ደቂ-ኣንስትዮ ነዛ ክመሃራ'ውን ክቃለሳ ነይርወን፡ ቃልሲ ንምምዕባል ኣእምሮን ማሕበራዊ ሓርነትን- ኣግእዞ።

ባዕላ ከም እተዘንተዎ፡ ጉዕዞ ሂወታ ካብ ንእስነት ናብ መርዓን ደርዓን ሰጊራ፡ ኣደነት ተማቒላ፡ ቃልስን ስደትን ኣስተማቒራ'ያ።

ወይዘሮ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ ትበሃል። ነቲ ኣብዚ ኣስታት ፍርቂ ክፍለዘመን ህዝቢ ኤርትራ ዘሕለፎ ተመክሮ ብውልቃ ቀሚሳቶ'ያ።

ህይወታ ብውረድ ደይብን ንየው ነጀውን ዝተመልአ ምዃኑ ንዛንታኣ ምስ ሰማዕካ ይስቆረካ። ኣብቲ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብኣባታዊ (ፓተርናል) ዕብለላ ተሓሊኹሉ ዝነበረ እዋን፡ ነቲ ዝረኸበቶ ዕድል ተጠቂማ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ ውልቃዊ ቃልሲ ኣዊጃ- ተማሂራ።

ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ካልኣይቲ ካብ ጸጋም ንየማን፡ ደው ካብ ዝበላ

ናይ ምስሊ መግለጺጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት ደቂ-ኣንስትዮ ቤት ምህርቲ ልዑል መኮንን ኣብ 1958-59

ካብተን ቀዳሞት ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸባ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኮይና፡ ርእሳ ንምምዕባል ዘይትስልኪ ጓል-ኣንስተይቲ'ያ። ኣበባ፡ ንጥፍቲ ተምሃሪትን፡ ኣባል ጋንታ ኩዕሶ ሰክዒትን'ውን እያ ነይራ።

'ኣደ ስነጽሑፍ ኣፍሪቃ'?

ኣበባ፡ ኣብ 1966 ሓንቲ 'ዋይ ኣነ ደቀይ፡ ሰኣን ምምልካትዶ' ዘርእስታ ማሕበራዊት መጽሓፍ ንሕትመት ብምብቃዓ፡ ናይ መጀመርታ ኤርትራዊት ጸሓፊት ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝኾነት'ዩ ዝንገረላ።

እታ "ኣደ ስነ ጽሑፍ ኣፍሪቃ" ተባሂላ እትጥቀስ ውርይቲ ናይጀርያዊት ደራሲት ፍሎራ ንዋፓ እውን ኣብ 1966 እያ ነታ 'ኢፉሩ' (Efuru) ዘርእስታ መጽሓፍ ንመጀመርታ ግዜ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ደሪሳ።

ስለዚ ዋላ'ኳ ኣበባ ተስፋጌርጊስ ዝደረሰቶ መጽሓፍ ብኣፍሪቃዊ ቋንቋ ትግርኛ እንተኾነ፡ መዘና ፍሎራ ንዋፓ ብምዃና "ማንታ ኣደ ስነ ጽሑፍ ኣፍሪቃ" እንተበልናያ ኣይበዝሓን'ዩ። እኳ ድኣስ ብኣፍሪቃዊ ቋንቋ ምጽሓፋ ዝያዳ ናእዳ ይግባኣ ኢልካ ክምጎት ይከኣል ይኸውን።

"ዋይ ኣነ ደቀይ" ኣብቲ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ንቋንቋ ትግርኛ ብምጥፋእ ብኣምሓርኛ ንምትካእ ዝተባባዓሉ ዝነበረ እዋን ብምሕታማ፡ ናይቲ እዋን ብርቂ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ክትከውን ይገብራ።

ኣበባ፡ እቲ ኣብቲ ግዜ'ቲ ትዕዘቦ ዝነበረ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላውን፡ ሸቕሊ ኣልቦነትን ምሒር ከሻቕላ ብምጅማሩ'ያ፡ ንርእሳ ካብ ጭንቀት ንምውጻእ ስሚዒታታ ክትሓናጥጥ ጀሚራ።

"ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እሰርሕ ነይረ። ተምሃሮ ስራሕ ደሊና ኢሎም ይመጹ። ኣብቲ እዋን'ቲ ግን ስራሕ ኣይነበረን። እዚ የተሓሳስበኒ፡ ተማሂርካ'ዶ ስራሕ ትስእን ኢኻ፡ ትምህርቲ ክትቅጽል ኣይትኽእልን? ስለምንታይ? እብል ነይረ" ብምባል ብኸመይ ኣብ ስነጽሑፍ ከም ዝኣተወት ትዛረብ።

ብኹነታትን መጻኢ ናይቶም ድራር ዕለቶም ንምምእራር ኣብ ከተማ መስቲካን ካረሜላን ክሸጡ እትርእዮም ዝነበረት ቆልዑ'ውን ኣእምሮኣ ይጭነቕ ነበረ።

"ስለዚ እንታይ'የ ዝገብር ነይረ፡ ለይቲ እጽሕፍ፡ ምስ ጸሓፍኩ እፈኹሰኒ። ሽዑ ናይ ፓለቲካ ገለ ኣይትሓስብን ኢኻ፡ ስለምንታይ ከምዚ ይኸውን ጥራይ ኢኻ ትብል" ድማ ትብል።

ኣበባ፡ ናይ ብርዒ ንብዓት ንመሓዙታ ምስ ኣካፈለተን፡ ኣጻፊፋ ናብ መጽሓፍ ከተዕብዮ ኣተባቢዐናኣ። እታ ንርእሳ ከም ጸሓፊት ወሲዳታ ዘይትፈልጥ ኣበባ እውን ሰሚዓተን።

ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ኣደመንበር ማሕበር ምትሕግጋዝ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ (YMCA) ኣብዝነበረትሉ እዋን መደረ እናስመዐት
ናይ ምስሊ መግለጺኣደመንበር ማሕበር ምትሕግጋዝ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ (YMCA) ኣብዝነበረትሉ እዋን

"ደሓር ጺሒፈ... ጺሒፈ... ልቢ ወለድ ኮይኑ። ደሓር ንሰባት ኣርእየዮም። ኣብቲ እዋን'ቲ ጋዜጠኛታት ዝነበሩን ካልኦት ከም በዓል ኣቶ ሙሳ ኣሮን ኣንቢቦሞ። ጽቡቕ ኢሎሙኒ። ተሓቲሙ፡ ተሸይጡ ክሳብ ዝኣኽሎ" ብምባል እቲ መጽሓፍ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ትዝክር።

ኣብቲ እዋንቲ ብትግርኛ መጽሓፍ ከይጸሓፍ እንተ ብግህዶ እንተ ብሕቡእ ይስራሕ'ሉ ምንባሩን፡ እታ ናታ ንሳንሱር ክትሓልፍ ዝኸኣለት ግን፡ ኣብ መእተዊ ክፋል ናይቲ ሽዑ ኣማሓዳሪ ኤርትራ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ኣስራት ካሳ ብዛዕባ ደቂ-ኣንስትዮን ትምህርትን ዝበሎ ጠቒሳ ብምንባራ'ዩ።

ስለዚ እታ ብናይ ወላዲትን ኣደነትን መንፈስ ዝጸሓፈታ ፈላሚት መጽሓፋ እንተወሓደ "ኣደ ስነ ጽሑፍ ኤርትራ" ክተብላ ትኽእል'ያ።

ብውጽኢት እታ መሰረት ስነ ጽሑፍ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ክትከውን ዝበቕዐት ቀዳመይቲ መጽሓፋ ብምትብባዕ ከኣ፡ ኣብ 1968 ካልኣይቲ መጽሓፍ ኣሐቲማ።

እታ "ንመን'የ ዝነግሮ" እትብል ካልኣይቲ መጽሓፋ'ውን "ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኩነታት እተንጸባርቕ ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰት ልቢ ወለድ ዛንታ እያ" ብምባል'ያ ትገልጻ።

"ኣብቲ እዋን'ቲ ናይ ጃንሆይ ፕሮፓጋንዳ ነይሩ። ንሶም መልኣኽ'ዮም፤ እቶም ትሕቲኦም ዘለዉ'ዩ እምበር ይበሃል ነይሩ። ከምዚ ናይ ሕጂ ብዛዕባ ኢሳይያስ ዝበሃል ዘሎ ማለት'ዩ"።

እዛ ፈጠራዊት ዛንታ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፓለቲካዊ ኩነታት ጎበጣን ዓመጽን እትገልጽ ኮይና "ቀንዲ በደለኛ ሃይለስላሴ ምዃኑ ኣሚነ እየ ጺሒፈያ" ትብል ኣበባ።

"ብዙሕ ተቐባልነት ረኺባ'ያ፡ ጃንሆይ ምስ ወረዱ ብዙሓት ተነቢኺ ኔርኪ ኢሎሙኒ" ድማ ትብል።

እቲ እዋን፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ጎበጣ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝጻዕጻዓሉን ዝተላባዓሉን ጊዜ ስለዝነበረ፡ ሂወትን መነባብሮን ኣበባ'ውን በቲ ኩነታት ክጽሎ ግድን ነበረ።

ቃልሲ፡ ማእሰርቲ፡ ስደት ኣረኻኺቡላ፡ ዕጫ መብዛሕቶም ኤርትራውያን በጺሕዋ፡ ነታ እትፈትዋ ማሙቕ ቤታን ሃገራን ራሕሪሓ ናብ ዘይትፈልጦ ዓለም ክተምርሕ'ውን ተገዲዳ'ያ።

"ናይ ቃንዛ ወቕቲ፡ ዘይሕለል ተስፋ"

ሓቀኛ ገጸ-ባሕርን ታሪኽን ተመክሮን ኣበባ ተስፋጌርጊስ፡ ኣብታ ጸኒሓ ዘሕተመታ ንዝሓለፈቶ ተመክሮ እተዘንቱ "ናይ ቃንዛ ወቕትን ዘይሕለል ተስፋን፡ ነዊሕ ጉዕዞ ኤርትራዊት ኣደ" (A Painful Season, A Stubborn Hope: The Odyssey of an Eritrean Mother) እትብል መጽሓፋ ተሰኒዱ ንረኽቦ።

እታ መጽሓፍ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈት ኮይና ንዛንታ ህይወት እትገልጽ ሕታም 1992'ያ።

እታ ንዝሓለፈቶ ንታሪኽ ሂወታ እተዘንቱ ሳልሰይቲ መጽሓፍ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ፡ "ናይ ቃንዛ ወቕቲን ዘይሕለል ተስፋን፡ ነዊሕ ጉዕዞ ኤርትራዊት ኣደ"
ናይ ምስሊ መግለጺእታ ንዝሓለፈቶ ንታሪኽ ሂወታ እተዘንቱ ሳልሰይቲ መጽሓፋ፡ "ናይ ቃንዛ ወቕቲን ዘይሕለል ተስፋን፡ ነዊሕ ጉዕዞ ኤርትራዊት ኣደ"

"ንሳሕል ንደቀይ ክርኢ ምስ ከድኩ ዝጸሐፍክዋ'ያ። ምስ ተመለስኩ፡ ሓንቲ ኣሜሪካዊት ብዛዕባ ገድሊ ኤርትራ ዝጸሓፈቶ ኣብ ሓደ መጽሄት ኣንቢበ። ኣነስ ድኣ ብዛዕባ ህዝበይን ሃገረይን ዘይጽሕፍ ኢለ ጀሚረያ"።

እዛ መጽሓፍ ዋላ'ኳ ንጉዕዞ ህይወታ ንምዝንታዉ ዝጸሓፈታ እንተኾነት፡ ንፓለቲካዊ፡ ማሕበራዊን ቁጠባውን ህይወት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምንጽብራቕ፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝወረደ ግፍዕን ምረትን ተመክሮ ቤት ማእሰርቲ ዘጉልሕ'ዩ።

ማእሰርቲ

ስርዓት ደርጊ፡ ናብ ስልጣን ኣብ ዝደየበሉ እዋን፡ ኣበባ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ውድብቲ ኮይና ትንቀሳቐስ ከም ዝነበረት'ያ ትገልጽ። ሓደ ንምስጢራዊ ምንቅስቓሳታ ዝፈልጥ ተጋዳላይ ኢዱ ንመንግስቲ ደርግ ስለ ዝሃበ ግን፡ ኣሕሊፉ ከም ዝሃባ ተዘንቱ።

በዚ መሰረት ብ13 መስከረም 1975 በቶም ኣብቲ እዋን "ዓፋኝ" ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ኣባላት "ደህንነት" (ጸጥታ) ደርግ ካብቲ ትስርሓሉ ዝነበረት ቤት ጽሕፈት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተወሲዳ ኣብ ቀይዲ ኣትያ።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ድማ ምስ ከምኣ ኣብ ምስጢራዊ ስራሓት ሰውራ ኤርትራ ተወዲበን ዝሰርሓ ዝነበራ እሱራት ተጸምቢራ። ንጽንዓተን፡ ተጻዋርነተንን ለውሃተንን ድማ ኣብ መጽሓፋ ብሰፊሑ ኣስፊራቶ ትርከብ።

ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ምስ ነልሰን ማንዴላ ኣብ 1994 ኣብ ከተማ ደርባን
ናይ ምስሊ መግለጺምስ ሓድሽ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ነልሰን ማንዴላ ኣብ ሓደ ናይ ሰባዊ መሰላት ዋዕላ ኣብ ከተማ ደርባን

ካብ ኩሉ ግን እቲ ዘስካሕክሕ ኣተሓሕዛ ሓለፍቲን መርመርትን ቤት ማእሰርቲ ስርዓት ደርግ ክሳብ ክንደይ ጨካን ምንባሩ ሰኒዳቶ'ላ።

መተኣስርታ ኣጥባተን ከይተረፈ ብሽጋራ መርመርተን ዝተለብለበ፡ ዓጻብዕተን ዝተሰብረን፡ ቅስመን ክስበር ተባሂሉ ድማ ብገጸን ኣብ ገንቢ ዝጨኑ ረሳሕ ሽቓቕ ዝተኣልካ፡ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊአን ዝተፈጸመን እየን።

ኣብ መወዳእታ፡ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ከሰስታ ጭብጢ ብዘይምርካቦም፡ ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ኣብ መጋቢት 1976 ምስናይ እገዳ ተፈቲሓ- ኣብ ኣስመራ ንኸይትነብር ተኸልኪላ።

"ማእሰርቲ ፈንፊነዮ" ብምባል'ያ ዛንታ ማእሰርታ ዛዚማቶ።

ኣሰር'ታ ብቐጥታ ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ወሲዶም፡ ቤተሰባን ደቃን ድማ ኣብኡ ከም እትረኽቦም ተጌሩ፡ ካብኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም እትርሕቕ ጌሮማ።

ስደት

ኣብ 1978 ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ኣብ ኣፍደገ ኣስመራ በጺሑሉ ዝነበረ እዋን'ዩ።

እታ ከተማ ኣብቲ ትሕቲ ሙሉእ ከበባ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኣትያ ብምንባራ፡ ነበርታ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ደበና ኲናት'ዮም ዝነብሩ ነይሮም።

እቲ ኩነታት እናኸፍአ ክኸይድ ከም ዝኽእል ዝገመቱ ኣበባን በዓል ቤታን፡ ናብ ስደት ምምራሕ እቲ ዝሓሸ ምዃኑ ደምዲሞም። መጀመርታ በዓል ቤታ ብስራሕ ካብ ኤርትራ ንወጻኢ ምስ ገሸ ብኡ ኣቢሉ ክተርፍን፡ ኣበባን ደቆምን ድማ ክስዕበኦ ተሰማምዑ።

ስድራቤታ ንምርኣይ ኣስመራ በጺሓ ክትምለስ ፍሉይ ፍቓድ ሓቲታ፡ ምስ ሰለጣ፡ ብኡ ኣቢላ ካብ ዓንኬል ደርግ ክትወጽ ብምሕላን ናብ ኣስመራ ተጓዒዛ።

ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ኣብ ስደት ምስ ወጻእተኛታት መሓዙታ ኣብ ስዊዘርላንድ ሞራል ሪኣርማመንት፡ 1973
ናይ ምስሊ መግለጺኣብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት'ውን ተሳትፎ ነይርዋ'ዩ

ነቲ ኣብቲ እዋን ብኽንደይ ፍርሒ ዝሕለፍ ዝነበረ "ተፍትሽ' (ኬላ) ወታሃደራት ኢትዮጵያ ሰጊራ ንሳን ደቃን ኣየር 'ሓራ መሬት' ሃገረን ኣስተንፈሳ።

ጉዕዘአን ፈለማ ንከረን ብኡ ኣቢለን ድማ ንሱዳን፡ ካብኡ ኸኣ ንኣሜሪካ'ዩ ዝነበረ።

ኣብቲ ዝዓበየትሉ ስድራቤት፡ ትምህርቲ ዓቢ ክብሪ ይወሃቦ ስለዝነበረ፡ መብዛሕትኦም ኣሕዋታን ኣሓታን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ክበጽሑ ኪኢሎም'ዮም።

በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ኣበባ ንደቃ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ በጺሐን ክትሪአን ዝነበራ ሃረርታ ዕዙዝ ዝነበረ።

ኣብታ ኣብ ኢድ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረት ከተማ ከረን፡ ምስ በጽሓ ግን ሓደ ዘይተጸበየቶ ነገር ኣጋጢምዋ። ሓደ ምሸት እተን ዕስራ ዓመት ዘይመልኣ (ሓንቲአን'ውን ትሕቲ ዕድመ) ክልተ ዳቃ፡ ክጋደላ ከም ዝወሰና ይነግረኣ።

ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ሂወታ ጠቂሳቶ ከም ዘላ፡ እዚ ፈጺሙ ዘይተጸበየቶ ድቦላ'ዩ ኔሩ። እተን ክሳብ ሽዑ'ውን በቲ ናይ ጉዕዞ ከልበትበት ምሕላፈን ዝተሳቐየትለን፡ ቆልዑት ደቂ ማህጸና ናብ ዝኸፈአ ናብራን ደማዊ ኲናትን ምምራጸን ከበዳ።

እቲ ቃልሲ፡ ድሮ ነቶም ንጡፍ ተራ ክጻወቱ ጀሚሮም ዝነበሩ ኣሕዋታን ንዓኣን ጥራይ ከም ዝምልከት፡ በቒቓተን።

ደቃ ነቲ ንሳን ኣሕዋታን ብኹሉ ዓቕሞም ዝድግፍዎ ቃልሲ ክውፈያ ምውሳነን፡ ንስነመጎት ወላዲት ሲዒርዎ። ክትገብሮ ትኽእል ዝነበረት ነገር ኣብ ኣድባራት ከረን ከይዳ ክትጽሊን ርእሳ ከተህድእን ጥራይ'ዩ።

እተን ደሮ ኣብ ቅድሚ ዓይና፡ ጸጉረን ቆሪጸን ክዳነን ቀይረን ተጋደልቲ መሲለን ዝነበራ ደቃ፡ ኣብ መወዳእታ ንታዕሊም ክኸዳ ክፋነዋኣ እንከለዋ ብፍላይ ምስተን ዝተረፋ ክልተ ናኣሽቱ ደቃ ዝርንዛሕ ነቢዓ፡ ንብዓት ወላዲት ኤርትራ።

"ሽዑ ሓንቲ ኩነታተይ ዘደንገጸን ኣደ፡ 'ኣጆኺ ዓቕሊ ግበሪ፡ ደይ ሕጂ ናጽነት ዓቲረን ክምለሳ'የን' ኢለናኒ" ትብል ኣበባ። እንተኾነ ግን ናጽነት ኣይ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረላን፡ ቃልሲ ንናጽነት ካብ ኣፍደገ ኣስመራ ንናቕፋ ተመሊሱ፡ ድሕሪኡ ን13 ዓመታት ክትጽበ ነይሩዋ።

ምምላስ ናብ ኤርትራን ዳግማይ ስደትን

ኣብ 1991 ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ንናይ ደርግ 2ይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ብምስዓር ንኤርትራ ሓራ ድሕሪ ምግባሩ፡ ኣበባ ናብታ እትናፍቓ ኣስመራ ምስቶም ምስታ ቀዳመይቲ ነፋሪት ዝኣተዉ ኤርትራውያን'ያ ዓሊባ።

ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ኤርትራ ምስ ተመልሰት ደቃ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ እናተቐበለኣ 1991

ናይ ምስሊ መግለጺዕድል ጌራ እተን ኣብ ከረን ኣብ ቅድሚ ዓይና ነቲ ብምምሻጥ ዝቐበጠን ምዕሩግን ጸጉሪ ርእሰን ብምቑራጽ ክቃለሳ ዝቖረጻ ደቃ፡ ብሂወት ረኺባተን

ዕድል ጌራ እተን ኣብ ከረን ኣብ ቅድሚ ዓይና ነቲ ብምምሻጥ ዝቐበጠን ምዕሩግን ጸጉሪ ርእሰን ብምቑራጽ ክቃለሳ ዝቖረጻ ደቃ፡ ብሂወት ረኺባተን።

ዋላ'ኳ ሓንቲአን በሰላ ደማዊ ጥምጥም ኲናት ሒዛ እንተኣተወት፡ ምስ ካልኦት ስድራ ቤታት ኣወዳዲራስ ተመስገን ኢላ።

እተን ንእሰነተን ዝሳኣነቶ ደቃ ነታ ዘዕበየታ ከተማ ኣስመራ ቀዲመን ኣትየን ሽግ ሓርነት ኣጓናጺፈን ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ተቐቢለንኣ።

ኣበባ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዘኻዕበተቶ ተመክሮን ኣፍልጦን ኣብ ጥቕሚ ህዝባን ሃገራን ከተውዕል ዓቢ ጥሙሕን ሓሳባት ሒዛ'ያ ተመሊሳ።

"ናብ ስደት ምስ ከድና ብዙሕ ተመክሮ ሒዝና ኢና ተመሊስና፡ እዚ ተመክሮ'ዚ ኣብታ ናጻ ሃገርና ክንጥቀመሉ'ዩ ነይሩ'ቲ መደብና። እቲ ዘሕዝን ግን፡ 'ኣበይ ዝነበራ'የን እዚኣተን'ከ' ተባሂልና" ትብል።

ጠቕሊላ ተመሊሳ ስለዝነበረት፡ ኣብ ሓንቲ 'ዞባዊ ማእከል ሰባዊ መሰላትን ልምዓትን' ዝተባህለት ሲቪካዊት ትካል ትሰርሕ ከም ዝነበረት ጀሚራ ነይራ።

ዕላማ ናይታ ብምትሕብባር ሓዋ፡ ጳውሎስ ተስፋጌርጊስ፡ ዝተመስረተት ትካል፡ ህዝቢ መሰላቱ ክፈልጥ ንምሕጋዝ መጽሄታትን ጽሑፋትን ምዝርጋሕ'ዩ ነይሩ።

ንሳ፡ ኣብ ክንዲ ዝተወጽዑ ወገናት ምሕላቕ ኣብ ደም ሰራውራ ዝኣተወ'ዩ። ኣብ 1965 ኣብ ምምስራት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምድጋፍ ዝነጠፈ ማሕበር ምትሕግጋዝ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ዓቢ ተራ ዝነበራ'ያ። ንክልተ እብረ እውን ከም ኣደመንበር ኮይና ነቲ ማሕበር እግሪ ኣትኪላቶ'ያ።

"ፕረዚደንት እቲ ትካል ክሰርሕ ፈሪሙ ኣፍቂድሉ" ብምባል እቲ ትካል ብቡራኬ ፕረዚደንት ኤርትራ ዝተመስረተ ምዃኑ ትዛረብ።

እንተኾነ ግን ቀሩብ ኣዋርሕ ምስ ሰርሐ መንግስቲ "ኣደስኪልዎ ድሓር ድማ ዓጽዮሞ" ኢላ።

"ኣተዓጻጽውኦም ብጣዕሚ ሕማቕ'ዩ ነይሩ። ምጽእ ኢሎም ነቲ ፋይላት ዕሽግ ዕሽግ ኣቢሎሞ። ልክዕ ከምቲ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሰርሕ እንከለኹ ዓፋኝ መጺኦም ክወስዱኒ እንከለዉ ዝተሰማዓኒ ስሚዒት፡ ሽዑ'ዩ ንዓይ ተሰሚዑኒ። ኣብ ዓደይድ'የ ዘሎ'ኹ ኣበየ ዘለኹ? ከምዚ'ድዩ? እቲ ፕረዚደንት ፈሪምሉ ኸሎ!፡ ሽዑ ሓዚነ ብጣዕሚ" ብምባል እቲ ፍጻመ ክሳብ ሎሚ ከም ዘርምማ ትገልጽ።

በቲ ዘጋጠማ መኻልፍ ግን ሞራላ ክወድቕ ኣየፍቀደትን። እታ ኣብ ትምህርቲ ዓቢ ክብሪ ዘለዋ ኣበባ እንተወሓደ፡ ንካልኦት እትሕግዘሉ ኣፍደገ እኳ እንተተዓጽዋ፡ ርእሳ ንምምዕባል ተለዓዓኢላ።

"እንታየ ክገብር'የ ኢለ። ጠቕሊለ'የ መጺአ። ቀደም 12 ክፍሊ ወዲአ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዳርጋ ዶክትሬት'ዩ በሎ። ዘይመሃርከ ኢለ ንኣሜሪካ ተመሊሰ ምስ ንኣሽቱ ቊኒን ኢለ፡ ሓሙሽተ ዓመት ተማሂረ። ድሓር ቢኤን ኤም ኤን ኣምጺአ፡ ተዓዊተ" ብምባል ክልተ ዲግሪታት ብምስራሕ ንዝነበራ ደረጃ ትምህርቲ ከም ዝደራዓቶ ትገልጽ።

እንተኾነ ግን፡ ድሕሪ'ቲ ኩሉ ቃልስን፡ ነዊሕ ናይ ስደት እዋንን፡ ምስቲ ዝነበራ ሃንቀውታን ብሩህ መጻኢ ናይታ እተፍቅራ ሃገራን ንካልኣይ ጊዜ ናብ ስደት ምምላሳ ምሒር ኣሕዚንዋ'ዩ።

"ኣብ ዓደይ ኮይነ ንዓደይ ዘገልግል መሲሉኒ፡ ከገልግል ግን ኣይከ ኣልኩን፡ ካልኣይ ተሰዲደ ካልኣይ ስደት ካኣ መሪር'ዩ"።

ህልዉ ኩነታት

ኣበባ ብዛዕባ ህሉው ከነታት ኤርትራ'ውን ርእይቶታታ ካብ ምቅላሕ ዓዲ ኣይወዓለትን፡ ትጽሕፍን ድምጻ ተስምዕን'ያ። ብዛዕባ ኩነታት ህዝብን ሃገራዊ ምሕደራ ከም ዘይዓገበትን ከም እትጉህን ድማ ተውስእ።

"ጸላኢኻ ክጠልመካ እንከሎ ቀልጢፍካ ኢኻ እትኣምኖ፡ ሓውኻ ክጠልመካ እንከሎ ግን ቀልጢፍካ ኣይትኣምኖን ኢኻ። ህዝቢ ኣይመነን፡ እዚኦም ከምዚ ይገብረ ድዯም ኢሉ፡ ካብ ማህጸንና እንድዮም ወጺኦም ኢሉ። ጸላኢኻ ክብድለካ ኸሎ ትቕበሎ ኢኻ፡ ሓውኻ ውላድካ ከምኡ ክገብረካ ግን መሪር'ዩ" ክትብል ድማ ምረታ ትገልጽ።

"ህዝቢ ኤርትራ ኳዕናን ህዝቢ'ዩ፡ ከምዚ ዓይነት ወርደትን ጭኮናን ኣይግበኦን'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ክንድዚ ደም ፈሲሱ፡ ደንቊርና፡ ደኺና፡ ስምና ኸፊኡ፡ ዘይነበረና ስቓይ፡ ክትሰግር ትቕተል፡ ኣብ ዓድኻ ትቕተል፡ ትስወር፡ ስለምንታይ?"

ብዛዕባ'ዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራ ተጀሚሩ ዘሎ ዕርቀ-ሰላም ክትዛረብ እንከላ'ውን፡ "ሰላም ጽቡቕ'ዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ እታ ሰላም ትብል ቃል እኳ ኣሐጒሳቶ" ትብል።

"ግንከ ኣቢ እንድዩ ሰላም ኢሉ ዝጀመረ፡ እንታይ ግን ጌሩ? እሱራት ፈቲሑ፡ ኣብ ደገ ኾይኖም ዝቃወሙ ዝነበሩ፡ ስለ ዓድኹም ትፈትዉ ዝኾንኩም እኳ ኢኹም ተቛዊምኩም፡ ዓድኹም ኣቲኹም ተቓወሙ ኢሉ"።

ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ
ናይ ምስሊ መግለጺኣበባ በቲ ናይ "ዘይሕለል ተስፋ" መንፈሳ፡ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ ምዃኑ'ያ ትዛረብ

"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን ከምኡ ኣይገበረን፡ እሱራት ኣይፈትሐን። ንሕና ኻኣ ሓቒቖም ዝበሃሉ ኣለዉና። ገሊኦም ሞይቶም ይኾኑ፡ ዘይሞቱ'ውን ይህልዉ። እቶም ዝሞቱ መዓስ'ዮም ሞይቶም ኣበይ እዮም ተቐቢሮም ክፍለጥ ኣለዎ፡ ሰብ ክቡር'ዩ"።

"ካብ ፕረዚደንትና ንጽበዮ፡ ምውታትና ክንገሩና ክንፈልጥ ክንቀብሮም፡ ናይ ሰብ ክብሪ ክረኽቡ፡ እሱራትና ክፍትሑ፡ እታ ቅዋምና ኻኣ ኣብ ግብሪ ክውዕል"

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣበባ በቲ ናይ "ዘይሕለል ተስፋ" መንፈሳ፡ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ ምዃኑ'ያ ትዛረብ።

"ሐሕማቑ ኮይኑ ዝውረ እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ'ኮ ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ዘለዎ'ዩእንድሕሪ ሓቢርና ድማ ነዚ ባህሊ'ዚ ክንዕቅቦ ንኽእል ኢና" ድሕሪ ምባል፡ "ዝባን ሕጊ ኢልካ ኢኻ'ኮ ናብ ዳኛ ትወስዶ፡ ሽጉጥ ኣየድልየካ በትሪ ኣየድልየካ ገለ ኣየድልየካ፡ እዚ ባህሊ'ዚ ንዓለም'ውን ዝጠቅም'ዩ"

"ተስፋና ምሉእ'ዩ" እያ ትብል ወይዘሮ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ።