ሓሰረ መከራ ዓለም ዘስካክክሕ ዘሎ እናጋጠሞ፡ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ምግሃስን፡ ኣሬማናዊ ተግባር ማዕረ ቀቲልካ ክፍሊ ኣካላት ንዕዳጋ ምውራድን፡ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ምሽማምን፡ ዕለታዊ ናብራና ኮይኑ ከሎ ድሓን ኣሎና ክንብል ኣይንኽእልን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ እዞም ብግብሪ ጥራይ ዘይኮነ ብመልክዖም ከይተረፈ ንሂትለር ክመስሉ፡ ዝሸየበ ጭሕሞም ጸሊም ዝልብጡ፡ ዝበርሔ ርእሶም፡ ዝላሕለሄ ጸጉሮም ቀለም ዝለኽዩ፡ ብዕድመ ዝሰጎሙ፡ ውሽጣዊ ኣካላቶም ብመስተን ክቱር ምዝርናና ዝተበከለ መን ዝነብረ’ሞ ክነብሩ፡ ነበርቲ ኣይኮኑን። ስርዓታት ድማ በለይቲ እዮም።  ክሳብ ሕጂ ጥርንፍ ኢልና ነዚ ስርዓት እዚ ክንምክቶ ዘይከኣልናሉ ምኽንያት ንዓይ ከም ዝመስለኒ፡ እታ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ወሊዳ፡ ታተ ኣቢላ እግሪ ኣትኪላ ዘሰጎመታ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1991 ስርሓ ምስ ፈጸመት፡ ስልጣን ንህዝቢ ክርከብ እዩ ነይሩ ስርዓቱ። እንተኾነ እዞም ህዝቢ ዘይመረጾም ጉጅለ ብዙሓት ሰባት ከምቶም ስርሖም ዘብቅዑ ህዝባዊ ግንባር ጌይሩ ሰላ ዝወስዶም፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተወሪርና ንዝብል ዝፈሸለ ሓሶት ከም  ሓቂ ወሲዶም፡  ፍጹም ጉጉያት እኳ እንተኾኑ ኣብዚ ናይ ፈተነ ሰዓት ከመይ ጌርና ካብኡ ክንርሕቅ ይብሉ ይኾኑ።  ገለ ሰባት ድማ ሕንከት ዝብሃል ዘይብሎም ሓለፊ ግዝያዊ ጥቅሞም ክብሉ ሕልኖኦም ቀቲሎም፡ ነቲ ስርዓት ከይፈርስ ዝሕለቁ እዮም። ብዓቢኡ ድማ ህድእ ኢልና - በዝን በትን ድኣ ህድኣት ኣይረኸብናን እምበር - ታሪኽና ፈሊጥና  ክንጓዓዝ ሰለ ዘይከኣልና እዩ። ፍተውራሪ ሚካኤል ሓሰማ ኣብታ “ዛንታ ኤርትራ” ትብል ብ 1992 -  ህግደፍ ስልጣኖም ክይደልደለ ከሎ - ዝጽሓፍዋ ሳልሰይቲ ሕታም መጽሓፎም፡ ኣብቲ መእተዊ
 “ህዝቢ  ዝስልጥን ናይ ስራሕን ሓሳብ-ምግላጽን ናጽነት ረኺቡ፡ ንቁሓት ጥበበይናታትን ብቁዓት ኣማሓደርትን ፡ ንኽፈጥር መንገዲ ክኽፈተሉ እንከሎ እዩ። ካብኡ ዝተረፈ “ሱቅ በል፡ ሓንቲ ዘይትፈልጥ ደንቆሮ ኢኻ፡ ዝበልናካ ጥራይ ስማዕ” እናበልካ ንህዝቢ ምድሃል፡ ሃገራዊ ስምዒት ናይ ዘይብሎም ሰበ-ስልጣን ተግባር እዩ። በዚ ዓይነት ዝማሐደር ሓፋሽ ህዝቢ ዕብየት ክርክብ ተስፋ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ወለዶኦን ተሪኹን ፈሊጡ፡ መንነቱ ንምግማት ክሕግዞ፡ ብዝብል ሓሳብን ትምኒትን ብዓቅመይ እዛ ሓጻር ዛንታ ከቅርብ እፍትን።” ዝብል ተጻሒፉ ይርከብ።

ክቡር ህዝቤ ኤርትራ፡ እዚ ኣብ ጥቅምቲ 31,  2017 ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣል-ዲያእ ኣል-ኢስላሚያ ኣብ ኣስመራ ተኸሲቱ ዘሎ ሓዲሽ ተርእዮ ሳዕቤኑ ናይቲ ን20 ዓመታት ዝጸንሔ መንግስታዊ ዓፈና ሃይማኖታትን፡ ሃይሞናታዊ ትካላትን እዩ። ኣብ ሓምለ 1995 ምፍልላይ ሃይማኖትን መንግስትን ዝሕንጽጽ ኣዋጅ ተኣዊጁ፡  መንግስቲ ኤርትራ ግን ነዚ እዋጅ ከም ኩሉ ኣመሉ ኣይኣኽበሮን። ብኣንጻሩ ሃይማኖት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት - ዕማሙ ውሽጣዊ ጸጥታ  ዝነበረ - ኮይኑ ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት - ብዙሓት ሰብ መዚ ማእከላይ ደረጃ  ኣባላት ስለያን ጸጥታን ዝነበርዎም  - ቆይሙ። ኣብ ህዝቢ ተቀባልነት ዘይብለን ዘይናትና መዳናገርቲ፡ ሓደስቲ ንኣሽቱ ሃይማኖታት ኢሉ እዚ መንግስቲ እዚ ጨፋሊቅውን። ነዘን ዓብይቲ ሃይማኖታት ናይ ምስልማናን ክርስትናን ኣመንተንን ድማ ኣብ ውሽጣዊ ምምሕዳረን እናኣተወ፡  ብዙሕ ኣዕናዊ ተግባራት ሰሪሑ ብፍላይ ድማ ኣብ ምውራድን ምሻማን መራሕተን። ንኣብነት ኣቡነ ኣንጠንዮስ (3ይ ፓትሪያርክ ተወህዶ ቤ/ክ) ብመንግስቲ ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም ገና ኣብ ማሕዩር ይርከቡ ኣለው።  ዝተክእዎም ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ካብ ዝሞቱ ድሮ ክልተ ዓመቶም ቀሪቡ።  ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን (ሙፍቲ ኤርትራ) ብግቡእ ዘይተሓርዩ ጥራሕ ዘይኮነ፤  ካብ ዝሞቱ ሽዱሽተ ወርሖም ቀሪቦም መተካእታ ኣይተገብረሎምን።  እዘን ዓበይቲ ሃይማኖታት ኤርትራ ኣላይን ተካእን ዘይብለን ኮይነን ይርከባ ኣለዋ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ እቲ ሓደ ህብረተ ሰብ ዝገብረካ ሃይሞኖትካን ባህልኻን ምስ ተሰርቀካ ድኣ እንታይ ኢኻ ትኸውን፡  እንታይ ዓይነት ሰብ ኮንካ ኢኻ ትተርፍ? ዘፍርሕ እዩ።  ብዙሕ  ሰብ እዞም ኣብ ስልጣን ዘለው ጨካናት  ጸላኢ ዘይገብሮ ንህዝቢ ምፍጣሩ ክሳብ ዝጸልእ ዘሳቅዩ ዘለውስ እምበርዶ ኤርትራውያን እዮም ይብል። እቶ ሕቶ ንሱ ኣይኮነን። እቲ ሕቶ እምበርዶ ሰብ እዮም እዩ። ቅድሚ ኤርትራዊ፡ ኢትዮጵያዊ፡ ሱዳናዊ፡ ኣመሪካዊ ሙዃንካ ሰብ ኢኻ።  ብዝኾነ እዚ ወሪዱ ዘሎ ስቃይ፡ ህልቂት በይኑ እቲ መራሒ ወይ እቶም መራሕቲ ጥራይ ኣይኮኑን ዝገብርዎ ዘለዉ ኩሉ ሰብ ኢድ ኣለዎ፡ ገበን ዝገበረን ገበን እናተገብረ ስቅ ዝበለን ክልቲኦም ገበኛታት እዮም። ንሕና ኩላትና ይዕበ ይንኣስ ጌጋታትን ጌርና ኢና።  ዓቢ ጌጋ ነቲ ንእሽቶ ጌጋ ዘይገጋ ኣይገብሮን እዩ።  የግዳስ ከምቲ ሓወይ ኣማኒኤል ሳህለ ኣብ ደምበ ኣሰና ዝበሎ፡ ርእሰ ፍተሻ ንግበር። ርእሰ ልውጥ ንግበር፡ ሕልናና ነባራብር። ሕጂ ከም ቀደም ጊዜ የብልናን። ክቡር ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር፡ ከም ቀዳሞት ኣቦታት፡ ከም ባዓል ቢትወደድ ኣብርሃ ንርኹስ ተግባር ኣይቅበሎንየ ኢሎም ብትብዓት ጠጠው ኢሎም።  ተማሃራይን ህዝብን ድማ ምትሕባባሩ ኣርእዩ። እታ እተወለዕት ቀንዴል ሃየ ኣይነጥፋኣያ። ብስሚዒት ምጉያይ እዩ ሕማቅ ሳዕቤን ዘለው እምበር ሕልና ጌርካ፡ ይዕበ ይንኣስ ጌጋኻ ኣሚንካ ናይ ብጻይካ ንእሽቶ ጽብቅቲ እናታዓባበኻ፡ ዓቢ ሕማቅ እናናኣኣስካ፡ ብንዓይ ስምዑኒ ብትምክሕቲ - arrogance - ዘይኮነስ ብትሕትናን ብንኻልእ ጸን ኢልካ ምስማዕ፡  ምስ እትከይድ እቲ ንዓመታት ዝተነፈገና፡ መንገዲ ሰላም ዘይጅመረሉ ምኽንያት የልቦን። ብተወሳኺ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብዘን ኩለን ናይ ኤርትራውያን ደምቤታት ብዛዕባ ብዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ሰይጣናዊ ተግባራት ጥራኡ ዘይኮነስ ብዝበለጸ  - እቲ ዘረባታትን ብዛዕባ ነዚ ኹሉ ዓይነት ጸጋማት ፍታሕ ንምርካብ ክኸውን ሓደራ ይብል።

እምበኣር ዘረባይ ኣብዚኣ ብጸሎት ክዓጽዋ’የ።

ዎ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ንዓኻ ዝስኣነካ የልቦን’ሞ ብዓይኒ ምሕረትካ ጠምተና፡ ብጸጋኻ ከልለና፡ ብኽያትን ማእሰርትን ሞትን፡ ስድትን ህልቂትን፡  ይኣከልኩም በለና።  ሰላም ኣብ ሃገርና፡ ሰላም ኣብ ዓለምና ክነግስ ባዕልኻ ርድኣና።

ዘለኣለማዊ ክብርን ምስጋናን ንዓኻ ይኹን።  ኣሜን።

እበባ