መን ካብ መን

ኢሳያስ ዘይበለ

ይፍቲ ዘይሰገደ

ኣያይ ኢሉ ሕቖ ዘይሰበረ

ብምሕደራ ምልኪ ዘይጃጀወ

በምዑት ደቁ ዘይተጻወተ

ሃጽ ኢሉ ዝጠፈአ

ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ዝሰጠመ

ኣብ ሑጻ ምድረበዳ ዝተደፍነ

ባርያ ኮይኑ ዘገልገለ

ሽምዓ ኮይኑ ዝመኸኸ

ኢስያስ ስለ ዘይበለ

ካባና ይፈለ

ኣይፋልካን ሃጺጽካ ሓወሺ

ንሕና ደኣ ናበይ ክንእለ

ንሱ ደኣ ካባናፈለ

 

ዘካርያስ ክብርኣብ