ጋህዲ ዲዩ ሕልሚ

ከውታ ለይቲ ይመስለኒ
ዓይነይ ይዕመት ጽልግልግ ይብለኒ
ብኾፈይ ሕልሚ ይውሕጠኒ
ዝጋሃድ ሕልሚ ይሕዘኒ

    ኣዴታት ተኣኪበን ይበኽያ የእውያ ደቀይደቀይ ይብላ 
    ርእሰን ይነጽያ ኣፍልበን ይሃርማ ይመስለኒ ድሙቕ ጓይላ
    ይዓብዳ ይዘላ ይጽለላ
    ኣባዲ ይስእና ዘቐብለን ነጸላ
    ዝእብደን ስኢነን ዝብለን ኮፍ በላ

ኣብቲ ማዕዶእን ይረኣየኒ ልቺ ተውሊዑ
ድምጺ ይሰምዕ ዋጭዋጭ ናይ ቆልዑ
ሰባት ተኣኪቦም የጣቕዑ
ጽን በልኩሞ ይሰምዕ ሙዚቃ ተወሊዑ
ኣብ መንኮቦም ጽሩራ ተግባሮም ቆልዑ
ዊስኪ ዓቲሮም ጮማ እናብልዑ
ይድኑሱ ይዘሉ ይስዕስዑ
ሓንካሳት ኣዛብእ ስጋ ሰብ ዝበልዑ
ኣውያት ናይተን ኣዴታት ብሃንደበት ምስ ሰምዑ
ይሓርቁ ብጣዕሚ ይቑጥዑ
ብረቶም ይለጒሙ ተዂሲ ይኸፍቱለን ሽዑ

    ብሃንደበት ይኸብወን የዝኑብለንውን ጠያይት
    ሓንቲ ትወድቕ ሓንቲ ትመውት
    ህድግለነ ዘይብሎም ናይ ግፍዒ ሰራዊት
    ርህራሄ ዘይብሎም ሰብኣውነት  
    ግዙኣት ህግድፍ ዝመረጹ ባርነት
    ዝሩጓት ማዓንጣ ዝነቐጸ ሓሞት

ሬሳ ይኹመር
እቲ ኣርሓ ዝብኢ ይንገር
ትእዛ የሔልፍ ሬሳታት ክጒሓፍ ብጉብእ ከይቕበር
ዕበጦ ዓባብጦ ቤተ-ሰብ ከይንገር

    ኣማዕዲየ ይርእያ ቁሸት ካምቦ ዓዲ-ኣቢቶ
    መንእሰይ ዘሳቐየት መውጽኢ ዝሓርበቶ
    መሬት ብብርሃኑ ዝጸልመቶ
    ብብላሽ ዝጠፍኡ ኮንቶ

የንቆልቁል ይወርድ ሕልናይ ይዓርብ
ኣብ ጎላጉል ጉንደት ጥቓ መረብ
ኣድቢዮም ጸኒሖም ትሕቲ ገረብ
ብጥይት ክለቕሙ ከብልዎም ጠርብ

    ብብረይ ምስተረሸኑ እቶም ቆልዑ
ሓመድ ኣይተደብዩን ብዝቢ ተበልዑ
ወኻሩ ኢሳይስ ተኣከቡ ሽዑ
ስጋ ሰብ ቀለቦም ዘይረብሑ ቆልዑ
ኣዴታት ይበኽያ ንሶም ይስዕስዑ
ህዝቢ ተኣከበ ዋጭዋጭ ይብሉ ቆልዑ
ብሃንደበት ተራበርኩ ሽዑ
ግን ዓይነይ ምኽፋት ኣበየኒ ብንብዓት ቆሊዑ

ብኾፈይ ሓሰብኩ ኣስተንተንኩ
ክሳብ ክንድዚ ግፍዒ ህዝበይ ወሪድዎ በልኩ
ዘይሓሰብኩዎ ተሌፎን ደወልኩ
ሃለው ኣደይ ኣቕሩቡለይ እንትበልኩ

ኣዴኻስ ከይዳያ ብጓሂ ሓሪራ
እሞ ዝብኢዶ በሊዑዋስ ዋላ ተቐቢራ
በሉኒ ድማ ዝብኢ በሊዕዋ ሰብኣይ ተሰኢኑ ጉድጓድ ዝከዂዕት ዝቐብራ
ፍትሒ ተሳኢኑ ዝቖረረት ስድራ
ኣቦ ተሳኢኑ ዝኣልያ ዝጥብራ

ሃተፍተፍ ሓዘኒ ኣይጋህዲ ኣይሕልሚ
እሙን ተሳኢኑ በዚሑ ጠላሚ
ሓኪም ተሳኢኑ ብጀካ ሰማሚ

ሕልሚ ኣይኮነን ዝተገብረዩ ጋህዲ
ሽግሮም በዚሑ ተካላት ወለዲ 
ሕልሚ ኤርትራዊ ዝገበሩ ጋህዲ
ነጻነት ዘበሰሩ ዘባረሩ ባዕዲ
ብኣእዕጽምቶም ዝነደቑ ዓዲ
ግን ተመንጢላ ብባዕሎም ዝደፍኡ ዘውዲ
ታቦትና ዝደፈሩ ዘንቀጽዋ ዓዲ
ፍርዲ ተሳኢኑ ሃሲሱ ባይቶ ዓዲ
ንልዓል ንቃለሰ ነድሕና ዛዓዲ
ተመሊሳ ከይትወድቕ ኣብ መግዛእቲ ባዕዲ

ሃገራዊ ተላዓል ሕጂ ተሎ
ህግግፍ ሃገር የዕንዋሎ
ሽግር በዚሑ ህዝቢ ይሳቐሎ

እዚ ኩሉ ጅግንነት እዚ ኹሉ ስረ
ጅግና ናበይ ኣበለ ኣበይ ተሰወረ
ንመግዛእቲ ሓይሊ ዝሰዓረ
እንታይ ኮንካ ኣጽቂጥካ መንእሰይ ኣናተባረረ
ትም ኢልካ ትርኢ ብጻይካ እናተኣሰረ
ትሰምዖዶ ኣሎኻ ናይ ኤርትራ ወረ
ኣብ ጉድጓድ ዘሎ ብመቑሕ ዝተኣስረ
ፍትሒ ስኢኑ ኣብ ኰንተይነር ዝሰፈረ
ረዳኢ ዝሰኣነ ዘብጽሓሉ ወረ
ሃየ ንልዓል ነገሩ ከይበኣሰ ከይሳዕረረ

ግን ኣዴታት ኣጆኽን እታ መዓልቲ ትቕርብያ ዘላ
መራሒ ህግድፍ ኣብ ፍርዲ ዝቐርበላ
ህግድፍ ኢሰፓ ትዀነላ
እታ ጉድጓድ ክትኣትዋያ ባዕላ
ሃገርና ክትከውን እግርኻ መሊእኻ ትረግጸላ
ብኽያት ተሪፉ ኣዴታት እልል ክብላ
ሃገር ክንምስርት ፍትሒ ዝዓሰላ
መንእሰይ ዝዓርፈላ
ተክነሎጂ ዝምዕብለላ
ህዝቢ ምዩቚ ከይበለ ዝነብረላ
ኢደይ ኢድካ ንበል ንምጥፋእ ጒሒላ።

    ውልቀ-መላኺ ምስ ኣልገሰ
ህዝባዊ መንግስቲ ምስ ነገሰ
ዝተሰደ ዓዱ ምስ ተመልሰ
ፍረ ስውኣትና ምስ ተሓፍሰ
ሓጎስ ኮነ ዘበን ተመለሰ

ወልደስላሴ ገብረመድህን
ኣሪዞና፡ ኣመሪካ